Connect with us

News

ሓዱሽ መግለፂ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ትግራይ

Kulu Media

Published

on

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ሎሚ ዝዘርገሖ መግለፂ ናይ መንግስታዊ መሓውር መግለፂ ዘይኮነስ ናይቲ ድሑር ጉጅለ ቅዳሕ’ዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ኣፍሊጡ።

እዚ መግለፂ’ዚ ሕጋዊ፣ ሞራላውን ፖለቲካውን ቅቡልነት ዘይብሉ ስለዝኾነ ብህፁፅ ክእረም ከምዝግባእን እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ስዒቦም ንዝመፁ ነገራት ሙሉእ ሓላፍነት ዝወስድ እቲ ብሽም ቢሮ መግለፂ ዘውፅአ ላዕለዋይ መሪሕነት ናይቲ ቢሮ ከምዝኾነ ህዝቢ ብግልፂ ክፈልጦ ይግባእ ክብል’ውን ገሊፁ።

ኣብ YouTube ይመልከቱ

ንመግለጺ ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ትግራይ ስዒቡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘዉፅኦ እዋናዊ መግለጺ ብግድኡ ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ባሕቲ መጋቢት 2017ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኣዘዝቲ ግንባራት ሰራዊት ዝጻሓፉዎ እግድ ብዝጻረር መልክዑ ሓላፍነት ዝጎደሎ መግለጺ ኣዉፂኡ ኣሎ ክብል ነቂፉ ኣሎ።

ወታደራዊ ክንፊ ሓደ ጉጅለ ከምዝኾነ ብዕሊ ዘቃልዐ እዩ።

እቲ ቢሮ ንባዕሉ ኣካል ግዝያዊ ምምሕዳር ዘይኮነስ ወታደራዊ ክንፊ ሓደ ጉጅለ ከምዝኾነ ብዕሊ ዘቃልዕን ነቲ ዝተፈጥረ ጸገም ዝያዳ ዘጋድድን ምዃኑ እዉን ኣብ መግለጺኡ ይሕብር።

ብማንም ሓላፊ መንገዲ ወይ ብሓይሊ ወንበረይ ኣየረክብን!

እዋናዊ መግለጺ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምቅጻል ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዝበሎም መረዳእታ ዝተረኸበሎም ኣብ ውራ መሬት፣ ጉሕለት ሓፂነ መፂን፣ ጉሕለት ሓገዝ እኽሊ፣ ስርቂ ማዕድናትን ብርሰት ሃፍቲ ተፈጥሮን፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ዕጥቅን ኮንትሮባንድን ዝተሳተፉ ኣካላት ኣብ ትሕቱ ቁጽጽር ከውዕሉ ብመንግሰቲ ዝተውሃቦም ትእዛዝ ዓጺፎም ኣቐሚጦምዎ እናሃለዉ መሓውር መንግስቲ ምፍራስ ከም ምኽባር ሕጊ ኣምሲልካ ምቕራቡ ናይ መን ወገን ምዃኖም ብግልጺ ዘረድእ ምዃኑ ሓቢሩ ።

ካብዚ ብተወሳኪ ነቲ መግለጺ ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ትግራይ ሓላፍነት ዝጎደሎን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብቐጥታ ዘፍርስን ክብል ዝገለፆ ኮይኑ እዚ ድማ ሕጋዊ፣ ሞራላውን ፖለቲካውን ቅቡልነት ዘይብሉ ስለዝኾነ ብህጹጽ ክእረም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading