ፅሑፋት
ንክልተ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት እናዘተየ ዝፀንሐ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣኼብኡ ዛዚሙ።
ትማሊ 18 ለካቲት 2016 ዓ.ም ዝጀመረ ስሩዕ ኣኼባ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብርክት ዝበሉ ኣጀንዳታት ዝርኣየ ኮይኑ ውሳነታት እውን ኣሕሊፉ ኣሎ።
ኣብ ናይ ክልተ መዓልታት ስሩዕ ኣኼብኡ ንውሕ ንዝበለ እዋን እናተሰርሓሉ ዝፀንሐ መስርሕ ካሕሳ መሬት ገጠርን ከተማን ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ዓሚቕ ምይይጥ ተገይርሉ ክፀዲቕ ክኢሉ ኣሎ።
እቲ ደንቢ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ፍትሓውነት ካሕሳ መሬት ዝለዓሉ ዝነበሩ ሕቶታትን ጥርዓናትን ትርጉም ብዘለዎ መንገዲ ከቃልል ከምዝኽእል ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር እምነት ኣሕዲርሉ ኣሎ። ንረብሓ ህዝቢ ተባሂሉ ኣብ ዝልቀቕ መሬት ዘለዉ ሰብ መሰል ካሕሳ ክረኽቡ ምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ ብቀዋሚነት እግሪ ናይ ምትካል ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ከም ሓደ ዓንዲ መበገሲ ተገይሩ ተወሲዱ ኣሎ።
ኢንቨስትመንት ትግራይ ንምትብባዕ ተባሂሉ ዝቐረበ ረቂቕ መምርሒ ምምሕልላፍን ምምሕዳርን መሬት ኢንቨስትመንት እውን ካብቶም ዝርዝር ምይይጥን ክትዓትን ዝተገበረሉ ኣጀንዳ ሓደ እንትኾን ኣድላይ ዝበሃል ምትዕርራይ ተገይርሉ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ተወሲኑ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኮይኑ ኣወዳድባ፣ ስልጣንን ተግባርን ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ንምውሳን ዝቐረበ ረቂቕ ብዝርዝር መርሚሩ ኣፅዲቑ ኣሎ። እዚ ረቂቕ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ እናቐረበን ርእይቶ እናተውሃቦን ኣብ ምልልስ ዝፀንሐ ኮይኑ ሎሚ ብካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ፀዲቑ ናብ ተግባር ንክኣቱ ተወሲኑ እዩ።
ብተወሳኺ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ንክልተ መዓልታት ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ካልኦት ኣጀንዳታት ውሳነታት ብምሕላፍን ኣንፈታት ብምሕባርን ከምኡ ድማ ኣብ ቀፃሊ ኣኼብኡ ዝርእዮም ዋኒናት ብምንፃርን ኣኼብኡ ዛዚሙ ኣሎ።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.