Connect with us

ትግርኛ

ተጋሩ ዝርከብዎም ስደተኛታት ኢትዮጵያ ክምለሱ

Kulu Media

Published

on

ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ኣብ ሑሱም ህይወት ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ዝርከብዎም ኣስታት 70 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምግዓዝ መስርሕ ከምዝሳለጥ ተገሊፁ።

ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ዝርከብዎም ኣስታት 70 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ብዘይሕጋዊ ስደት ኣብ ስዑዲ ዓረብያ ኣብ ኣፀጋሚ ቤት ማእሰርቲ ተዓጒሮም ክሳቐዩ ንዝፀንሑ ኩሎም ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምግዓዝ መስርሕ ንምስላጥ ዘኽእል ቅድመ ምድላው ከምዝተወገነ ተፈሊጡ’ሎ።

ንዚ ንምትግባር ዘኽእል ትማሊ ካብ ኢትዮጵያ ዝተልኣኸ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ሰብ መዚ ስዑዲዓረብያ ክልትኣዊ ዘተ ድሕሪ ምክያድ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሑሱም ህይወት ንዘሕልፉ ዘለው ንምግዓዝ ዘኽእል ከምዝተሰማምዑን ክታሞም ከምዘንበሩ ማዕከን ዜና ኣልዓረብያ ፀብፂቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣማስዩ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣብ መዓልቲ 4 በረራታት ኣብ ሰሙን ድማ 12 በረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዞም ኣብ ስደት ቤትማእሰርቲ ንዝርከቡ ከመላልሳ ከምዝመደበን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ተግባራዊ መስርሕ ምግዓዝ ከምዝእቶን ኣፍሊጡ’ሎ።


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading