Connect with us

News

ውሳነ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ

Kulu Media

Published

on

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ታሕቲ መሰረት ከይህልዎን ብኡ ኣቢልካ እውን ኣብ ከይዲ ንምፍራስ ኣብ ጣብያታት፣ ወረዳታትን ከተማታትን ንዘለዉ ምምሕዳር ኣካላት ዝግበር ዘሎ ማሕተም ምምንጣል ምንቅስቓስ ብህፁፅ ጠጠዉ ክብል ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።

ዝርዝር እቲ መግለፂ ከም ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ሞሽን/ዉሳነቑፅሪ 01/2017 /

ኣብ ትግራይ ዘሎ ወቕታዊ ኹነታት መበገሲ ብምግባር ብጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ትግረራይ ዝተመሓላለፈ ሞሽን/ዉሳነ

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣፅዲቑ

ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ፣ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ሓሳብ ዘለዎም ኣካላት ኣሳታፋይን ሓቛፋይን ብዝኾነ ኣገባብ ብነፃን ግልፅነትን ዝሳተፍሉን ዓበይቲ ኣጀንዳታት ዝዉስንን ከምኡዉን ከከም ኣድላይነቱ ተሓታትነት ዘረጋግፅ ዝለዓለ ተግባርን ሓላፍነትን ዘለዎ ኣካል ኮይኑ ብመሰረት ደንቢ ቑፅሪ 10/2017 ኣ/ግ ተጣይሹ ኣብ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ዝርከብ ትካል እዩ።

በዚ መሰረት ኣብ ዝተመሓየሸ ደንቢ ዉክልናኦም ብግልፂ ዝተቐመጠሎም ዉድባት ፖለቲካ፣ ሲቭል ማ/ሰብ፣ ዝተፈላለዩ ዉዳበታትን ኣካላትን ኣትዮም ሓላፍነቶም ኣብ ምዉፃእ ይርከቡ። ኣብዝተፈላለዩ ኣህጉራት ዓለም ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይዉን ኣብ ቐፃሊ ወከልቶም ሊኢኾም ክሳተፉ ምርድዳእ እናገበርና ኢና። ወከልቲ ሰራዊት ትግራይ ዝምልከት ክሳብ ሐዚ ዝገበርናዮም ፃዕርታት ኣወንታዊ ዉፅኢት ኣየምዕኡን። ይኹንእምበር ሐዚዉን ናብዚ ጊዚያዊ ቤት ምኸሪ ኣትዮም ሓላፍነቶም ክዋዕኡ ክግበር በዚ ኣጋጣሚ ዕድመና ክነቕርበሎም ንፎቱ።

ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ከምዘሎ ኾይኑ ጊዚያዊ ቤት ምኸሪ ትግራይ፣ ህዝብና ናይ ልምዓት ተጠቃሚ ክኸዉን፣ ሃፍትን በጀትን ክልልና ከመሓድር፣ ሰላምን ደሕንነትን ህዝብና ክረጋገፅ፣ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ክትግበር፣ ሉኣላዉነትና ክኸበረ፣ ተመዛበልትና ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ናይ ዳግመ ሕዉየት ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክትግበሩ፣ ብሓፈሻ ጊዚያዊ ምምሕዳር ሓላፍነቱ ክዋፃእ ዝክታተልን ዝቆፃፀርን፣ ከምኡዉን ክፍተታት እትርከቡ ተሓታትነት ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነት ዘለዎ ምዃኑ ክዝንጋዕ ከምዘይግብእ’ዉን እናዘኻኸርና ወቕታዊ ኹነታት ትግራይ መበገሲ ብምግባር ዝስዕብ ሞሽን/ዉሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ዝተመሓላለፈ ሞሽን/ዉሳነ

1.ኣብ ቐረባ እዋን ካብ ኮር ንላዕሊ ዝኾኑ ኣመራርሓ ሰራዊት ጉባኤ ንዘካየደ ሓይሊ ኢና ንድግፍ ብዝብል ዝተዉሃበ መግለፂ፣ ነቲ መትከሉ ህዝባዉነትን ዘይሻራዉነትን ዝኾነ ሰራዊት ትግራይ ዘይዉክልን ዘይገልፅን ከምኡዉን ነቲ ህዝቢ ትግራይ በፂሕዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ንቕሓት ዘይምጥን ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ኣፈላላይ ዝፈጠሩ ኣካላት ናብ ሰላማዊ ድርድር ከይኣትዉ ዝዓፁን ዉግንና ዝፈለየን ስለዝኾነ ፖለቲካ ትግራይ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ክጋደድን ዝተሓላለኸ ክኸዉን ዝገብር እዩ። በዚ ምኸንያት ህዝብና ኣብ ጭንቅን ሻቐሎትን ክኣቱ ዝገበረን ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን ስለዝኾነ ብቕልጡፍ ክእረም፣

2.ኣብ ትግራይ ዘሎ ጊዝያዊ ምምሕዳር/ መንግስቲ ኣብ ታሕቲ መሰረት ከይህልዎን ብኡ ኣቢልካዉን ኣብ ከይዲ ንምፍራስ ምንቅስቓስ እናተገበረ ምዃኑ ዝርአ ዘሎ ሐዘቂ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሰራዊትና ኣብዘይ ስርሑን ተግባሩን ኣሃዱታት ብዉልቀ _ ኣመራርሓ ሰራዊት የትእዘባ ኣብ ጣብያታት፣ ወረዳታትን ከተማታትን ንዘለዉ ምምሕዳር ኣካላት ኣብ ምፍራስን ማሕተም ምምንጣልን ክዉዕል፣ ብዘይምልከቶ ናይ ደገ ሓይሊ ንዝተቐመጡ ዘይሕጋዊ ኣካላት ከረክብን ምስ ህዝቡ ክጓነፅን ይግበር ኣሎ።

በዚ ብዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልዕሌና ዓበይቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ተፈፂሙልና ዝብሉ ዜጋታት መረረት የስምዑ ምሀላዎም ህዝብና ዝፈልጦን ዝከታተሎን ዘሎ ሓቂ እዩ።

እዞም ኣብ ልዕሌና መሰረታዊ ጥሕሰታት ተፈፂሙና ዝብሉ ዜጋታት ዝምልክት ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ መርሚሩ ኣብዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ኢድ ንዘለዎም ኣካላት ክሳብ ተሓታትነት ንምብፃሕ ብቐፃልነት ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ምዃኑ እናገለፅና እዚ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ግን ህዝቢ ትግራይ ስርዓተ መንግስቲ ከይህልዎ ብምግባር፣ ሓድነትና ዝዘርግ፣ ዘይዛሪ ጎንፂ ክፍጠር፣ ክበታተንን ኣደዳ ፀላእቲ ክኸዉንን ዝገብር ፍፁም ሓላፍነት ዝጎደሎ ዘይሕጋዊ ተግባር ስለዝኾነ ብህፁዕ ጠጠዉ ክብል፣

  1. ኣብያተ ምኽሪታትና መግለፂ ሉኣላዉነት ህዝብን ከምኡዉን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ እምነታትን ሓሳባትን ብነፃን ግልፅነትን ዝተኣናገደለን ሕገ-መንግስታዊ ትካላት እየን። ይኹንእምበር ካብ ክልል ንታሕቲ ዘለዋ ገሊአን ኣብያተ ምኽሪ፣ ነቲ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ዝወፀ መግለፂ ክድግፋ፣ ብሕገ-መንግስቲ ካብዝተቐመጠለን ተግባርን ሓላፍነትን ወፂአን ብሓደ ናይ ደገ ዘይምልከቶ ሓይሊ ንዝቕመጡ ዘይሕጋዊ ኣካላት ሽመት ከዕድቓ፣ ዘይምልከተን ብሓደ ዘይምልከቶ ፖለቲካዊ ሓይሊ ተፃሒፉ ዝተወሃበን መግለፅታት እናዉፅኣ ክዉዕላ፣ በዚ ዘይምልከቶ ሓይሊ እናተገደዳ ይርከባ። እዚ ፍፁም ዘይሕጋዊ ዝኾነ ተግባር ብሽም ዉሳነ ኣብያተ ምኽሪ ንምሽፋንን ሕጋዊ ክመስልን፣ በዚ ኣቢልካ ህዝቢ ንምድንጋር ዝግበር ዘሎ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ብህፁፅ ጠጠዉ ክብል፣

ብምጥቕላል ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ኣብ ለካቲት 26/2017 ኣ/ግ ኣብዘካየዶ መበል ኻልኣይ ህፁዕ ጉባኤ እዞም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብህፁዕ ክእረሙን ጠጠዉ ክብሉን እዚ ሞሽ/ዉሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ

ትግራይ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!

ለካቲት 30/2017 ኣ/ግ

መቐለ


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading