News
“ህወሓትን ሻዕብያን ንኲናት ይዳለዉ ኣለዉ” ውድብ ስምረት
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብቦርድ መረፃ ተሰሪዙ ዝበሎ ህወሓት ኩለመዳይ ስጉምቲ ክወስድ ከኣ እቲ ውድብ ሓቲቱ።
ውድብ ዴሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ብምኽንያት መበል 37 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ
ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእል ታሪኹ ብሄራዊ መንነቱን ክብርታቱን ዓቂቡ ንምኻድ ክብል ምስ ናይ ውሽጥን ናይደገን ሓይልታት መሪር ቃልሲ ብምክያድ ከቡር መስዋእቲ እናኸፈለ ፀኒሑ እዩ። መዓልቲ ሰማእታት እንትነኽብር ብሓደ ወገን ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ክብርታቱን መንነቱን ንምዕቃብ ዝገበሮ መሪር ተጋድሎ ግቡእ ክብሪ እንህበሉ እንትኾን ብኻሊእ መዳይ ድማ “ንምንታይ ኢና ናብ ከምዚ ዝበለ ተደጋጋሚ ኩናት እናኣተና ክባር ዋጋ ንክንኸፍል እናተገዲድና መፂእና’ ዝብል ሕቶ ብምልዓል መሰረታዊ መልሲ ንምእላሽ ዘይተሓለለ ፃዕሪ እንገብረሉ እዋን ከኾን ይግባእ። እዚ ምዕራፍ ኣብ ታሪኽና ግቡእ መፅናዕቲ ብምክያድ ካብ ዓንኬል ኩናትን ድሕረትን ንምውፃእ ዘኽእለና ግልፂ ራእይ እንሕዘሉ ክኸውን ይግባእ ዝበለ ኮይኑ ናይ ቀረባ ታሪኽና ብምምርማር ርግፀኛ ኮይንካ ምድምዳም ዝክኣል ግን ምንጪ ናይዚ ኩሉ ዕንክሊል ስእነት ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ምዃኑ እዩ። እዚ ከፍተት ዝምላእ ድማ ኩሎም ዓቕምታት ትግራይ ብምእካብን ብምውዳብን ኣብ ብሄራዊ ሓድነትና ተፈጢሩ ዘሎ ሓጓፍ ብምፅባብ ሓላፍነት ወሲድካ ምፍታሕ ከምዘድሊ ውድብ ስምረት ካብ ልቢ ይኣምን። “ኣነ እየ ዝፈልጠልካ” ዝብል ናይ ድሑራት ምዕራፍ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ብምዕፃው ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ጉዳይ ትግራይናይ እማን ይምልከቶ እዩ ዝብል እምነት ሒዝካ ናይ ኩሉ ተሳትፎ ንምሕያል ብሄራዊ ዘተ ምጅማር እውን ኣገዳሲ እዩ። ሰማእታት ትግራይ እውን ነዚ እዮም ከቡር ዋጋ ኸፊሎም ሓሊፎም ኢሉ።
ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኩናት ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕን በደልን ድሕሪ ምብፃሕ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ጠጠው ክብል ከኢሉ እዩ። መሰረታዊ ትሕዝቶ እቲ ውዕሊ ተፃብኦ ጠጠው ምባል፣ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ካብ መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝኾኑ ዕጡቓት ሓይልታት መሬት ትግራይ ለቒቖም ክወፅኡ፣ ንዓመታት ተዓፅዮም ዝነበሩ መሰረታዊ ግልጋሎታት ክኽፈቱ፣ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንቡር ቦትኡ ምምላስ፣ ናይ ትግራይ ጭቡጥ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ዲዲኣር ምፍፃም፣ ከምኡ ድማ ትግራይ ኣብ ፌዴራል ዝነበራ ውክልና ስርዓት ከሕዝ ምግባር ዝብሉ እዮም ዝበለ እቲ ውድብ
ይኹን እምበር ክሳብ ሎሚ እቶም ዓንዲ ውራያት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብዝግባእ ኣይተተግበሩን። ተመዛበልቲ ወገናትና ከሳብ ሕዚ ብስርዓት ኣይተመለሱን። ዝተፈላለዩ ዓንቀፍቀፋት ከምዘለዉ ኮይኖም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ሓኒቑ ዝሓዘ ሓይሊ ግን እቲ ብሽም ህወሓት እናሸቀጠ ዝመፅአ ብስሩው ዓሌታዊ ጉጅለ እዩ። እዚ ጉጅለ ብሓደ ወገን “ውድብ ከይድሓነት ዝምለስ ተመዛባላይ የለን” ፤ “አመራርሓ ግምት መሬት ሸይጦም እዮም” እናበለን ስሩዕን ዘይሱሩዕ ሽማሽም እናለጠፈ መንግስቲ ፌዴራልን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካብ ወርሒ ጉንበት 2015ዓ.ም ሒዞምዎ ዝነበሩ ተመዛበልቲ ናይ ምምላስ መደብ ሙሉእ ብሙሉእ ክኹለፍ ገይሩ እዩ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ “ግዝያዊ ምምሕዳር ሓላፍነቱ ኣይዋፃእን ዘሎ” ዝብል ክሲ ንምቕራብ ዓሊሙ ተመዛበልቲ እናለዓዓለ “ይኣከል” ዝብል ጭርሖ ጨውዩ ብተደጋጋሚ ናይ ሓርገፅ ንብዓት ከፍስስ ተዓዚብና ኢና ክብል ኣመላኺቱ።


እዚ ጉጅለ ንውድብ ህወሓት ከድሕን ኮነ መፃኢ ዕድል ትግራይ ከውሕስ መበቆላዊ ባህሪኡ ስለዘይፈቕደሉን ብዝፈፀሞ ብስሩው ኣካይዳን ህወሓት ካብ መዝገበ ቃላት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተሓኺኻ ከትጠፍእ ገይሩ እዩ። ውድብ ከድሕን ኮነ ተመዛበልቲ ከምልስ ኣይክእልን፤ ኣይደልን እውን። ኣብዚ ሰሙን ብሽም ተመዛበልቲ ዝገብሮ ዘሎ ገዓርዓር እውን ተመዛበልቲ ክምልስ ድልየትን ተበግሶን ሃልይዎ ዘይኮነስ ብቦርድ መረፃ ተሰሪዙን ካብ ዝኾነ ይኾን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ተኸልኪሉ እናሃለወ ተመዛበልቲ ጅሆ ገይሩ ኣለኹ ንማለት ዝገብሮ ልሙድ ምጭብርባር ምዃኑ ፈታውን ፀላእን ብዝግባእ ክግንዘቦ ይግባእ ዝበለ እቲ ውድብ
ውድብ ስምረት እዚ ዘይሕጋዊ ዝኾነ ድሑር ጉጅለ ብሽም ተመዛበልቲ ዝገብሮ ሸፈጥ ብህፁፅ ጠጠው ክብል ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር እዩ። ብካልእ መዳይ ድማ ክሳዕ ሕዚ ዘይተፈፀሙ ውራያት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝሓሸ ብርኩ ብምፍፃም ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኮይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ክወፅእ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱን ንቡር ህይወቶም ከጅምሩን፣ ኣብ መሬት ትግራይ ዘለዉ ካብ መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝኾኑ ሓይልታት ኩሎም ተፀራሪጎም ከወፅኡ፣ ተጀምሩ ጠጠው ዝበለ መስርሕ ዲዲኣር ተጠናኺሩ ክቕፅል መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ሞራላውን ሕጋውን ግቡኦም ንክዋፅኡ ከይተሓለለ ክሰርሓሉ እዩ ክብል ቃል ኣትዩ፡፡
ሕዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ከግንዘቦ ዝግባእ ቁምነገር እዚ ዘይሕጋዊ ድሑር ጉጅለ ቅድሚ ሕዚ ዝተመዛበሉ ወገናት ክምልስ ዘይኮነስ ምስቲ መሬት ትግራይ ብሓይሊ ወሪሩ ሒዙ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ዘይስሙር ሓዳር መስሪቱ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ኢትዮጵያን ዳግማይ ኩናት ከፊቱ ካልኦት ተወሰኽቲ ተመዛበልቲ ክፈጥር ይሰርሕ አሎ ኽብል ንህወሓት ዝኸሰሰ እቲ ውድብ በቲ ሓደ መዳይ ህዝቢ ትግራይ ዘይፈልጦን ምርድዳእ ዘይገበረሉን፤ ከም ሃገር እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይፈልጦን ዘይቕበሎን ዘይንቡር ርከብ እናገበረ በቲ ካልእ መዳይ ግን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ መሰረት ተመዛበልቲ ይመለሱ ዝብል ሸፈጥ ፖለቲካዊ ከድምና እምበር ካልእ ክበሃል ኣይክኣልን።
ተመዛበልቲ ወገናትና እውን እዚ ካብ ናይ ዓሌቱን ጉጅለኣዊ ረብሓኡን ወፃኢ ጥር ትብል ህዝባዊነት ዘይብሉ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብሽምኩም ይነግድን ፖለቲካዊ ዕጥራን ይፍፅምን ከምዘሎ ተረዲእኹም ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ንባዕሉ ይኣክል ከትብልዎ ይግባእ። እዚ ጉጅለ ብዝፈፀሞ ገበን ተሓታቲ ከምዝኸውን ስለዝርዳእ ብሽም ተመዛበልቲ ምሽቃጥ ደው ኣብል ክብሃል ኣለዎ። ፋሉልነት ደው ኣብል፣ግብርኻ የውፅእኻ ናባና ፅግፅግዕ ኣይትበል ከብሃል ኣለዎ።ይኣክል ክብሃል ዘለዎ ጉጅለ ድሕረትን ገበንን እዪ።ይኣክል ኩናት!ይኣክል ቀልዲ ብደም መንእሰያት ይርዳእኻ ክብሃል ኣለዎ።ገበነኛ ሽፍታ ፣ ድሑርን ሓይሊ ኢኻ ኩበሃል ኣለዎ።ጊዚኡ ድማ ሐዚ እዪ ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ብተመሳሳሊ እዚ ብሕግታት ኢትዮጵያ ተሰሪዙ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝተኸልከለ ዓሌታዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ዝፍፅሞ ዘሎ ዘይንቡር ተግባርን ፋሉልነትን ደው ከብልን ክሳብ ሕዚ ንዝፈፀሞም ገበናት ድማ ተሓታትነት ከረጋግፅን ኹሎም መስርሕ ሕግታት ብዘይ ወዓል ሕደር ክጥቀም ከምዝግባእ በዚ ኣጋጣሚ ከነስምረሉ ይግባእ ዝበለ ውድብ ስምረት
ውድብ ስምረት ሕዚ እውን ክሳብ ሕዚ ዘይተተግበሩ ውራያት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝሓሸ ብርኪ ንከፍፀሙ፣ ሰላምን ምርግጋዕን ትግራይ ናብ ንቡር ንክምለስ፣ ትግራይ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብነፃነት ዝንሸራሸሩላ ኩሉ ትግራዋይ ብማዕርነት ዝነብረላ፣ ብፍላይ መናእሰይ፣ ምሁራትን ደቂ ኣንስትዮን ብስፍሓት ዝሳተፉላ ክንትኾን ብሙሉእ ልቢ ክሰርሕ እዩ። ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ህዝብና እውን ውድብ ስምረት ዝሓዞም ምዕርይትን ምዕብልትን ትግራይ ንምህናፅ ዘኽእሉ ዕማማት ንምዕዋት ኣብ ጎኒ ውድብና ኮይኑ ዝተማልአ ቃልሲ ከምዝገብርዘለና እምነት ልዑል እዩ።
ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ሰማእታት እንትነኽብር ንዝተኸፈለ መሪር መስዋእቲ ግቡእ ክብሪ ሂብናን ዓቂብናን ኩሎም ዓቅምታት ትግራይ ኣኪብና ከም ብሄር ኣፈላላያትና ንጎኒ ገዲፍናን ከፀንሕ ዝግብኦ እውን እናፅናሕናን ኣብ ረብሓ ትግራይ ብሓባር ከንዓስል ይግባእ፡፡ ስቓይ ተመዛበልቲ ወገናትና ንምፍታሕ ድማ መንግስቲ ፌዴራል፣ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፣ሕብረት ኣፍሪካን ኣሜሪካን መላእ ማሕበረሰብ ዓለምን ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዝሓሸ ብርኩ ተግባራዊ ክኸውን ክሰርሑ እናፀወዐ ወድብ ስምረት እውን ፀገማት ትግራይ ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ንምፍታሕ ከምዝቃለስ በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግፅ ይፈቱ ክብል መግለፂኡ ኸንቢቱ።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.