Connect with us

News

ሓዱሽ መግለፂ ጀነራል ታደሰ ወረደ

Kulu Media

Published

on

ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ናብ ዝኾነ ይኹን ናይ ፀጥታ ሓደጋ ክሰጋገር ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ከምዘይፈቅዱ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

እዚ ዝተገለፀ ምክትል ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ህልው እዋናዊ ኩነታት ፀጥታን ተዛመድቲ ኩነታትን ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ይህብዎ ኣብ ዘለው መብርሂ እዩ።

*ፖለቲካ ትግራይ ዝረኣዩ ፀገማት ብፖለቲካዊ መፍትሒ እምበር ብኻሊእ መንገዲ ንፈትሕ ኢና ንዝብሉ ሓይልታት ኣይንዕገሰን።

*ንሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክበሃል ኣብ ጎኒ መንግስቲ ክኾኑን ደገፍ ክገብሩ እቶም ሌ/ጀነራል ፃዊዒት ኣቅሪቦም።

*ዝግበር መበል 14 ዉድባዊ ጉባኤ ብሰላማዊ መንገዲ ክካየድ ብመዳይ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ምችዉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ።

*ኣብ ዝግበሩ ጉባኤ ሓዊሱ ኮንፈረንስን ዓበይቲ በዓላት ዉሑስ ሰላም ብዝኾነ መንገዲ ክካየድ እኹል ምድላዉ ተገይሩ እዩ።

ሓዱሽ-መግለፂ-ጀነራል-ታደሰ-ወረደ

*ተመዛበልቲ ፀለምትን ራያን ሙሉእ ንሙሉእ ተመሊሶም እዮም።

* ኣብ ራያን ፀለምቲን ዝተራኣዩ ፀገማት ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከይድገም ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ።

*ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ፀጥታ ኩነታት ኣብ ቁፅፅር መንግስቲ እዩ።

ኣብ ሓፂን መፂን ተጀሚሩ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ኣብ ዉራ መሬት ዘይሕጋዊ ዕደና መኣድን እዉን ተጠናኺሩ ክቅፅል እዩ ኢሎም።


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading