News
እዋናዊ መግለፂ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት
11 ሰዓት መሊኡ ከይተፀንቀቐ ነዚ ንጥፍኣት ትግራይን ተጋሩን ዝውጠን ዘሎ ፅምዶ ኲናት ደው ነብሎ ኢሉ ኣብ ከይዲ ምስረታ ሓዱሽ ውድብ ዝርከብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት።
እዋናዊ መግለፂ ኣብ ከይዲ ምስረታ ሓዱሽ ውድብ ዝርከብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኸምዘመላኽቶ
ኣብዚ ሕዚ እዋን ትግራይ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ተረጋጊዕኻ ምሕሳብን ምእማትን የድልያ። ኩሉ ውልቃውን ጉጁላዊ ድሌየታትና ስምዒታትናን ንጎኒ ኣወንዚፍና እኹል ግዜ ሂብና ስለ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን እንትንሓስብ፤ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ዓዲ ዘይብልና ዘትርፈና ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ህዝቢ ዘጥፍአና እውን እዩ ዝበለ ኮይኑ ልክዕ እዩ 2013 ዓ/ም እንተስተደፊእና፣ እንተስ ንኩነታት ኣነኣኢስና ብምግምጋምና ህዝቢ ትግራይ ክስከሞ ዘይግባእ ዘርኣዊ ጥፍኣት ክበፅሖ ኮይኑ እዩ ኢሉ።
ኣስዒቡ ድማ ወላ’ኳ ህዝቢ ከም ህዝቢ ሰሚሩን ሓደ ልቢ ኮይኑን ሳላ ዝተቓለሰ ካብ ሙሉእ ፅንታ ይትረፍ ‘ምበር ድሕሪ ዚ ኹሉ ፅንታ መራሕቲ ህወሓት ኮንና ካልኦት ኣብቲ ፅንኩር እዋን ብሄራዊ ግቡኦም ዝተፃወቱ ልሂቃን ትግራይ፣ ስለ ምንታይ ናብ ከምዚ ዝበለ ኲናት ኣቲና? እንታይ ስለ ዝገበርና ወይ እንታይ ስለዘይገበርና ኢና ከም ህዝቢ ተጨፍጪፍና ዝብል ሰፊሕ ገምጋም ብምክያድ ቀፃሊ መዋፅኦና ኸ እንታይ እዩ ክኾን ኣብ ዝብል ክንፅመድ ነይሩና ብምባል እንተኾነ ግና ኣይገበርናዮን። ብግልፂ ምዝርራብ እንተኽኢልና ኣዝዩ ዝበዝሕ ትግራዋይ ንኹናት ይፅየፍ ። ኲናት ኩለመደያዊ ምድላው ተገይሩሉ ተገዲድኻ ትአትዎ ጥራሕ ክኸውን ዘለዎ እዩ ። ካብዚ ወፃኢ ብተብተበን ዘይተፀንዐን መንገዲ ዝግበር ኲናት ግን ካብ ናይ 2013 ዓ/ም ክኸፍእ እምበር ከሕሽ ኣይኽእልን ብምባል ኣመላኺቱ።
ከም ናትና እምነት ኣብዛ ሕዚ እዋን ትግራይ ምስ ዝኾነ ደጋዊ ይኹን ውሽጣዊ ሓይሊ ትርጉሙን ዕላምኡን ዘይፍለጥ ፅምዶ ፈፂማ ናብ ኲናት ከትኣቱ የብላን ጥራሕ ዘይኮነስ ብኲናት ዝመፅእ ጥፍኣት እምበር ረብሓ የለን ዝበለ እቲ መግለፂ
ግን ድማ ትግራይ ተቖፃፂሩ ዘሎ ጉጅለ ብዘይካ ስልጣኑን ረብሕኡን ካሊእ ዝረኣዮ ዘይብሉ ምርኣይን ምስማዕን ዝተሰኣኖ ሓይሊ ስለ ዝኾነ፤ ንህዝቢ ትግራይደፊኡ ደፋፊኡ ናብ ዘይደልዮ ኲናት ከእትዎ ይፅዕር ኣሎ። እንተኾነ ንናይ ሓደ ገባቲ ጉጅለ ውቃበ ንምዕጋስ ተባሂሉ ትግራዋይክንደይ ግዜ ብሓዊ ክጥጠቕ? ብስሩ ኸ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ከይረጋገፅን ንቐደም ስልጣነይ፣ ንቐደም ውድበይ ትድሓን ዝብል ዝነበረ ጉጅለ ካብ መዓዝ እዩ ንትግራይ ሓሲቡ? ወይስ ከም ውድብ ይስረዝ ከም ዘሎ ፈሊጡስ ተማላሊኡ ከጠፍእ ደልዩ? ብዝኾነ ተጀሚሮም ዘለውም ህዝቡ ትግራይ ዘይፈልጦም ፅምዶታት ምስ ሻዕቢያ ይኹን ምስ ፋኖ ናይ ጥፍኣት ‘ምበር ናይ ሰላምን ልምዓትን ከም ዘይኮኑ ምርዳእ የድልየና። ምስ ኤርትራውያን ይኹን ምስ ኣምሓሩ ዕርቂ ምፍጣር ቅዱስ ሓሳብ እዩ። እዙይ እንትብሃል ግን ሻዕብያን ፋኖን ዝፈፅምዎ ጄኖሳይድ ግን ብስም ዕርቅን ሓዱሽ ፅምዶን ከርሳዕን ከነኣኣስን ኣይግብኦን ክብል ገሊፁ።
ብሽም ዕርቅን ሰላምን ካሊእ ኲናት ምፍሓስ ግን ፍፁም ኣይግባእን። እዚ ክንብል ዝደፋፍአና ገባቲ ገጅለ ድሕረት ምስ ዝተወሰኑ ልዕሊ ኮር ኢና በሃልቲ ብምዃን፣ ናይ ሻዕብያ ጊላ ኮይኖም ትግራይ ዳግም ናብ ኲናትን ፅንተትን ንምእታው ይሰርሑ ምህላዎም ንዝኾነ ሰብ ጋህዲ ዝኾን ዘሎ ሓቂ ስለ ዝኾነ እዩ ኽብል ድሕሪ ምሕባር ስለዝኾነ ተጋሩ ንኹን ፈተውቲ ትግራይ ሕዚ ኣብ ወሳኒ ሰዓት ኣለና፤ 11 ሰዓት መሊኡ ከይተፀንቀቐ ነዚ ንጥፍኣት ትግራይን ተጋሩን ዝውጠን ዘሎ ፅምዶ ኲናት ደው ነብሎ። ምስኮነ ምዝራብ ትርጉም የብሉን። ህዝቢ ትግራይ እውን ነዚ ዝመፀካ ዘሎ ድግስ ኲናት ተረዲእኻ ብውነ ክትምክቶ ንፅውዕ ኢሉ።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.