ፖለቲካ – Kulu Media https://www.kulu-media.com Your trusted source for breaking news from Tigray, Ethiopia, Eritrea, and beyond. Stay informed in Tigrigna, Amharic, & English at Kulu Media. Tue, 03 Feb 2026 18:23:20 +0000 ti-ET hourly 1 https://i0.wp.com/www.kulu-media.com/wp-content/uploads/2024/02/image.jpg?fit=32%2C32&ssl=1 ፖለቲካ – Kulu Media https://www.kulu-media.com 32 32 230011676 ጉዳይ ወልቃይት “ኣነ ኣይውስኖን” – ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ https://www.kulu-media.com/ti/ethiopia-pm-abiy-wolkait-dispute-decision-2/ https://www.kulu-media.com/ti/ethiopia-pm-abiy-wolkait-dispute-decision-2/#respond Tue, 03 Feb 2026 17:33:51 +0000 https://www.kulu-media.com/?p=2512 ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ሕቶ ዋናነት ካብ ዝለዓለሎም ከባቢታት ሓደ ዝኾነ ጉዳይ ወልቃይት፣ ንሶም ይኹኑ ኣባላት ፓርላማ “ከምዘይውስኑ” ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊጾም። ኣብ ህልውና ህዝቢ ወልቃይት “ክውስን” ዝኽእል “ናይቲ ከባቢ ህዝቢ” ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፤ ቅዋም ፌደራል መንግስቲ ሕጂ ውን እቲ ጉዳይ “ብህዝበ ውሳነ (ሪፈረንደም)ን ብዝግባእ ሕግን ይወሰን” ዝብል ምዃኑ ተዛሪቦም። እቶም […]

The post ጉዳይ ወልቃይት “ኣነ ኣይውስኖን” – ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ appeared first on Kulu Media.

]]>
ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ሕቶ ዋናነት ካብ ዝለዓለሎም ከባቢታት ሓደ ዝኾነ ጉዳይ ወልቃይት፣ ንሶም ይኹኑ ኣባላት ፓርላማ “ከምዘይውስኑ” ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊጾም። ኣብ ህልውና ህዝቢ ወልቃይት “ክውስን” ዝኽእል “ናይቲ ከባቢ ህዝቢ” ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፤ ቅዋም ፌደራል መንግስቲ ሕጂ ውን እቲ ጉዳይ “ብህዝበ ውሳነ (ሪፈረንደም)ን ብዝግባእ ሕግን ይወሰን” ዝብል ምዃኑ ተዛሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝተዛረቡ ሎሚ ሰሉስ 26 ጥሪ 2018 ዓ.ም፣ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቀረበሎም ሕቶታት መብርሂ ኣብ ዝሃብሉ እዋን እዩ። ካብ ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ጉዳይ ብሕቶ ዝልዓሉ ዓብዱ ሓሰን ዝተባህሉ ኣባል ፓርላማ፣ ተመዛበልቲ ናብ ነበር መነባብሮኦም ንምምላስ ፌደራል መንግስቲ ዘካይዶም ዘሎ ስራሕቲ “ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዝርከቡ” ሓቲቶም።

“ህወሓት ንዓመታት ክገብሮ ከምዝጸንሐ ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ንፖለቲካዊ ዕላማ ክጥቀመሎም ይርአ” ክብሉ ዝወነጀሉ እቶም ኣባል ፓርላማ፤ ንተመዛበልቲ “ደገፍ ከይበጽሕ”ን “ናብ መቦቆሎም ከይምለሱ ይገብር ኣሎ” ብምባል ከሲሶም። “ነዚ ኩነታት ንምፍታሕ ብወገን ፌደራል መንግስቲ እንታይ ይስራሕ ኣሎ?” ክብሉ ውን ተተሓሓዚ ሕቶ ኣስዒቦም።

ጉዳይ ወልቃይት "ኣነ ኣይውስኖን" - ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ

ንሕቶኦም መልሲ ዝሃቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፣ ኣብቲ ጉዳይ ፌደራል መንግስቲ “ጽኑዕ እምነት” ዝበልዎ ኣረዲኦም። “ነባርቲ ከባቢ ወልቃይት ካብ ትግራይ ይምዘበሉ፣ ካብ ወልቂጤ ይምዘበሉ፣ ካብ ኣሶሳ ይምዘበሉ፤ ወልቃይት ብሰላማዊ መንገዲ ናይ ምንባር 100 ፐርሰንት መሰል ኣለዎም” ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ቅዋም መንግስቶም ኣፍሊጦም።

“ወልቃይት ብዝምልከት ኩሉኹም ትፈልጡ ኢኹም ምስጢር ኣይኮነን። ሕቶ ዋናነት ኣብ ክልል ኣምሓራን ትግራይን ንነዊሕ ግዜ ጸኒሑ እዩ። ክልቲኦም ክልላት መርትዖ ኣደጊፎም፤ ተቀባልነት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ‘እዚ ቦታ ይግብኣኒ እዩ’ ይብሉ። ፌደራል መንግስቲ ዝብሎ ዘሎ፤ ‘ሰብ ኣይመዛበል፣ ኣብ ዘለዎ ይመለስ፣ ርእሱ የመሓድር፣ ባዕሉ ይወስን’ እዩ” ክብሉ ኣቢይ ወሲኾም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዘስጠጠመ ስምምነት ፕሪቶሪያ፣ “ዘሰሓሕቡ ቦታታት” ብዝምልከት ዘለwu ጉዳያት ዝፍትሑ ብሕገ መንግስቲ ፌዴሪ መሰረት ምዃኑ ሰፊሩ እዩ። ሓደ ፈራሚ ስምምነት ፕሪቶሪያ ዝኾነ ፌደራል መንግስቲ፤ ጉዳይ ወልቃይትን ካልኦት ዘሰሓሕቡ ቦታታትን “ብህዝበ-ውሳነ” ንምፍታሕ ዘኽእሉ መስርሓት ከምዝትግብር ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

“ነባርቲ ከባቢ ወልቃይት ካብ ትግራይ ይምዘበሉ፣ ካብ ወልቂጤ ይምዘበሉ፣ ካብ ኣሶሳ ይምዘበሉ፤ ወልቃይት ብሰላማዊ መንገዲ ናይ ምንባር 100 ፐርሰንት መሰል ኣለዎም”

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ናይ ሎሚ ፓርላማ መብርሂኦም ነዚ ጉዳይ ደጊሞም ኣስሚዖምሉ። ፌደራል መንግስቲ ጉዳይ ወልቃይት “ሓደ ሰብ ኣብዚ ተቀሚጡ ካብ ዝውስን”፤ “ብሪፈረንደም”፣ “ብዝግባእ ሕግን” ክውሰን ከምዝደሊ ዝገለጹ ኣቢይ፤ “ኣብ ህልውናን ድሌትን እቲ ህዝቢ ሕጂ መን ክውስን ይኽእል? መን ካብዚኣኩም ክውስን ይኽእል?” ክብሉ ንኣባላት ፓርላማ ሕቶ ዝሓዘ ርኢቶ ሂቦም።

“ባዕሉ እቲ ህዝቢ፣ ቤቱ ኣትዩ፣ ብሰላም ነይሩ ‘ኣነ ክመሓደር ዝግብኣኒ፣ ኣብዚ ወይ ኣብቲ እዩ’ እንተዘይኢሉ፤ ኣየናይ በዓል ስልጣን እዩ ዝግብኣካ ኣብዚ እዩ ኢሉ ክውስን ዝኽእል?” ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኾም። ንሶም እዚ ይበሉ እምበር ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣመራርሓ ህወሓትን፣ ከባቢ ወልቃይት “ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ግልጺ ቅዋም ኣለዎም።

እቶም ሓለፍትን ኣመራርሓን ብምኽንያት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መቦቆሎም ቅድሚ ምምላሶም፤ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መዋቅር ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብቲ ከባቢ ክምለስ ኣለዎ ኢሎም ይማጎቱ። ወልቃይት ብዝምልከት መንግስታት ትግራይ፣ ኣምሓራን ፌደራልን ዘራምድዎ ዝተፈላለየ ቅዋማት፣ እቲ ከባቢ ኣብ ስጋት ጸጥታን ወጥመጥን ክጸንሕ ገይርዎ ኣሎ።

ዝሓለፈ መጀመርታ ሰሙን ኣብ ከባቢ ጸለምቲ/ጠለምት ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ዝተፈጥረ ግጭት፤ እቲ ከባቢ ናብ ዝለየለ ኲናት ከይኣቱ ስጋት ፈጢሩ ጸኒሑ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ዝሓለፈ ቀዳም 23 ጥሪ 2018 ንቴሌቪዥን ትግራይ ቃለ መሕትት ዝሃቡ ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፤ ምኽንያት እቲ ግጭት “ናብ ግዛትና ንምእታው ድሌት ከምዘለና ንምዝኽኻር እዩ ነይሩ” ክብሉ ተሰሚዖም።

ሓይልታት ትግራይ ናብቲ ከባቢ ዘምርሑ “ምስ ሰራዊት ምክልኻል ግጭት ከይፈጠሩ” ነዚ ንምስካዕ ይኹን እምበር፤ ብዘይተጸበይዎ መንገዲ ግጭት ከምዝተፈጥረ እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ ቃለ መሕትቶም ኣመልኪቶም። በዚ ምኽንያት ናብቲ ቦታ ዝተላእኩ ሓይልታት ክምለሱ ከምዝኣዘዙ ኣረዲኦም።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ

ምስ ሓይልታት ትግራይ ሰሞኑን ብዛዕባ ዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ናይ ሎሚ ፓርላማ ጻንሒቶም ዘይተዛረቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፤ ጉዳይ ተመዛበልቲ ከባቢ ወልቃይት ግና “ጸገም” ከምዝኾኖም ገሊጾም። እልባት ዘይተረኽበሉ ሕቶ ዋናነት ወልቃይት፣ ፌደራል መንግስቲ ንኣቲ ከባቢ ክገብሮ ዝግብኦ ደገፍ ከምዝተዓናቀፈ ኣቢይ ኣብ ናይ ሎሚ መብርሂኦም ጠቂሶም።

“ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ህዝቢ ወልቃይት ከም ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ዝግብኦ በጀት ክረክብ ክግብኦ፣ ትምህርቲ ክድገፍ ክግብኦ፣ ጥዕና ክድገፍ ክግብኦ፣ ፌደራል መንግስቲ ክሕግዝ ዝግብኦ ነገር ከይሓገዞ ክጸንሕ ዝገበሮ [እዚ] ጉዳይ [እዩ]” ክብሉ ኣቢይ ተዛሪቦም። ነባርቲ ከባቢ ወልቃይት “ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ውን እንተመጹ ንቀበሎም ኢና” ዝበሉ ኣቢይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓቅሚ ብዝፈቀዶ መጠን ናብርኦም ክመቻቸ ሓገዝ ከምዝገብር ወሲኾም።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ከተማ ሑመራ ዑደት ዘካየዱ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኧርቪን ማሲንጋ፣ ቀዳምነት ክወሃብ ዘለዎ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት “ብዝለዓለ ንዝተጠቅዑ” ሰባት “ድሕንነት” ከምዝኾነ ተዛሪቦም ነይሮም። ድሕሪ ዑደቶም ኩሎም ወገናት “ካብ ፖለቲካ ንላዕሊ ንህዝቢ ከቀድሙ” ዝሓተቱ እቶም ኣምባሳደር፣ ኣብ ከባቢ ወልቃይት ዝነብር ህዝቢ “ኣብ ዝተገበየ ግዜ” “ፖለቲካዊ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን” ክግበር ከምዝግብኦ ውን ኣተሓሳሲቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ናይ ሎሚ ፓርላማ መብርሂኦም፣ ምስዚ ተመሳሳሊ ዝኾነ ቅዋም ኣንጸባሪቆም። “ጉዳይ ወልቃይት ኣነ ኣይውስኖን። ተስፋ ይገብር ንስኻትኩም ውን ኣይትውስኑን። ዝውስኖ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ እዩ። ነዚ ፓርቲታት መቻችዊ ነገር ክፈጥሩ ዝጽበዮም ይመስለኒ” ክብሉ ንኣባላት ፓርላማ ተዛሪቦም።

The post ጉዳይ ወልቃይት “ኣነ ኣይውስኖን” – ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ appeared first on Kulu Media.

]]>
https://www.kulu-media.com/ti/ethiopia-pm-abiy-wolkait-dispute-decision-2/feed/ 0 2512
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝገብሮ በረራታት ብሃንደበት ኣቋሪጹ https://www.kulu-media.com/ti/tigray-flights-suspended-ethiopian-airlines-update/ https://www.kulu-media.com/ti/tigray-flights-suspended-ethiopian-airlines-update/#respond Thu, 29 Jan 2026 13:14:35 +0000 https://www.kulu-media.com/?p=2461 ኣዲስ ኣበባ — ትግራይ በረራ ተቛሪፁ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ትግራይ ዝገብሮም ስሩዕ በረራታት ንሎሚ ሓሙስ ብሃንደበት ከምዝሰረዘ ተፈሊጡ። እዚ ዘይተለምደ ስጉምቲ፡ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን መራሕቲ ትግራይን ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን እንደገና ሓድሽ መልክዕ ሒዙ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን ምፍጣሩ፡ ኣብ ተገልገልቲ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ቢቢሲ (BBC) ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታቱ ከምዘረጋገጾ፡ እቲ መንገዲ ኣየር […]

The post መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝገብሮ በረራታት ብሃንደበት ኣቋሪጹ appeared first on Kulu Media.

]]>
ኣዲስ ኣበባ — ትግራይ በረራ ተቛሪፁ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ትግራይ ዝገብሮም ስሩዕ በረራታት ንሎሚ ሓሙስ ብሃንደበት ከምዝሰረዘ ተፈሊጡ። እዚ ዘይተለምደ ስጉምቲ፡ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን መራሕቲ ትግራይን ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን እንደገና ሓድሽ መልክዕ ሒዙ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን ምፍጣሩ፡ ኣብ ተገልገልቲ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ቢቢሲ (BBC) ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታቱ ከምዘረጋገጾ፡ እቲ መንገዲ ኣየር “ብዘይተሓሰበ ኵነታት” (unforeseen circumstances) ዝብል ምኽንያት ብምቕራብ፡ ንሎሚ ሓሙስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ፣ ሑመራ፣ ሽረ-እንዳስላሰን ኣክሱምን ክግበሩ ዝነበሩ 14 በረራታት ምሉእ ብምሉእ ሰሪዙ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መቐለ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት እቲ መንገዲ ኣየርን መዓርፎ ነፈርቲን፡ ናብ ስራሕ ከይኣትዉን ኣብ ገዝኦም ከዕርፉን ትእዛዝ ተመሓላሊፉሎም ኣሎ።

ድሕረ-ባይታ፡ ካብ ኲናት ናብ ስምምዕ ፕሪቶርያ

እዚ ናይ በረራ ምቁራጽ ውሳነ፡ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ንክልተ ዓመታት (2020-2022) ዝቐጸለ ኣዝዩ ደም ኣፍሳሲ ኲናት ናብ ዝሓሸ ናይ ሰላም ኣየር ኣብ ዝተሰጋገረሉ እዋን ዝተሰምዐ እዩ። ኣብቲ እዋን ኲናት፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ዕጽዋ ከምዝነበረትን፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ንነዊሕ እዋን በረራታቱ ኣቋሪጹ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ብጥቅምቲ 2022 (Nov 2022) ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፡ ተቋሪጾም ዝነበሩ መሰረታዊ ግልጋሎታት ባንኪ፣ ቴሌኮምን ትራንስፖርትን ናብ ንቡር ክምለሱ ጀሚሮም ነይሮም። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን እንደገና በረራታቱ ብምጅማር ህዝቢ ርህይዎ ጸኒሑ እዩ።

ፖለቲካዊ ወጥሪን ዘይተፈትሑ ጉዳያትን

ይኹን እምበር፡ ዋላ’ኳ መሳርሒ ኲናት ድምጹ እንተኣጥፍአ፡ ገና ዘይተፈትሑ ፖለቲካዊ ጉዳያት ከምዘለዉ ተንተንቲ ይገልጹ። ብፍላይ ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል (ኣብ መንጎ ጉጅለ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን፡ ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጉጅለ) ንፖለቲካዊ ኩነታት እቲ ክልል ሓድሽ ሕልኽላኻት ፈጢርሉ ይርከብ።

ኣብ ዩቱብ ይመልከቱ

ፌደራል መንግስቲ ምስቲ ሕጋዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ግዝያዊ ምምሕዳር ስራሕቲ ይሰርሕ እኳ እንተሎ፡ ህወሓት እንደገና ሕጋዊ ሰውነቱ ንምርካብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርን፡ እቲ ውሽጣዊ ናይ ፓርቲ ዘይምርድዳእን ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ዝምድና ጽልዋ ከይህልዎ ይስጋእ። ብተወሳኺ፡ ጉዳይ ተመላስቲን ፍትሒን ብዝምልከት እቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝግባእ ይትግበር የለን ዝብሉ ቅሬታታት እውን ካብ ወገን ትግራይ ክፍነዉ ጸኒሖም እዮም።

እዚ ሎሚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ በረራ ምቁራጽ፡ ምስዚ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝተተሓሓዘ ድዩ ወይስ ብቴክኒካዊ ምኽንያት ዝብል ሕቶ መልሲ ዝህበሉ ወግዓዊ መብርሂ ዛጊድ ኣይተወሃበን። ይኹን እምበር፡ ታሪኽ ከምዝምህሮ፡ ኣብ መንጎ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣብ ዝሕይለሉ እዋንን፡ ነቲ ኣብ ፀለምቲ ዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ ዘጋጠመ ኮይኑ ኣብ ኣላማጣ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል ሎሚ ናብ ቆቦ ከምዘንሳሓበ ይግለፅ ኣሎ።

ተዛማዲ፡ ጀነራል ሳሞራ የኑስ፡ “ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ ክመሓደር ኣለዎ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም

ኣብ ጸለምቲ ውግእ ቀጺሉ ከምዝወዓለ ሓይልታት ትግራይ ሰፊሕ ቦታታት ከምዝተቆጻጸሩ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ተደጋጋሚ ከምዝፈጸመን ናይ ስለያ ድሮናት ክሳብ ከባቢ ሽረ ይዝምብያ ከምዝወዓላን ዝተፈለጠ ኾይኑ ሰራዊት ፈደራል ተወሳኺ ሓይሊ ናብ ጸለምቲ ገጽ የንቀሳቕስ ከምዘሎን ብተወሳኺ ናብ ጎንደር ኣጥፊኤን ዝጠፍኣ ኣናእሽቱ ድሮናት የጓዓዕዝ ከምዘሎ እውን ይግለፅ ኣሎ።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ይገብሩ ከምዘለዉን ክሳብ ሕጂ እቲ ግጭት ኣብ ከባቢ ጸለምቲ ጥራይ ተኸሲቱ ከምዘሎን እንተኾነ ግን እቲ ፈደራል መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓሳት ከምዘመልክቶ እቲ ግጭት ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ከስፋሕፍሕ ከምዝኽእል ይግመት ።

The post መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝገብሮ በረራታት ብሃንደበት ኣቋሪጹ appeared first on Kulu Media.

]]>
https://www.kulu-media.com/ti/tigray-flights-suspended-ethiopian-airlines-update/feed/ 0 2461
ጀነራል ሳሞራ የኑስ፡ “ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ ክመሓደር ኣለዎ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም https://www.kulu-media.com/ti/%e1%8c%80%e1%8a%90%e1%88%ab%e1%88%8d-%e1%88%b3%e1%88%9e%e1%88%ab-%e1%8b%a8%e1%8a%91%e1%88%b5%e1%8d%a1-%e1%88%85%e1%8b%9d%e1%89%a2-%e1%89%b5%e1%8c%8d%e1%88%ab%e1%8b%ad-%e1%89%a5%e1%8b%9d%e1%88%98/ Thu, 01 Jan 2026 17:04:34 +0000 https://www.kulu-media.com/?p=1970 ነበር ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀነራል ሳሞራ የኑስ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ‘ጊዚያዊ’ እናተባህለ ዝፅውዕ ምምሕዳር ጠጠው ክብል ከምዘለዎን ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ ሕጋዊ መንግስቲ ክመሓደር ከምዝግባእ ገሊፆም። ጀነራል ሳሞራ የኑስ ኣብ መብርሂኦም፤ ህዝቢ ትግራይ መሰል ምርጫኡ ተረጋጊፁ ብዝመረፆ መራሒ ክመሓደር እምበር፤ “ጊዚያዊ መንግስቲ” እናተባህለ ክቕፅል ከምዘይብሉ ኣስሚሮምሉ። “እዚ ክኸውን […]

The post ጀነራል ሳሞራ የኑስ፡ “ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ ክመሓደር ኣለዎ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም appeared first on Kulu Media.

]]>
ጀነራል ሳሞራ የኑስ ፡ "ጊዚያዊ መንግስቲ ይኣክል፤ ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ ክመሓደር ኣለዎ" ክብሉ ኣተሓሳሲቦም

ነበር ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀነራል ሳሞራ የኑስ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ‘ጊዚያዊ’ እናተባህለ ዝፅውዕ ምምሕዳር ጠጠው ክብል ከምዘለዎን ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ ሕጋዊ መንግስቲ ክመሓደር ከምዝግባእ ገሊፆም።

ጀነራል ሳሞራ የኑስ ኣብ መብርሂኦም፤ ህዝቢ ትግራይ መሰል ምርጫኡ ተረጋጊፁ ብዝመረፆ መራሒ ክመሓደር እምበር፤ “ጊዚያዊ መንግስቲ” እናተባህለ ክቕፅል ከምዘይብሉ ኣስሚሮምሉ። “እዚ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ ህዝቢ መሪፁ፣ ብዝመረፆ ኣመሓዳሪ ክምራሕ ኣለዎ” ኢሎም።

ምርጫን ቅድመ-ኩነትን ብምንፅር ጀነራል ሳሞራ የኑስ

ጀነራል ሳሞራ ምርጫ ሕገ-መንግስታዊ መሰል ህዝቢ ምዃኑ ብምሕባር፤ ገሊኦም ተወዳደርቲ ውድባት “እዚ እንተዘይተገይሩለይ መረፃ የለን” ምባሎም ግና ፀረ-ሕገ መንግስቲ ከምዝኾነን ፍትሓዊ ከምዘይኮነን ተዛሪቦም። ንሶም ወሲኾም እቲ ዘሎ ጊዚያዊ ምምሕዳር ‘ውን እንተኾነ “ይኣክል! ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ ይምራሕ” ክብል ከምዘለዎ ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም። ኩሎም ፖለቲከኛታት ትግራይ ድማ ምርጫ ከም መደራደሪ ካርድ ምጥቃም ደው ከብሉን ነቲ መስርሕ ክድግፍዎን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ፌደራል ውክልና

ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኣብ ፌደራል መንግስቲ ዘለዎ ውክልና ዝተጓደለ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ጀነራል፤ ህዝቢ ብዝገብሮ ምርጫ ኣቢሉ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፣ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ካልኦት ትካላትን ተወከልቲ ክህልውዎ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።

ሰላምን ተሓታትነትን

ህዝቢ ካብ ሰላም ተጠቃማይ ምዃኑ ዝገለፁ ጀነራል ሳሞራ፤ ውሽጣዊ ሰላም ንምርግጋፅ ልዕልነት ሕግን ተሓታትነትን ክሰፍን ከምዝግባእ መኺሮም። “ተሓታትነት እንተሃልዩ ልዕልነት ሕጊ ይረጋገፅ፣ ጉዳይ ተሓታትነት እናጠናኸርና ብዝኸድና ቁፅሪ ድማ ጉዳይ ሰላም እናተጠናኸረ ይኸይድ” ኢሎም።

ደገፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ፅግዕተኛ ሓይልታትን

ኣብ መወዳእታ እቶም ጀነራል፤ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ወፃኢ ዓድን ኮይኖም ንትግራይ ዝድግፉ መሲሎም ብደም ትግራይ ድሌቶም ክፍፅሙ ዝደልዩ “ፅግዕተኛ ሓይልታት” ከምዘለዉ ብምጥቃስ፤ ህዝቢ ይኹን ኣመራርሓ እዚ ክርድኦ ከምዝግባእ ኣጠንቂቆም።

“ኣብ ትግራይ ንዝተፈጠሩ ፀገማት ካሊእ በዓል ዋና ምድላይ ጠጠው ክብል ኣለዎ፤ ንባዕልና ንርአይ፣ ውሽጥና ነፅርይ፤ እዚ እንተገይርና ነገራት ክነዐርይ ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

Follow Us On:

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram

The post ጀነራል ሳሞራ የኑስ፡ “ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ ክመሓደር ኣለዎ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም appeared first on Kulu Media.

]]>
1970
ቃለ-መሕተት ኣይተ ጌታቸው ረዳን ዘለዓዓሎ ፖለቲካዊ ዛዕባን https://www.kulu-media.com/ti/getachew-reda-on-al-jazeera-interview-wit-mehdi-hasan/ Wed, 26 Nov 2025 17:32:42 +0000 https://www.kulu-media.com/?p=1910 ነበር ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣማኻሪ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካን ዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ምስ ዓለምለኸ መራኸቢ ሓፋሽ ኣልጀዚራ (Al Jazeera) ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ዝሃቦም ምላሻት፡ ኣብ ብዙሓት ወገናት መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብዚ እዋን ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ (ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር) ኮይኑ እናሰርሐ፡ ኣብ […]

The post ቃለ-መሕተት ኣይተ ጌታቸው ረዳን ዘለዓዓሎ ፖለቲካዊ ዛዕባን appeared first on Kulu Media.

]]>
Getachew reda and Mehdi hasan
Getachew Reda on Al Jazeera Interview wit Mehdi Hasan

ነበር ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣማኻሪ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካን ዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ምስ ዓለምለኸ መራኸቢ ሓፋሽ ኣልጀዚራ (Al Jazeera) ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ዝሃቦም ምላሻት፡ ኣብ ብዙሓት ወገናት መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብዚ እዋን ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ (ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር) ኮይኑ እናሰርሐ፡ ኣብ ቅሉዕ ዓለምለኻዊ መድረኽ ቀሪቡ ኣብ ትግራይ ገበን ምጽናት ዓሌት (Genocide) ከምዝተፈጸመ ምግላፁ፡ ንትግራይ ዓብዪ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብቲ ቃለ-መሕተት፡ ኣይተ ጌታቸው ኣብ ትግራይ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጽናት ዓሌትን ከምዝተፈጸመ ብግልጺ ድሕሪ ምርጋግጽ፡ እቲ ኲናት ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ይምራሕ ከምዝነበረ እውን ኣይሓብአን። እዚ ማለት ድማ፡ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ዘስዓበ ኲናት ብላዕለዋይነት ዝመርሐ ምንባሩ ብምምልካት፡ ተሓታቲነቱ ዘመላኽት ሓሳብ ሂቡ ኣሎ።

ብዙሓት ሰባት፡ “ዶ/ር ኣቢይ ገበን ምጽናት ዓሌት ፈጺሙ ድዩ?” ንዝብል ሕቶ ቀጥታዊ ምላሽ ይጽበዩ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ኣይተ ጌታቸው ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓላፍነትን ህሉው መዓርግን (ኣማኻሪ ቀ/ሚኒስተር ምዃኑ) ኣብ ግምት ብምእታው፡ “እወ! ኣቢይ ጄኖሳይደር (Genocider) እዩ” ኢሉ ንምምላስ ዘጸግም ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ዝረኸቦ መድረኽ ብምጥቃም፡ ዓለም ለኸ መርመርቲ ገበን ሰብኣዊ መሰላት ናብ ትግራይ ኣትዮም ንከጽንዑን፡ እቲ ዝተፈጸመ ገበን ንማሕበረሰብ ዓለም ወግዓዊ ንክኸውንን ጻውዒት ኣቕሪቡ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ደው ክብልን፡ ተመዛበልቲ ክምለሱን፡ ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ክፍጸምን ዝጠልብ ትሕዝቶ ዘለዎ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ እዩ።

ኣይተ ጌታቸው፡ ኣካል እቲ ፈደራላዊ መንግስትን ኣማኻሪ እቲ መራሒን ኮይኑ እንተበቅዐ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ መድረኽ፡ ኣብ ትግራይ ምጽናት ዓሌት (Genocide) ከምዝተፈጸመን እቲ ኲናት ብዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ይምራሕ ከምዝነበረን ምግላፁ፡ ንህዝቢ ትግራይን ነቲ ግዳይ ዝኾነ ወገንን ከም ሓደ ዓብዪ ምስክርነት ዝውሰድ እዩ። እዚ ስጉምቲ፡ ብውልቁ እውን እንተኾነ ዓብዪ ፖለቲካዊ ሓደጋ (Risk) ዝተሰከመሉ ውሳነ ተገይሩ ይውሰድ።

ገለ ወገናት፡ ተጋሩ ብሰንኪ ዘሎና ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምክፍፋልን ቅርሕንትን፡ ነቲ ኣይተ ጌታቸው ዝሃቦ መልሲ ብዕቱብ ከምዘይንርደኦ ይገልጹ። “ካብዚ ንላዕሊ ኣቢይ ኣሕመድ ገበነኛ ምዃኑ ክምስክር ኣይነበሮን፤ ንሕና ግን ኣብ ንኣሽቱ ቃላት ተንጠልጠልና ንጓተትን ንጨቃጨቕን ኣለና” ዝብል ርእይቶ እውን ይስማዕ እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ ሞያዊ ትንታነ ዝህቡ ወገናት ድማ፡ ንውልቀ-ሰባት (ከም ኣቢይ ኣሕመድ ወይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ) ካብ ምወንጃል፡ ነቶም መንግስታት (ኢትዮጵያን ኤርትራን) ብገበን ምጽናት ዓሌት ምሕታት ከምዝሓይሽ ይምጉቱ። ምኽንያቱ፡ ውልቀ-መራሕቲ ሓላፊ እዮም፤ መንግስቲ ግን ቀጻሊ ትካል ስለዝኾነ፡ እቲ ገበን ብመንግስቲ ደረጃ ምስ ዝረጋገጽ፡ እታ ሃገር ይቕሬታ ክትሓትት፡ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ክወሃቦን፡ ግዳያት ድማ ሕጋዊ ካሕሳ ክረኽቡን የኽእሎም እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ “ህዝቢ ትግራይ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ጄኖሳይድ ተፈጺምዎ እዩ” ኢሉ ክዛረብ እንከሎ፡ ገለ መራሕቲ ህወሓት ዝነበሩን ዘለዉን ግን ተገላቢጦሽ ርእይቶ ክህቡ ከምዝተሰምዑ እቲ ጽሑፍ የዘኻኽር። ንኣብነት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል “ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣይጠፍኣናን፡ ንኣቢይ ኣሕመድ ኣመስግኑለይ” ክብል ከሎ፡ ጄነራል ምግበይ “ዝሞተ ሰብ ቁጽሪ እዩ”፡ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር ድማ “ጄኖሳይድ ተፈጺሙና ኣይትበሉ” ዝብል መርገጺ ምንባሮም ይጥቀስ። ስለዚ፡ እቶም ሽዑ ተቓውሞ ዘየስምዑ ወገናት፡ ሎሚ ንኣይተ ጌታቸው ክነቅፉ ሞራላዊ ብቕዓት የብሎምን ዝብል መጎት ይቐርብ።

ከም ውዕል ፕሪቶሪያ ድማ፡ ኣይተ ጌታቸው ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ክሰርሕ ግዴታ ኣለዎ። ብፍላይ ድማ ከም ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር መጠን፡ ካብ ምውንጃልን ኲናት ካብ ምጽሕታርን ክቁጠብ ትጽቢት ዝግበረሉ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ውዕል ንክትግበር ግን ነቲ ዝተፈጸመ ገበን ካብ ምቅላዕ ዓዲ ኣይውዕልን።

ኤርትራዊ ተንታኒ ፖለቲካ ዮሴፍ ገብረሂወት ብወገኑ፡ ንብልሒ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብምድናቕ፡ “ጌታቸው መትከሉ ኣይቀየረን፤ እቲ እንኮ ካብ መራሕቲ ህወሓት ንኣቢይን መንግስቱን ብገበን ጀኖሳይድ ዝኸስስ ዘሎ ትግራዋይ በዓል ስልጣን ንሱ ጥራሕ እዩ፤ እሞ ድማ ናይቲ መራሒ ‘ኣማኻሪ’ ዝብል ቁልፊ ቦታ ሒዙ እንዳሃለወ” ኢሉ። ጋዜጠኛ ማህዲ ሓሰን “ኣቢይ ጄኖሳይድ ፈጺሙ ዶ?” ኢሉ ንዝሓተቶ ሕቶ፡ ጌታቸው ብብልሒ “ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነብሱ ናይ ምክልኻል መሰሉ ክኽበረሉ ኣለዎ” ምባሉ፡ ብተዘዋዋሪ “እወ ገበን ፈጺሙ እዩ፡ ንፍርዲ ድማ ክቐርብ ይግባእ” ከምዝበለ ዘስምዕ ምዃኑ ዮሴፍ የረድእ።

ብጠቕላላ፡ ብዙሓት ነቲ ቃለ-መሕተት ክርእይዎ እንከለዉ፡ እቶም ፖለቲካዊ ንባብ ዘለዎም ግን ነቲ ኣብ ዙርያ እቲ መልሲ ዘሎ ዓብዪ ዲፕሎማሲያዊ መልእኽቲ እዮም ዘስተውዕሉ። ፕሬዚደንት ነበርን ህሉው ኣማኻሪን ዝኾነ ኣይተ ጌታቸው፡ ኣብዚ እዋን ኮይኑ እታ ኣብ እዋን ኲናት ዝብላ ዝነበረ ሓቂ ደጊሙ ንዓለም ምግላፁ፡ ክብሪ ዝግብኦ ተግባር ምዃኑ ብዙሓት ይሰማምዑ።

The post ቃለ-መሕተት ኣይተ ጌታቸው ረዳን ዘለዓዓሎ ፖለቲካዊ ዛዕባን appeared first on Kulu Media.

]]>
1910
ሕቶታት ኣፍደገ ባሕሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ https://www.kulu-media.com/ti/%e1%88%95%e1%89%b6%e1%89%b3%e1%89%b5-%e1%8a%a3%e1%8d%8d%e1%8b%b0%e1%8c%88-%e1%89%a3%e1%88%95%e1%88%aa-%e1%89%a3%e1%8b%ad%e1%89%b6-%e1%8b%88%e1%8a%a8%e1%88%8d%e1%89%b2-%e1%88%85%e1%8b%9d%e1%89%a2/ Tue, 28 Oct 2025 12:44:08 +0000 https://www.kulu-media.com/?p=1885 ኣብቲ ሎሚ እተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ዝቐረቡሉ ደጋጊሞም ሕቶታት፡ ጉዳያት መገዲ ወደብ ባሕርን ቀይሕ ባሕርን ይርከብዎም። ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ፡ ነቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ሕቶ ንምቕራብ ዕድል ካብ ዝረኸቡ 19 ኣባላት ፓርላማ፡ ብኣርባዕተኦም ተላዒሉ። እቲ ጉዳይ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘሎ ዝምድና ብኸመይ ከም ዝርአ ዝሓተቱ ክልተ ኣባላት እቲ ገዛኢ […]

The post ሕቶታት ኣፍደገ ባሕሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ appeared first on Kulu Media.

]]>
ኣብቲ ሎሚ እተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ዝቐረቡሉ ደጋጊሞም ሕቶታት፡ ጉዳያት መገዲ ወደብ ባሕርን ቀይሕ ባሕርን ይርከብዎም። ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ፡ ነቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ሕቶ ንምቕራብ ዕድል ካብ ዝረኸቡ 19 ኣባላት ፓርላማ፡ ብኣርባዕተኦም ተላዒሉ።

እቲ ጉዳይ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘሎ ዝምድና ብኸመይ ከም ዝርአ ዝሓተቱ ክልተ ኣባላት እቲ ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ተመሳሳሊ መድረኽ ብዛዕባ እታ ሃገር ክዝረብ ከሎ ካብ ዝነበረ ኣዘራርባ ብዝተፈልየ፡ ነቲ ገዛኢ ፓርቲ ኤርትራ “ሻዕብያ” ብዝብል ስያመ ክጽውዕዎ ተሰሚዖም። ሓደ ካብኣቶም ኣባል እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻእን ሰላምን ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ዶ/ር ቶፊቕ ዓብዱላሂ፡ ሻዕብያ “ጸረ ሰላም ሓይሊ” እዩ ኢሎም።

“እቲ ጉጅለ ሻዕብያ፡ ነቲ ፍትሓዊ ሕቶ ኢትዮጵያ ንምዝባዕ፡ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ዝነዝሑን ዘመሓላልፉን ሓይልታት ኣዋፊሩ ኣሎ። ኣብ ሃገርና ግጭታት ንኽጋደድ ብዕቱብ ካብ ምስራሕ ጀሚሩ፡ ዝተፈላለየ ኣፍራሲ ፈተነታት ይገብር ኣሎ” ክብሉ ዶ/ር ቶፊቕ ወቒሶም። እቶም ኣባል ፓርላማ፡ ነቲ “ልኡላውነት ሃገር ዝጥሕስ” ዝበልዎ “እኩይ ተግባር ሻዕብያ”ን “ተግባር ሽበራ”ን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንኽፈልጦ ብወገን መንግስቲ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሓት ብዝምልከት መብርሂ ሓቲቶም።

ኣብ ክልል ምርጫ ዓለም ጤና ወኪል ፓርላማ ፓርቲ ብልጽግና ዝኾኑ ኣቶ ጫላ ለሚ ብወገኖም፡ ነቲ “ካብ ሕግን ስርዓትን ብዝወጸ መገዲ” ይንቀሳቐስ ዝበልዎ ጉጅለ ህወሓት፡ ምስ ሻዕብያ ብምትሕብባር ንጦርነት ይዳሎ ምህላዉ ብምጥቃስ ነቒፎም። “ገለ ሓበሬታታት ከም ዘመልክትዎ፡ እቲ ናይ ኣረጋውያን ጉጅለ ህወሓት፡ ምስ ሓይልታት ሻዕብያ ግንባር ፈጢሮም ንጥፍኣት ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ይሰማዕ። ስለዚ፡ ነቲ ልኡላውነትና ዝዳፈር ምንቅስቓስ ሻዕብያ ንምዕጋት ዝስርሑ ዘለዉ ስራሓት ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዝርከቡ መብርሂ እንተ ዝህቡ” ክብሉ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሕቶ ኣቕሪቦም።

ንተቓዋሚ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ወኪሎም ኣባል ፓርላማ ዝኾኑ ዶ/ር ደሳለኝ ጫኔ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉዳይ ምምላስ ቀይሕ ባሕሪ “ከም ጉዳይ ህልውና” ምቕራቡ ብዝምልከት ርእይቶኦምን ሕቶኦምን ኣቕሪቦም። መንግስቲ ኢትዮጵያ “ዋና ኣቓልቦኡ”ን “ፖለቲካዊ ጉልበቱን”፡ ህጹጻት ውሽጣዊ ቅልውላዋት ካብ ምፍታሕ ይልቅስ፡ ኣብ ጉዳይ ወጻኢ ከም ዘዕርፍ ምግባሩ፡ ” ‘ኣቓልቦ ህዝቢ ንምቕያር እተገብረ ጻዕሪ እዩ’ ዝብል ርእይቶ ክወሃብ ገይሩ እዩ” ኢሎም እቶም ኣባል ፓርላማ።

“ኣብታ ሃገር ካብ ዘሎ ክብደት ውሽጣዊ ጸገማት ኣንጻር፡ መንግስቲ ነዚ ልዑል ፖለቲካዊ ዓቕሚ ንግዳማዊ ሸቶን ዕላማን ካብ ምውዓል ይልቅስ፡ ተመሳሳሊ ጉልበትን ክብደትን፡ ነቶም ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጸገማት ንምፍታሕን ምስ ገዛእ ርእሱ ዜጋታት ዘላቒ ሰላም ንምምጻእን ስለምንታይ ዘይጥቀመሉ?” ክብሉ እውን ዶ/ር ደሳለኝ ሓቲቶም።

“ሃገራዊ ረብሓ ንምኽባር ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ብብሕተይ እቕበሎ እየ” ዝበሉ እቶም ኣባል ፓርላማ፡ “መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ዝመርሓሉ ዘሎ መገዲ ግን፡ ዓሰርተ ደስቲ ተኺሉ ሓንቲ እኳ ከየማሰለ ከም ዘሕርራ ዓይነት እዩ” ክብሉ ነቒፎም።

The post ሕቶታት ኣፍደገ ባሕሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ appeared first on Kulu Media.

]]>
1885
ጀነራል ታደሰ ወረደ መጠንቀቕታ ቀሪብሉ https://www.kulu-media.com/ti/gsts-warned-general-tadese-werede/ Sun, 27 Jul 2025 15:02:14 +0000 https://www.kulu-media.com/?p=1848 ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክቁጠብ መጠንቀቅታ ቀሪብሉ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣመልኪቱ ካብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ኸምዘመላኽቶፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ “ምምሕዳራዊ ምትዕርራይ” ክገብርየ ብዝብል ፉሉይ ሓይሊ ፖሊስ ካብ መቐለ ብምልኣኽ ናይ ኣመሓደርቲ ለውጢ ብሓይሊ […]

The post ጀነራል ታደሰ ወረደ መጠንቀቕታ ቀሪብሉ appeared first on Kulu Media.

]]>
ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክቁጠብ መጠንቀቅታ ቀሪብሉ።


ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣመልኪቱ ካብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ኸምዘመላኽቶ
ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ “ምምሕዳራዊ ምትዕርራይ” ክገብርየ ብዝብል ፉሉይ ሓይሊ ፖሊስ ካብ መቐለ ብምልኣኽ ናይ ኣመሓደርቲ ለውጢ ብሓይሊ ንምፍፃም ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ህዝቢ ዓብይ ቑጠዐ ፈጢሩ እዩ ዝበለ ኮይኑ እቲ ስጉምቲ ብወታድራዊ ሓይሊ ዝተሓገዘ ናይ ህዝቢ ምምሕዳር ናይ ምፍራስ ተግባር ብምዃኑ፣ ዘምፅኦ ውፂኢትን ሓደገኛነትን ብምርዳእን ናይ ህዝቢ ድልየት ብምድጋፍን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ (GSTS)፣ ነቲ ብፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትእዛዝ ዝተወሰደን ዝዉሰድ ዘሎን፣ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ናብ ዝኸፈአ ዕግርግር ዘምርሕ ተግባር ብትረት እናኾነነ ብቕልጡፍ ጠጠዉ ክብል ድማ ብኣንክሮት ይፅዉዕ ኢሉ።

እዚ ብኣፈ-ሙዝ ድሌት ህዝቢ ምዕፋንን ብሓሳብ ዝተፈለየካ ትግራዋይ ምስዳድን ካብ የካቲት 2017 ዓ/ም ጀሚሩ አብ ኻልኦት ኸባብታት ትግራይ ብስፍሓት እናተተግበረ ዝመፀ ስልጣን ናይ ምብሓት ስትራቴጂን ተግባርን፣ ንትግራይ ናብ ዘይዛሪ ዕግርግር ዘእትዋ ተግባር ስለ ዝኾነ GSTS ብገንኡ ጠጠዉ ክብል ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ብዝተወሰኑ ንሓደ ፍንጫል ሕወሓት ዝወገኑ “ኮርን ልዕሊ ኮርን” ብዝብል ብዝፅውዑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ 15 ጥሪ 2017 ዓ/ም ዝወሰንዎ ዉሳነ ክስሕብዎ ህዝቢ ዝገበረሎም ፃዊዒትን ዝሃቦም ምኽርን ንጎድኒ ገዲፎም ናብ ተግባር ብምእታዎም እቱ ዝነበረ ግዚያዊ ምምሕዳር ክፈርስ፣ ኬላታት እናዓፀኻ ህዝቢ ክሽበር፣ ብሓይሊ ጠበንጃ ህዝቢ ካብ መረበቱ ክስደድ፣ ህዝቢ ብዘይመረፆ ክመሓደር፣ ልዕልና ሕግን ስርዓትን ሃደሽደሽ ክብል፣ ሓድነት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ክዳኸምን ምክፍፋል ክፍጠርን፣ ህዝቢ ነንባዕሉ ከይተኣማመንን ጥርጣረ ከሕድርን ኢሉ እዉን ሓድነት ተጋሩ ክሽርሸር ካብ ምግባር ሓሊፉ ግህሰት ሰበኣዊ መሰላት ዘስዐበ ኣብ ከክንዲ ደበስን ሕዉየትን ንህዝቢ ትግራይን ፈተዉቲ ህዝቢ ትግራይን ኣዕርዩ ዘሕዘነ ተግባር ተፈፂሙ እዩ ዝበለ GSTS ብድምር በቲ ናይ “ኮርን ልዕሊ ኮርን” ዉሳነ ብሓይሊ ጠበንጃ ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ተግባር ትግራይ ሕዚ ናብ ዘላቶ ብጣዓሚ ኣፀጋሚ ደረጃ መንቀራቕር ክትበፅሕ ናይ ኣንበሳ ብፅሒት ተፃዊቱ እዩ። እቲ ፍፃመ ዘስዕቦ ከቢድ ሓደጋ ብዕምቆት ብምግምጋም፣ GSTS እቲ “ኮርን ልዕሊ ኮርን” ውሳነ ትግራይ ናብ ዝኸፈአ ኣንፈት ዝወስድ ሓደገኛ ኣካይዳ ብምዃኑ ብገንኡ ጠጠው ክብልን ናብ ትግበራ ከይኸድን ብዕለት 18 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ዘዉፀኦ መግለፂ ብዕሊ ኣውጊዙን ምዒዱን እዩ ኢሉ።

ተዛማዲ ዛዕባ ፡ ውዕሎ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሑመራ

ድሕሪ ብኣፈ-ሙዝ ምፍራስ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብፕሬዝዳንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ሕሉፍ ተማሂሩ ትግራይ ናብ ዝሓሸ መንገዲ ሰላም፣ ሕዉየትን ተስፋን ክወስድ ተስፋ ተዋሂብዎ እኳ እንተነበረ ካብ ናይ መጀመሪያ ኣወዳድብኡ ጀሚሩ ዝተፈለየ ሓሳብን ዓቕምን ዘለዎም ናይ ካቢኔ፣ ዞባ፣ ቢሮታትን ክፍለ ከተማታትን ኣመራርሓ እናተባረሩ እቲ ናይ መንግስቲ መሓዉር ብናይ ሓደ ፍንጫል ጉጅለ ሕወሓት ዓብላላይነት ክዋቕርን ንናይ ሓደ ፖለቲካዊ ዉድብ ዕላማ መፈፀሚ ክኸዉን ብምግባሩ፣ ናይ መንግስቲ መሓዉር እናተዳኸመን መሳርሒ ፖለቲካ እናኾነን ትግራይ ናብ ዝኸፈአ ዓዘቕቲ እናእተዋ መፂኡን ይርከብን ዝበለ እቲ መግለፂ

ድሕሪ ናይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህይወት ዝበልዐ ኲናት፣ ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ሕዉየት፣ ተስፋ፣ ናብ ሰላማዊ ናብራ ምምላስ፣ ፍትሕን ተሓታትነትን ምንጋስ፣ ግዘኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅ፣ ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ ሙውቕ ገዝኦም ምምላስን ምጥያሽን ወዘተ እኳ እንተነበረ ኣብ ከክንድኡ ንናይ ህዝቢ ረብሓ ንጎድኒ ብምግዳፍ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ጉጅለ ፃምእ ስልጣንን ረብሓን ንምርግጋፅን ካብ ተሓታቲነት ንምድሓንን ክበሃል ህዝቢ ትግራይ ከም ጅሆ ተታሒዙ ሕዚ እዉን ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ራዕድን ይርከብ ኢሉ።

ስለ ዝኾነ ድማ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ ሕዝውን ትግራይ ንምድሓን እንትባሃል ስዒቦም ዘለዉ ፃዊዒታት ብግዚያዊ መንግስቲ ጀነራል ታደሰ ወረደ ትግራይ ብቕልጡፍ ክትግበሩ ይፅዉዕ።

  1. ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዞባ ደቡብ ይኹን ኣብ ኻልኦት ኸባቢታት ትግራይ ብኣፈ-ሙዝ ህዝቢ ንምብርኻኽ ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ትግራይ ናብ ዝበኣሰ ዕግርግርን ናይ ሕድሕድ ጎንፅን ዝወስድ ኢሉ እዉን ሓድነት ተጋሩ ናብ ሓደጋ ዘዉድቕ ተግባር ስለ ዝኾነ ብቕልጡፍ ጠጠዉ ከብሎ ንፅዉዕ፣
  2. ድሕሪ ዳግመ ‘ምትዕርራይ ግዚያዊ ምምሕዳር’ ትግራይ ኣብ ተጋሩ ሃዳናይን ተሃዳናይን፣ ኣሰዳድን ተሳዳድን፣ ሰዓራይን ተሳዓራይን ኣይህልውን ዝብል ተስፋ ዝተወሃበሉ ዘረባ ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ቃል ተዓፂፉ፣ ሓድነትን ብሄራዊ ረብሓን ተጋሩ ናብ ሓደጋ እናእተወ ዝርከብ ዘሎ ብሓሳቡ ንዝተፈለየ ትግራዋይ ናይ ምስዳድን ምህዳንን ኣዕናዊ ተግባር ብቕልጡፍ ጠጠዉ ክብል ነተሓሳስብ። እዚ ኣብ ዘይኾነሉ ግዜ ግን ኣብ ትግራይ ብምኽንያት ናይ ሓሳብን ፖለቲካን ኣፈላላያትን ካልኦትን ክሳብ ሕዚ ዝተፈፀሙን ዝፍፀሙ ዘለዉን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ናብ ተሓታቲነት ንምስግጋርን ነዚ ተግባር ዝፍፅሙን ዘፍፅሙን ተጠየቕቲ ንምግባርን GSTS ዕላዊ መስርሕ ከም ዝዝርግሕን ዝሰርሕን ብግልፂ ከተሓሳስብ ይፈቱ፣
  3. “ፅምዶ” ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ፣ ህዝቢ ትግራይ ፈፂሙ ናብ ዘብርስ ኣንፈት ዝወስድ፣ ሕልሞም ብውዕሊ ፕሬቶሪያ ተኾሊፍና ብዝብሉን ዝጣዓሱን ሓይልታት ዝምወል፣ ንትግራይ ናብ ዓብይ ሓደጋ ከዉድቕ ዝኽእል ኢሉ እዉን ትግራይ ናይ ፕሮክሲ/ውክልና ማእኸል ዓውደ ኩናት ክትኸውን በሪ ዝኸፈት ምንቕስቓስ ብቕልጡፍ ጠጠው ክብልን ጊዚያዊ ምምሕዳር ብሕፁፅ ስጉምቲ ክወስድን ንፅውዕ፣
  4. ከም ብሓዱሽ ዝተመዓራርየ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ሕሉፍ ተማሂሩ ዝሓሸ ክሰርሕ ኣብ ህዝብና ዓብይ ተስፋ እኳ እንተነበረ ሕዚ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ግን ካብ ዝሓመቐ ናብ ኣዕርዩ ዝኸፈአ መንገዲ ይኸይድ ስለ ዘሎ፣ ኩሉ መሓዉሩ ናብ ጓጓ ሓደ ፖለቲካ ፍንጫል ጉጅለ ሕወሓት ኣእትዩ ስርዓትን መንግስትን ምድኻም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሓዱሽ ናይ ጭቆና፣ ስእነት ፍትሒ፣ ፋሉልነት፣ ስእነት ሓድነት ወዘተ ባይታ ይከፍት ስለ ዘሎ፣ ኣብ ትግራይ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝባሃግናዮ ሰላምን ምርግጋዕን ምምፃእ ተሳኢንዎ ስለ ዘሎ፣ ዝነበረ ጭላንጭል ነፃነት ናይ ፍትሒ ትካላትን ሚዲያን ናብ ምዕፋን የምርሕ ስለ ዘሎ፣ ኩሎም መሓዉራት መንግስቲ ናይ አእዝዩ ዝሓመቐ ፖለቲካ ትግራይ መሳርሒን ወታድራዊ ምሕደራን ክኾን ኢሉ እዉን ትግራይ ኣብ ዝተናወሐ ዘይምርጋጋዕን ህዉከትን ክትነብር ዘኽእል መንገዲ ይኽተል ስለ ዘሎ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ሪኢዎ ናብ ዘይፈልጥ ናይ ሕድሕድ ጎንፂ በሪ እናኸፈተ ስለ ዝኾነ፣ እቲ ብወረርቲ ተታሒዙ ዘሎ መሬት ትግራይ ኣብ ክንዲ ዘውሕስን ተመዛበልትና ናብ መረበቶም ዝምልስን ናብ ኻልእ ናይ ዕንክሊል ኣጀንዳ የእትወና ስለ ዘሎ- ብህፁፅ ትግራይ መሰረት ዝገበሩ ኹሉም ናይ ፖለቲካ ዉድባትን ሓይልታትን፤ ንኹሎም ኸባቢታት ማሕበረሰብ ትግራይ፣ ብሓይሊ ብረት ንዝተሰደዱ መራሕቲ ነበር ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ብሓይሊ ጠበንጃ ካሊእ ሓይሊ ክፈጥሩ ዝተገደዱ ኣባላት ናይ ፀጥታ ሓይልታትን ሲቪል ማሕበራትን ዘሳትፍን ዘፅልልን ገፊሕ ዳስ ብሄራዊ ኮንፍረስ፣ ገለልተኛን ሓቓፊን ብዝኾነ ኣካል ብቕልጡፍ ክፅዋዕን ናይ ትግራይ መዋፀኦ ብዝርዝር ምይይጥ ተገይሩ እቲ ብሄራዊ ጉባኤ ብዘቕምጦ መፍትሒ ትግራይ ዉሕስና ናብ ዘለዎ ኣንፈት ክተምርሕን ብአፅንኦት ንፅዉዕ ክብል ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ GSTS ኣፍሊጡ።

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram

The post ጀነራል ታደሰ ወረደ መጠንቀቕታ ቀሪብሉ appeared first on Kulu Media.

]]>
1848
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ናብ ሕሞራ https://www.kulu-media.com/ti/%e1%8a%a3%e1%8b%ad%e1%89%b0-%e1%8c%8c%e1%89%b3%e1%89%b8%e1%8b%8d-%e1%88%a8%e1%8b%b3-%e1%8a%93%e1%89%a5-%e1%88%95%e1%88%9e%e1%88%ab/ Sun, 27 Jul 2025 13:15:33 +0000 https://www.kulu-media.com/?p=1845 ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ፣ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ንምምላስ ኣብዚ ክልተ መዓልቲ ሓዱሽ ምንቅስቓስ ክጅመር ምዃኑ ገሊፁ። ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስትር ንጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ትማሊ 19 ሓምለ 2017 ዓ/ም ብ “I Can’t Be Silent About Tigray” ወይድማ “ኣብ ዛዕባ ትግራይ ስኽ ኣይብልን” ብዝብል ዝተዳለወ ናይ ዙም መደብ ከምዝገለፆ” ጀነራል ታደሰ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ንክሕግዞ ብቅንዕና […]

The post ኣይተ ጌታቸው ረዳ ናብ ሕሞራ appeared first on Kulu Media.

]]>
ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ፣ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ንምምላስ ኣብዚ ክልተ መዓልቲ ሓዱሽ ምንቅስቓስ ክጅመር ምዃኑ ገሊፁ።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስትር ንጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ትማሊ 19 ሓምለ 2017 ዓ/ም ብ “I Can’t Be Silent About Tigray” ወይድማ “ኣብ ዛዕባ ትግራይ ስኽ ኣይብልን” ብዝብል ዝተዳለወ ናይ ዙም መደብ ከምዝገለፆ” ጀነራል ታደሰ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ንክሕግዞ ብቅንዕና ተናጊሩኒ እዩ ኣነ ውን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ክሳብ ዝሰራሕኻ ዝከኣለኒ ክሰርሕ እየ ኢለዮ” ክብል ዝገለፀ ኣይተ ጌታቸው ረዳ “በዚ ድማ ክሳብ ናብ ምዕራብ ትግራይ ኬደ እቲ ዝርዝር ውን ታደስ ዝፈልጦ እዩ ብሓቂ ኣብ ሑመራ ምስቶም ዝተራኸብኩዎም ሰባት ናይ ተመዛብልቲ ምምላስ ዘጨንቆም ኣይኮነን ምናልባት ዝተወሰኑ ብገበን ቅትለት ፡ ኣብ ስርቂ ዝተሳተፉ ውልቀ ሰባት ክህልው ይክእሉ እዮም ኣብዛሓ ግን ዓንቃፊ ከምዘይኮነ እየ ተረዲአ” ኢሉ።

ተዛማዲ ዛዕባ ፡ ውዕሎ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሑመራ

ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ወሲኹ “ከይዲ ተመዛበልትና ንክምለሱ ጀነራል ታደሰን ናይ ስቪክ ማሕበራት ሰባትን ኣነን እንፈልጦ ስራሕ ናብ ባይታ ወሪድና ኢና ምናልባት ኣብዚ ውሽጢ 2ተ መዓልቲ ክትርእይወን ኢኹም። ተን ኣብ ምዕራብ ክስራሓ ዝተወሰና ክስረሓ እየን ኣብዚ ዋሏ ታደሰ እንተንሳሒቡ ምስቶም ናይ ስቪክ ማሕበራት ኮይንና ክንሰርሐን ኢና” ክብል ምላሽ ሂቡ።

ብዛዕባ ስም እተን ስቪክ ማሕበራት ግን ኣይገለፀን።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ከተማ ሑመራ ዝገበሮ ምብፃሕ “ህዝቢ ትግራይ ደላይ ሰላም እዩ። ህወሓትን ህዝቢ ትግራይ ኣጃምልካ ምርኣይ ፍፁም ጌጋ እዩ” ዝበለ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሰላም ንምፍጣር ክልተኦም ኣካላት ሓደ ከም ዘይኮኑ ክፍለጥ ኣለዎ። ሕቶ ሰናይ ምምሕዳር ህዝቢ ወልቃይት ግቡእ እዩ። ብሕጋዊ መንገዲ ክርአይ ከም ዘለዎ ድማ ኣገንዚቡ እዩ።

ሕቶ ህዝቢ ወልቃይት ብምርድዳእን ሰለማዊ ብዝኮነ መንገዲ ስርዓቱ ሓልዩ ንክፍታሕ ፌደራል መንግስቲ ሓላፍነት ከምዝወስድን ሕቶ ህዝቢ ሕጊ ተከቲሉ ክፍታሕ ከምዘለዎን ተመዛበልቲ እቲ ከባቢ ናብ መንበሪኡ ዝምለሰሉ መንገዲ ከምዝዘተዩ ምግላፅና ይዝከር።

ነዚ ሰናይ ዝተባህለ ጅማሮ ምምላስ ተመዛበልቲን መደረ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ስዒቡ ኣብ ዝህቡዎ ዘለዉ ሪኢቶታት; ግዝኣት ትግራይ ንምህጋር ዝግበር ምውዕዓል ክሳብ ዘየለ፣ እቲ ነገር ብኸመይ ንፍትሓዮ ኢልካ ንምልዛብ ምድፋር፣ መወዳእትኡ ብዘየገድስ ፅቡቕ ተበግሶ እዩ። ናይ መንነት ሕቶ ኣሎ ኢሉ ከም ዘይኣምን፥ እንተሃልዩ እውን ዳሕራይ ብሕገ መንግስቲ መሰረት ክልዓል ዝኽእል እዩ ኢልካ ብግልፂ ነቲ ተኣካባይ ምግላፁ ምስ መራሕትን ስቪክ ማሕበራትን ተዋዲድካ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ምምላስ ተመዛበልቲ ድሕሪ ምንኣድ

ሕዚ ብዕሊ ኣጀንዳ ኾይኑ እቲ ከይዲ ርክክብ ከመይ ይፈፀም ዝብል ናብ ክርክር ይእቶ ኣሎ ማለት እዩ፣ ድልየት ዝተፈላለዩ ሓይልታትን ነበርትን እንታይ ከም ዝኾነ እውን ብዕሊ ንኽፍለጥ ዕድል ዝህብ እዩ” ኢሎም።

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram

The post ኣይተ ጌታቸው ረዳ ናብ ሕሞራ appeared first on Kulu Media.

]]>
1845
ውዕሎ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሑመራ https://www.kulu-media.com/ti/%e1%8b%8d%e1%8b%95%e1%88%8e-%e1%8c%8c%e1%89%b3%e1%89%b8%e1%8b%8d-%e1%88%a8%e1%8b%b3-%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%88%91%e1%88%98%e1%88%ab/ Mon, 23 Jun 2025 20:44:37 +0000 https://www.kulu-media.com/?p=1815 ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ነበርቲ ወልቃይት ፀገዴን ሰብ ስልጣን ክልል ኣምሓራ ዘትዮም። ሎማ ዕለት 16 ሰነ 2017 ኣ/ግ ፍሉይ ኣማካሪ ጠቅላይ ሚኒስትር ዝኮኑ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣቶ አረጋ ከበደ፣ሓላፊ ብልፅግና እቲ ክልል ኣቶ ይርጋ ሲሳይ፣ኣመሓደርቲ ወልቃይት ፀገዴን ኮይኖም ብክልል ኣምሓራ ዝተሾሙ ኣቶ አሸተ ደምለውን ደመቀ […]

The post ውዕሎ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሑመራ appeared first on Kulu Media.

]]>
ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ነበርቲ ወልቃይት ፀገዴን ሰብ ስልጣን ክልል ኣምሓራ ዘትዮም።

ሎማ ዕለት 16 ሰነ 2017 ኣ/ግ ፍሉይ ኣማካሪ ጠቅላይ ሚኒስትር ዝኮኑ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣቶ አረጋ ከበደ፣ሓላፊ ብልፅግና እቲ ክልል ኣቶ ይርጋ ሲሳይ፣ኣመሓደርቲ ወልቃይት ፀገዴን ኮይኖም ብክልል ኣምሓራ ዝተሾሙ ኣቶ አሸተ ደምለውን ደመቀ ዘውዱን ዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢን ኣብ ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲን ካልኦት ዛዕባታትን ኣመልኪቶም ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ምይይጥ ኣካይዶም።

ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ነበርቲ ወልቃይት ኣብ ዝነበሮ ዘተ ህዝቢ ትግራይ መሪሕነት ህወሓት ከም ሓደ ምርኣይ ፍፁም ጌጋ እዩ ኡሎም።

“ህዝቢ ትግራይ ደላይ ሰላም እዩ። ህወሓትን ህዝቢ ትግራይ ኣጃምልካ ምርኣይ ፍፁም ጌጋ እዩ” ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሰላም ንምፍጣር ክልተኦም ኣካላት ሓደ ከም ዘይኮኑ ክፍለጥ ኣለዎ ድማ ኢሎም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሕቶ ህዝቢ ወልቃይት ግቡእ እዩ ዝበሉ ኮይኖም ብሕጋዊ መንገዲ ክርአይ ከም ዘለዎ ድማ ኣገንዝቦም። ናይ ማንነት ሕቶ ናይ ህዝቢ ምበር ናይ ውልቀሰብ ሕቶ ኣይኾነን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ናይ ህዝቢ ሕቶ ስለዚኾነ ድማ ግድን ክስማዕ ኣለዎ ኢሎም።

እቶም ኣማካሪ ኣብ ሓሳቦም ሕቶ ህዝቢ ወልቃይት ፀገዴ ቅቡል ምኳኑ ብምግንዛብ ክፍትሑ ዝግበኦም ሕቶታት ብምርድዳእን ሰለማዊ ብዝኮነ መንገዲ ስርዓቱ ሓልዩ ንክፍታሕ ፌደራል መንግስቲ ሓላፍነት ከምዝወስድን ሕቶ ህዝቢ ሕጊ ተከቲሉ ክፍታሕ ከምዘለዎን ተፈናቀልቲ እቲ ከባቢ ምስ ሓው ዝራከበሉ መንገዲ ከምዝዘተዩ ተፈሊጡ።

ሰነ 16/2017 ኣ/ግ

Humera Post

The post ውዕሎ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሑመራ appeared first on Kulu Media.

]]>
1815
“ህወሓትን ሻዕብያን ንኲናት ይዳለዉ ኣለዉ” ውድብ ስምረት https://www.kulu-media.com/ti/solidarity-party-said-tplf-and-eplf-are-preparing-for-war/ Sun, 22 Jun 2025 09:37:37 +0000 https://www.kulu-media.com/?p=1808 መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብቦርድ መረፃ ተሰሪዙ ዝበሎ ህወሓት ኩለመዳይ ስጉምቲ ክወስድ ከኣ እቲ ውድብ ሓቲቱ። ውድብ ዴሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ብምኽንያት መበል 37 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእል ታሪኹ ብሄራዊ መንነቱን ክብርታቱን ዓቂቡ ንምኻድ ክብል ምስ ናይ ውሽጥን ናይደገን ሓይልታት መሪር ቃልሲ ብምክያድ ከቡር መስዋእቲ […]

The post “ህወሓትን ሻዕብያን ንኲናት ይዳለዉ ኣለዉ” ውድብ ስምረት appeared first on Kulu Media.

]]>
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብቦርድ መረፃ ተሰሪዙ ዝበሎ ህወሓት ኩለመዳይ ስጉምቲ ክወስድ ከኣ እቲ ውድብ ሓቲቱ።

ውድብ ዴሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ብምኽንያት መበል 37 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ
ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእል ታሪኹ ብሄራዊ መንነቱን ክብርታቱን ዓቂቡ ንምኻድ ክብል ምስ ናይ ውሽጥን ናይደገን ሓይልታት መሪር ቃልሲ ብምክያድ ከቡር መስዋእቲ እናኸፈለ ፀኒሑ እዩ። መዓልቲ ሰማእታት እንትነኽብር ብሓደ ወገን ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ክብርታቱን መንነቱን ንምዕቃብ ዝገበሮ መሪር ተጋድሎ ግቡእ ክብሪ እንህበሉ እንትኾን ብኻሊእ መዳይ ድማ “ንምንታይ ኢና ናብ ከምዚ ዝበለ ተደጋጋሚ ኩናት እናኣተና ክባር ዋጋ ንክንኸፍል እናተገዲድና መፂእና’ ዝብል ሕቶ ብምልዓል መሰረታዊ መልሲ ንምእላሽ ዘይተሓለለ ፃዕሪ እንገብረሉ እዋን ከኾን ይግባእ። እዚ ምዕራፍ ኣብ ታሪኽና ግቡእ መፅናዕቲ ብምክያድ ካብ ዓንኬል ኩናትን ድሕረትን ንምውፃእ ዘኽእለና ግልፂ ራእይ እንሕዘሉ ክኸውን ይግባእ ዝበለ ኮይኑ ናይ ቀረባ ታሪኽና ብምምርማር ርግፀኛ ኮይንካ ምድምዳም ዝክኣል ግን ምንጪ ናይዚ ኩሉ ዕንክሊል ስእነት ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ምዃኑ እዩ። እዚ ከፍተት ዝምላእ ድማ ኩሎም ዓቕምታት ትግራይ ብምእካብን ብምውዳብን ኣብ ብሄራዊ ሓድነትና ተፈጢሩ ዘሎ ሓጓፍ ብምፅባብ ሓላፍነት ወሲድካ ምፍታሕ ከምዘድሊ ውድብ ስምረት ካብ ልቢ ይኣምን። “ኣነ እየ ዝፈልጠልካ” ዝብል ናይ ድሑራት ምዕራፍ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ብምዕፃው ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ጉዳይ ትግራይናይ እማን ይምልከቶ እዩ ዝብል እምነት ሒዝካ ናይ ኩሉ ተሳትፎ ንምሕያል ብሄራዊ ዘተ ምጅማር እውን ኣገዳሲ እዩ። ሰማእታት ትግራይ እውን ነዚ እዮም ከቡር ዋጋ ኸፊሎም ሓሊፎም ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኩናት ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕን በደልን ድሕሪ ምብፃሕ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ጠጠው ክብል ከኢሉ እዩ። መሰረታዊ ትሕዝቶ እቲ ውዕሊ ተፃብኦ ጠጠው ምባል፣ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ካብ መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝኾኑ ዕጡቓት ሓይልታት መሬት ትግራይ ለቒቖም ክወፅኡ፣ ንዓመታት ተዓፅዮም ዝነበሩ መሰረታዊ ግልጋሎታት ክኽፈቱ፣ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንቡር ቦትኡ ምምላስ፣ ናይ ትግራይ ጭቡጥ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ዲዲኣር ምፍፃም፣ ከምኡ ድማ ትግራይ ኣብ ፌዴራል ዝነበራ ውክልና ስርዓት ከሕዝ ምግባር ዝብሉ እዮም ዝበለ እቲ ውድብ
ይኹን እምበር ክሳብ ሎሚ እቶም ዓንዲ ውራያት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብዝግባእ ኣይተተግበሩን። ተመዛበልቲ ወገናትና ከሳብ ሕዚ ብስርዓት ኣይተመለሱን። ዝተፈላለዩ ዓንቀፍቀፋት ከምዘለዉ ኮይኖም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ሓኒቑ ዝሓዘ ሓይሊ ግን እቲ ብሽም ህወሓት እናሸቀጠ ዝመፅአ ብስሩው ዓሌታዊ ጉጅለ እዩ። እዚ ጉጅለ ብሓደ ወገን “ውድብ ከይድሓነት ዝምለስ ተመዛባላይ የለን” ፤ “አመራርሓ ግምት መሬት ሸይጦም እዮም” እናበለን ስሩዕን ዘይሱሩዕ ሽማሽም እናለጠፈ መንግስቲ ፌዴራልን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካብ ወርሒ ጉንበት 2015ዓ.ም ሒዞምዎ ዝነበሩ ተመዛበልቲ ናይ ምምላስ መደብ ሙሉእ ብሙሉእ ክኹለፍ ገይሩ እዩ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ “ግዝያዊ ምምሕዳር ሓላፍነቱ ኣይዋፃእን ዘሎ” ዝብል ክሲ ንምቕራብ ዓሊሙ ተመዛበልቲ እናለዓዓለ “ይኣከል” ዝብል ጭርሖ ጨውዩ ብተደጋጋሚ ናይ ሓርገፅ ንብዓት ከፍስስ ተዓዚብና ኢና ክብል ኣመላኺቱ።

እዚ ጉጅለ ንውድብ ህወሓት ከድሕን ኮነ መፃኢ ዕድል ትግራይ ከውሕስ መበቆላዊ ባህሪኡ ስለዘይፈቕደሉን ብዝፈፀሞ ብስሩው ኣካይዳን ህወሓት ካብ መዝገበ ቃላት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተሓኺኻ ከትጠፍእ ገይሩ እዩ። ውድብ ከድሕን ኮነ ተመዛበልቲ ከምልስ ኣይክእልን፤ ኣይደልን እውን። ኣብዚ ሰሙን ብሽም ተመዛበልቲ ዝገብሮ ዘሎ ገዓርዓር እውን ተመዛበልቲ ክምልስ ድልየትን ተበግሶን ሃልይዎ ዘይኮነስ ብቦርድ መረፃ ተሰሪዙን ካብ ዝኾነ ይኾን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ተኸልኪሉ እናሃለወ ተመዛበልቲ ጅሆ ገይሩ ኣለኹ ንማለት ዝገብሮ ልሙድ ምጭብርባር ምዃኑ ፈታውን ፀላእን ብዝግባእ ክግንዘቦ ይግባእ ዝበለ እቲ ውድብ

ውድብ ስምረት እዚ ዘይሕጋዊ ዝኾነ ድሑር ጉጅለ ብሽም ተመዛበልቲ ዝገብሮ ሸፈጥ ብህፁፅ ጠጠው ክብል ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር እዩ። ብካልእ መዳይ ድማ ክሳዕ ሕዚ ዘይተፈፀሙ ውራያት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝሓሸ ብርኩ ብምፍፃም ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኮይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ክወፅእ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱን ንቡር ህይወቶም ከጅምሩን፣ ኣብ መሬት ትግራይ ዘለዉ ካብ መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝኾኑ ሓይልታት ኩሎም ተፀራሪጎም ከወፅኡ፣ ተጀምሩ ጠጠው ዝበለ መስርሕ ዲዲኣር ተጠናኺሩ ክቕፅል መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ሞራላውን ሕጋውን ግቡኦም ንክዋፅኡ ከይተሓለለ ክሰርሓሉ እዩ ክብል ቃል ኣትዩ፡፡

ሕዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ከግንዘቦ ዝግባእ ቁምነገር እዚ ዘይሕጋዊ ድሑር ጉጅለ ቅድሚ ሕዚ ዝተመዛበሉ ወገናት ክምልስ ዘይኮነስ ምስቲ መሬት ትግራይ ብሓይሊ ወሪሩ ሒዙ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ዘይስሙር ሓዳር መስሪቱ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ኢትዮጵያን ዳግማይ ኩናት ከፊቱ ካልኦት ተወሰኽቲ ተመዛበልቲ ክፈጥር ይሰርሕ አሎ ኽብል ንህወሓት ዝኸሰሰ እቲ ውድብ በቲ ሓደ መዳይ ህዝቢ ትግራይ ዘይፈልጦን ምርድዳእ ዘይገበረሉን፤ ከም ሃገር እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይፈልጦን ዘይቕበሎን ዘይንቡር ርከብ እናገበረ በቲ ካልእ መዳይ ግን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ መሰረት ተመዛበልቲ ይመለሱ ዝብል ሸፈጥ ፖለቲካዊ ከድምና እምበር ካልእ ክበሃል ኣይክኣልን።
ተመዛበልቲ ወገናትና እውን እዚ ካብ ናይ ዓሌቱን ጉጅለኣዊ ረብሓኡን ወፃኢ ጥር ትብል ህዝባዊነት ዘይብሉ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብሽምኩም ይነግድን ፖለቲካዊ ዕጥራን ይፍፅምን ከምዘሎ ተረዲእኹም ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ንባዕሉ ይኣክል ከትብልዎ ይግባእ። እዚ ጉጅለ ብዝፈፀሞ ገበን ተሓታቲ ከምዝኸውን ስለዝርዳእ ብሽም ተመዛበልቲ ምሽቃጥ ደው ኣብል ክብሃል ኣለዎ። ፋሉልነት ደው ኣብል፣ግብርኻ የውፅእኻ ናባና ፅግፅግዕ ኣይትበል ከብሃል ኣለዎ።ይኣክል ክብሃል ዘለዎ ጉጅለ ድሕረትን ገበንን እዪ።ይኣክል ኩናት!ይኣክል ቀልዲ ብደም መንእሰያት ይርዳእኻ ክብሃል ኣለዎ።ገበነኛ ሽፍታ ፣ ድሑርን ሓይሊ ኢኻ ኩበሃል ኣለዎ።ጊዚኡ ድማ ሐዚ እዪ ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ብተመሳሳሊ እዚ ብሕግታት ኢትዮጵያ ተሰሪዙ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝተኸልከለ ዓሌታዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ዝፍፅሞ ዘሎ ዘይንቡር ተግባርን ፋሉልነትን ደው ከብልን ክሳብ ሕዚ ንዝፈፀሞም ገበናት ድማ ተሓታትነት ከረጋግፅን ኹሎም መስርሕ ሕግታት ብዘይ ወዓል ሕደር ክጥቀም ከምዝግባእ በዚ ኣጋጣሚ ከነስምረሉ ይግባእ ዝበለ ውድብ ስምረት

ውድብ ስምረት ሕዚ እውን ክሳብ ሕዚ ዘይተተግበሩ ውራያት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝሓሸ ብርኪ ንከፍፀሙ፣ ሰላምን ምርግጋዕን ትግራይ ናብ ንቡር ንክምለስ፣ ትግራይ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብነፃነት ዝንሸራሸሩላ ኩሉ ትግራዋይ ብማዕርነት ዝነብረላ፣ ብፍላይ መናእሰይ፣ ምሁራትን ደቂ ኣንስትዮን ብስፍሓት ዝሳተፉላ ክንትኾን ብሙሉእ ልቢ ክሰርሕ እዩ። ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ህዝብና እውን ውድብ ስምረት ዝሓዞም ምዕርይትን ምዕብልትን ትግራይ ንምህናፅ ዘኽእሉ ዕማማት ንምዕዋት ኣብ ጎኒ ውድብና ኮይኑ ዝተማልአ ቃልሲ ከምዝገብርዘለና እምነት ልዑል እዩ።

ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ሰማእታት እንትነኽብር ንዝተኸፈለ መሪር መስዋእቲ ግቡእ ክብሪ ሂብናን ዓቂብናን ኩሎም ዓቅምታት ትግራይ ኣኪብና ከም ብሄር ኣፈላላያትና ንጎኒ ገዲፍናን ከፀንሕ ዝግብኦ እውን እናፅናሕናን ኣብ ረብሓ ትግራይ ብሓባር ከንዓስል ይግባእ፡፡ ስቓይ ተመዛበልቲ ወገናትና ንምፍታሕ ድማ መንግስቲ ፌዴራል፣ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፣ሕብረት ኣፍሪካን ኣሜሪካን መላእ ማሕበረሰብ ዓለምን ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዝሓሸ ብርኩ ተግባራዊ ክኸውን ክሰርሑ እናፀወዐ ወድብ ስምረት እውን ፀገማት ትግራይ ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ንምፍታሕ ከምዝቃለስ በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግፅ ይፈቱ ክብል መግለፂኡ ኸንቢቱ።

The post “ህወሓትን ሻዕብያን ንኲናት ይዳለዉ ኣለዉ” ውድብ ስምረት appeared first on Kulu Media.

]]>
1808
ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምርሑ ነበር ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ሓድሽ ውድብ ኣጣይሾም። https://www.kulu-media.com/ti/%e1%89%a5%e1%8a%a3%e1%8b%ad%e1%89%b0-%e1%8c%8c%e1%89%b3%e1%89%b8%e1%8b%8d-%e1%88%a8%e1%8b%b3-%e1%8b%9d%e1%88%9d%e1%88%ad%e1%88%91-%e1%8a%90%e1%89%a0%e1%88%ad-%e1%8a%a3%e1%89%a3%e1%88%8b%e1%89%b5/ Mon, 26 May 2025 14:42:23 +0000 https://www.kulu-media.com/%e1%89%a5%e1%8a%a3%e1%8b%ad%e1%89%b0-%e1%8c%8c%e1%89%b3%e1%89%b8%e1%8b%8d-%e1%88%a8%e1%8b%b3-%e1%8b%9d%e1%88%9d%e1%88%ad%e1%88%91-%e1%8a%90%e1%89%a0%e1%88%ad-%e1%8a%a3%e1%89%a3%e1%88%8b%e1%89%b5/ እቲ ዝተጣየሸ ውድብ “ዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ” (ስምረት) ተባሂሉ ዝፍለጥ ክልላዊ ውድብ እንትኸውን ካብ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ድማ ሎሚ 18 ግንቦት 2017 ዓ.ም ግዚያዊ ናይ ምዝገባ ኣፍልጦ ተዋሂብዎም ኣሎ።

The post ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምርሑ ነበር ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ሓድሽ ውድብ ኣጣይሾም። appeared first on Kulu Media.

]]>
እቲ ዝተጣየሸ ውድብዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ” (ስምረት) ተባሂሉ ዝፍለጥ ክልላዊ ውድብ እንትኸውን ካብ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ድማ ሎሚ 18 ግንቦት 2017 . ግዚያዊ ናይ ምዝገባ ኣፍልጦ ተዋሂብዎም ኣሎ።

ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምርሑ ነበር ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ሓድሽ ውድብ ኣጣይሾም። 

እቲ ዝተጣየሸ ውድብ "ዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ" (ስምረት) ተባሂሉ ዝፍለጥ ክልላዊ ውድብ እንትኸውን ካብ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ድማ ሎሚ 18 ግንቦት 2017 ዓ.ም ግዚያዊ ናይ ምዝገባ ኣፍልጦ ተዋሂብዎም ኣሎ።

The post ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምርሑ ነበር ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ሓድሽ ውድብ ኣጣይሾም። appeared first on Kulu Media.

]]>
1800