ትግርኛ
ተጋሩ ዝርከብዎም ስደተኛታት ኢትዮጵያ ክምለሱ
ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ኣብ ሑሱም ህይወት ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ዝርከብዎም ኣስታት 70 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምግዓዝ መስርሕ ከምዝሳለጥ ተገሊፁ።
ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ዝርከብዎም ኣስታት 70 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ብዘይሕጋዊ ስደት ኣብ ስዑዲ ዓረብያ ኣብ ኣፀጋሚ ቤት ማእሰርቲ ተዓጒሮም ክሳቐዩ ንዝፀንሑ ኩሎም ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምግዓዝ መስርሕ ንምስላጥ ዘኽእል ቅድመ ምድላው ከምዝተወገነ ተፈሊጡ’ሎ።

ንዚ ንምትግባር ዘኽእል ትማሊ ካብ ኢትዮጵያ ዝተልኣኸ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ሰብ መዚ ስዑዲዓረብያ ክልትኣዊ ዘተ ድሕሪ ምክያድ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሑሱም ህይወት ንዘሕልፉ ዘለው ንምግዓዝ ዘኽእል ከምዝተሰማምዑን ክታሞም ከምዘንበሩ ማዕከን ዜና ኣልዓረብያ ፀብፂቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣማስዩ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣብ መዓልቲ 4 በረራታት ኣብ ሰሙን ድማ 12 በረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዞም ኣብ ስደት ቤትማእሰርቲ ንዝርከቡ ከመላልሳ ከምዝመደበን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ተግባራዊ መስርሕ ምግዓዝ ከምዝእቶን ኣፍሊጡ’ሎ።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.