News
መግለፂ ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል
ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ንሚድያታት መብርሂ ኣብ ምሃብ ይርከቡ።
- እቲ ዝወፀ ሓዱሽ መማሓየሺ ኣዋጅ ንሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ዘይምልስ ምዃኑ ዘቲናሉ ኢና። ውድብና ኣፍልጦ ክረክብ ኢሉ መኸተ ህዝቢ ትግራይ ኣይሕንሽሽን። እቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ውዕል ፕሪቶርያ እውን ዘፍርስ እዩ።
- ናብ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝፀሓፍናሉ ምኽንያት ምስ ኣካላት ፌደራል ብዝገበርናዮ ምርድዳእ በቲ ትደልይዎ ፀሓፉ ብዝብል ኢና ስለዝተረዳዳእና እዩ።ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ሕጋዊ ሰብነት ውድብና ክምለስ ድማ ሓቲትና።
- ሕቶና ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነትና ይመለስ እዩ። ቦርድ መረፃ እውን ሕቶና ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነትና ይመለስ ዝብል ምንባሩ ጠቒሶም እዮም።

- እቲ ዝሃቡና ምላሽ ሽዑ ንሽዑ እውን ከምዘይንቕበሎ ገሊፅናሎም ኢና። ከም ፈፃሚ ስራሕ ዘቲና ድማ ብዕሊ ንሕቶና ዝምልስ ስለዘይኮነ ከምዘይንቕበሎ ገሊፅና ኣለና።
- ኣፍልጦ ከይንረክብ ካብቲ ንሶም ዝፈጠርዎ ዕንቅፋት ብተወሳኺ ኣብ ውሽጥና እውን ዕንቅፋት ኔሩ እዩ።
- ሕዚ እቲ ከይዲ ናብ ፓለቲካዊ ዘተ እዩ ዘምርሕ። ብኣና መዳይ ብትዕግስቲ ሰሪሕና ኢና።
- ኣድላይነት ጉባኤ ውድብና ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ከምዘድሊ ኢና ንርኢ ዘለና።
ተዛማዲ ዛዕባ፡ “ጥያቄው ሌላ መልሱ ሌላ ሆነዋል”- ህወሓት
ስዓቡና
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.