Connect with us

News

“እግድ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ኣይቅበሎን” – ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ

Kulu Media

Published

on

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ንእግድ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ኸምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ንእግድ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሰራዊት ትግራይ ፀገማት ንምእላይን ንምእራምን ተደጋጋሚ መግለፂታት እንዳሃበ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ናይ ተግባር ስጉምቲ ምውሳድ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ኣብ ልዕሊ 3ተ ናይ ግምባር ኣዘዝቲ ናይ እግድ ደብዳቤ ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ተፃሒፉ ሪኢና ‘ለና ኢሉ።

ብምቕፃል ድማ፦ ይዅን እምበር እዚ ስጉምቲ እዙይ ናይቲ ትካልና ኣሰራርሓ ዘይተኸተለ ፤ ዘይሰቐሎ ዘውርድ ፤ በይናዊ ስጉምቲ ስለ ዝኾነ ተቐባልነት የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ ስልጣንካ ተጠቒምካ ገበንን ገበነኛታትን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ንድሕሪት ዝመልስ ስለ ዝኾነ ብቕልጡፍ ደው ክብል እንዳሓተትና ፣ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ሕግን ሕገ መንግስትን ናይ ምኽባር ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ንህዝብና ነፍልጥ ክብል ገሊፁ ።

ቤት ፅሕፈት ህወሓት ብወገኑ ” እዚ እገዳ ዝኾነ ይኹን መሰረት ዘይብሉን ዘይትግበርን እኳ እንተኾነ እቲ ጉጅለ ክሳብ ክንደየናይ ካብ ሕግን ስርዓትን ወፃኢ ዓቕምታት ህዝባዊ መኸተና ንምብታን ለይትን ቀትርን ይሰርሕ ከምዘሎ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ ተግባር ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሰንሰለት ሰራዊት ብባህሪኡ ንቕፅበት እውን ክቋረፅ ዘይግባእ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ኣብዚ ተኣናፊ ኩነታት መራሕቲ ግንባር ኣጊደ ኣለኹ ምባል፤ ኮነ ተባሂሉ ተቓላዓይነት ክውስኽ ንምግባርን ልኣላውነትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕን ዝተኣለመ ካሊእ ክሕደት እዩ” ክብል ኮኒንዎ ኣሎ።

ቤት ፅሕፈት ህወሓት ንፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ መግለፂኡ ‘ነበር ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር’ ክብል ገሊፅዎ ኣሎ።


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading