Connect with us

News

“ኣብ ልዕለይ ፀቕጥታት ብምብፅሖምምፅራይ ኣቋሪፀ ፈቲሐዮ” ፖሊስ ትግራይ

Kulu Media

Published

on

“ኣብ ልዕለይ ልዕሊ ዓቕሚ ዝኾኑ ጸቕጥታት ብምብፅሖምን  ስዒቡ እውን ካልእ ዘይተደለየ ውጽኢት ከስዕብ ስለ ዝኽእል ከይዲ ምጽራዩ ኣቋሪፀ ፈቲሐ ሰዲደዮ” ክብል ኮሚሽን ፓሊስ ትግራይ ዕላዊ ገይሩ። 

እቲ ኮሚሽን ሕዚ ሚያዝያ 30/2017 ዓ.ም ኣብ ዕላዊ ገፅ ማሕበራዊ ሚድዩኡ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ከምዝበሎ ብጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዝተጠርጠረ ኣንቃሒ ማሕበረሰብ ብርሃነ ገብረገርግ /ሰብ ዝሰኣነ ሰብ / ፅዕንቶን ፀቕጥን በርቲዑዎ ከምዝፈትሖ ገሊፁ።

ኣብ ገፅ እቲ ኮሚሽን ዝሰፈረ ሙሉእ መልእኽቲ ዝስዕብ እዩ።

“ብርሃነ ገብረገርግስ /ሰብ ዝሰኣነ ሰብ/ ብዝብል ንጥፈታት ማሕበራዊ ሚድያ  ዝፍለጥ ውልቀ ሰብ ትማሊ ረቡዕ ሚያዝያ 29/2017 ዓ.ም ድሕሪ ቀትሪ ዝተጠርጠረሉ ገበን ንምጽራይ ብሕጋዊ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ፣ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ  ኣብ ቁጽጽር ከም ዘውዓሎ ይዝከር ። ይኹን ደኣንበር “ንኻልኦት ኣካላት ተመሓላሊፉ ክወሃብ እዩ” ዝብል መሰረት ኣልቦ ዘረባታት ብማሕበራዊ ሚድያን ካልኦት ማዕኸናት ዜናን ክቀባልዎ ጸኒሖም እዮም ። ካብዚ ተበጊሱ ካልኦት ኣካላት ኣብ ልዕሊ ኮሚሽን ፖሊስ  ትግራይ ትካላውን ሞያውን  ነጻነቱ ሓሊዉ ከይዲ ምጽራዩ ከይትግብር ልዕሊ ዓቕሙ ዝኾኑ ጸቕጥታት ብምብፅሖም ስዒቡ እውን ካልእ ዘይተደለየ ውጽኢት ከስዕብ ስለ ዝኽእል ከይዲ ምጽራዩ ኣቋሪጹ ፈቲሑ ሰዲዱዎ ኣሎ።” ክብል ገሊፁ ኣሎ።


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading