ቤት ጽሕፈት ጸጥታ መቐለ – Kulu Media https://www.kulu-media.com Your trusted source for breaking news from Tigray, Ethiopia, Eritrea, and beyond. Stay informed in Tigrigna, Amharic, & English at Kulu Media. Thu, 12 Feb 2026 23:57:24 +0000 ti-ET hourly 1 https://i0.wp.com/www.kulu-media.com/wp-content/uploads/2024/02/image.jpg?fit=32%2C32&ssl=1 ቤት ጽሕፈት ጸጥታ መቐለ – Kulu Media https://www.kulu-media.com 32 32 230011676 ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈንጀረ ነታጒ ብዙሓት ኣሰንቢዱ https://www.kulu-media.com/ti/%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%8a%a8%e1%89%b0%e1%88%9b-%e1%88%98%e1%89%90%e1%88%88-%e1%8a%90%e1%89%b3%e1%8c%92-%e1%89%b0%e1%8d%88%e1%8a%95%e1%8c%82%e1%88%a9/ https://www.kulu-media.com/ti/%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%8a%a8%e1%89%b0%e1%88%9b-%e1%88%98%e1%89%90%e1%88%88-%e1%8a%90%e1%89%b3%e1%8c%92-%e1%89%b0%e1%8d%88%e1%8a%95%e1%8c%82%e1%88%a9/#respond Thu, 12 Feb 2026 23:42:33 +0000 https://www.kulu-media.com/?p=2811 መቐለ – ሎሚ ለይቲ የካቲት 5/2018 ዓ.ም (የካቲት 12, 2026) ሰዓት 3፡30 አከባቢ ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ፡ ዙርያ ዩኒቨርሲቲ መቐለ (ካምፓስ ዓዲ ሓቂ) ዝተፈንጀረ ነታጒ ንነባሪ እታ ከተማ ስግኣት ፈጢሩ ሓሊፉ። ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ከተማ መቐለ ንመቐለ ኤፍ ኤም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በቲ ተፈንጂሩ ዝነበረ ነታጒ መቐለ ኣብ ሰብ ይኹን ኣብ ንብረት ዝበጽሐ […]

The post ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈንጀረ ነታጒ ብዙሓት ኣሰንቢዱ appeared first on Kulu Media.

]]>
መቐለ – ሎሚ ለይቲ የካቲት 5/2018 ዓ.ም (የካቲት 12, 2026) ሰዓት 3፡30 አከባቢ ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ፡ ዙርያ ዩኒቨርሲቲ መቐለ (ካምፓስ ዓዲ ሓቂ) ዝተፈንጀረ ነታጒ ንነባሪ እታ ከተማ ስግኣት ፈጢሩ ሓሊፉ።

ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ከተማ መቐለ ንመቐለ ኤፍ ኤም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በቲ ተፈንጂሩ ዝነበረ ነታጒ መቐለ ኣብ ሰብ ይኹን ኣብ ንብረት ዝበጽሐ ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከምዘየለ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

መርመራ ኣብቲ ዘጋጠመ ምፍንጃር ነታጒ

እቲ ቤት ጽሕፈት ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ዝተፈንጀረ ነታጒ ሰላም እታ ከተማ ንምዝራግን ህዝቢ ንምሸባርን ብዝዓለሙ “ሓይልታት ጥፍኣት” ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ እዩ ብምባል ብፍላይ ድማ በዓል ለካቲት 11 ብሰላም ከይኽበር ንምዕንቃፍ ዝተወጠነ ምዃኑ ተገሊጹ። ቅድሚ ኣዋርሕ’ውን ኣብዚ ተመሳሳሊ ቦታ ተመሳሳሊ ናይ ሽብር ተግባር ተፈጺሙ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

“እቲ ኣብ መቐለ ዝተፈንጀረ ነታጒ ብድምጹ ንህዝቢ ኣደናጊጹ እዩ” ዝበለ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ፖሊስ መቐለ ምስ ካልኦት ኣካላት ጸጥታ ብምውዳድ ነቶም ፈጸምቲ ገበን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምውዓል ብትኹረት ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ሰላምን ጥንቃቐን

ህዝቢ መቐለ ተረጋጊኡ ከባቢኡ ክሕሉ ዘተሓሳሰበ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ብዛዕባ ኣፈጻጽማ እቲ ተግባርን ፈጸምቱን ዝምልከት ዝርዝር መርመራ ምስ ተወደአ ወግዓዊ ሓበሬታ ከምዝወሃብ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኩሉ ሚድያ ነዚ ዝግበር ምርመራ እናተኸታተለ ከምዘቕርበልኩም ክንገልፀልኩም ንፈቱ።

Read it in English

The post ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈንጀረ ነታጒ ብዙሓት ኣሰንቢዱ appeared first on Kulu Media.

]]>
https://www.kulu-media.com/ti/%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%8a%a8%e1%89%b0%e1%88%9b-%e1%88%98%e1%89%90%e1%88%88-%e1%8a%90%e1%89%b3%e1%8c%92-%e1%89%b0%e1%8d%88%e1%8a%95%e1%8c%82%e1%88%a9/feed/ 0 2811