News
ኣኼባ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ
ምዕራብ ትግራይ ናብ ሰብ ዋናታቱ ንምምላስ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ጀነራላት ትግራይ ዘተ ከምዘካየደ ተፈሊጡ።
ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ 30 ሰነ 2016 ዓ.ም ተመዛበልቲ እቲ ዞባን ምምሕዳሩን ናብቲ ቅድሚ ኩናት ዝነበሮ ኩነታት ንምምላስ ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ሌተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ምግላፁ ዝዝከር ኮይኑ ድሕሪ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ዝፀንሓ ወረዳታት ፀለምቲ ናብ ሰብዋናታቱ ምምላሱ ስዒቡ ምዕራብ ትግራይ ድማ ካብቲ ደቡብ ትግራይን ፀለምትን ዝተረኽበ ተሞክሮ ብምግባር ብዝተዋደደ ኣገባብ ከምዝምለስ ቃል ተኣትዩ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ሎሚ ዕለተ ሓሙስ ሓምለ 25/2016 ዓ/ም ኣብ እዋናዊ ኩነታትን ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲን ካልኦት ተዛመድቲ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ምስ አመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝዘተዩ ይግለፅ ኣሎ።
እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ምስ መሪሕነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘካየድዎ ዘተ ድሕሪ እቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ወረርቲ ሓይሊታት ፀሓዮም እናዓረበት ኸምዝኾነት ዘመላክቱ ሓበሬታታት ምውፃእ ቀፂሎም ኣብ ዘለውሉ ወቅቲ እዩ ።

ምዕራብ ትግራይ ተስፋ ዘለዎ ምንቅስቃስ ምጅማሩ ኣቀዲምና ዝፀብፀብና እንትንኾን ድሕሪ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምዕራብ ትግራይ ንምምላስ ክንቀሳቐስ ምዃኑ ዕላዊ ምግባሩ ሓይሊ ዕማም ኸምዝተጣየሸ ተፈሊጡ ክንብል ምፅብፃብና ይዝከር ።
እቲ ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይ ዝወፀ ሓበሬታ
“ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይ ዝከታተል ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ ብትኩረት ይስራሕ ኣሎ ። እዚ ሓይሊ ዕማም አብቲ ቦታ ዘለዉ ኣካላት ዘውፅእ ፣ዘይሕጋዊ ዕጡቅ ዘፍርስ ወዘተ ምኳኑ ተሓቢሩ”ዝብል እንትኾን
ወሲኹ ድማ
ኣብዘን 2 ሶሙን ውሽጢ ተፈናቐልቲ ምዕራብ ትግራይ ምምላስ ክጅመር እዩ ዝኾነ ነገር እንተዘይ ተፈጢሩ ትኹረትና ኣብዚ ግበር : ኣብ ኣጀንዳ ቁማርተኛታት ኣይንሸኸል ዝብል መልእኽቲ እውን ሓሊፉ ኣሎ ።
ካብዚ ብተኸሳኺ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተረኸበ ካሊእ ሓበሬታ ኸምዘመላኽቶ ድማ ህዝቢ ወልቃይት ፀገዴ ፅቡቅ ስጉምቲ ጀሚሩ ኣሎ ዝብል እዩ ።
እቲ ሓበሬታ ኣብ ወልቃይት ስኳር ፋብሪካ ማዕፆታትን ካልኦት ንብረታት ማይጋባ ብልፅግና ብጨረታ አምሲሉ ይወሮ ኣሎ፣እቲ ንብረት ንጎንደር ክከድ ጅግና ህዝቢ ወልቃይት ፀገዴ ኣይከድን ኢሉ ኣብ ከተማ ንጉስ ሒዝዎ ፣ንመከላከሊያ አመልኪቱ ናይ ፌደራል እዩ ኢሉ ጠጠው አቢልዎ ኣሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ፀገዴ ናይ ስቪል ሰርቪስ ሰራሕተኛታት ካብ ኣምሓራ ዝመፁ ብዘይ ውድድር ስራሕ ዘይቆፀርኩሞም ተባሂሉም 5 ሰራሕተኛታት ተኣሲሮም ኣለው ኢሉ ኣሎ።።
ብተወሳኪ ድማ
ጀነራል ወርቁ ጉዴታ ዘይገዛኹም ገዛ ዝሓዝኩም ልቀቁ ሰብ ገዛ ክመፁ እዮም ነዚ መምርሒ ዝዕንቅፍ ባዕሉ ሓላፍነት ይወስድ ኢሉ መምርሒ ሂቡ ኣሎ።ሰብ ዘለዎን ዘየብሉን ውን ይፅናዕ ኣሎ ዝብል እቲ ሓበሬታ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ወረርቲ ሓይሊታት ኣምሓራ ቁርፂ ኸምዝተነገሮምን እንተኮነ እዞም ኣብ ተስፋ ምቁራፅ ዝርከቡ ወረርቲ ሓይሊታት ናይ ተመላሊእኻ ምጥፋእ እኩይ ስራሕቲ ይሰርሑ ምህላዎምን እዩ ተገሊፁ ነይሩ ።
ሐዚ ድማ መሪሕነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ኣብ ዛዕባ ምዕራብ ትግራይ ኣመልኪቶም ኸምዝዘተዩ ተፈሊጡ ኣሎ።
ስዓቡና
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.