Connect with us

News

ሰብ ፍሉይ ረብሓ ንመንበር መናእሰይ ን ዊልቸር ኣይንቃለስን!

Kulu Media

Published

on

ህዝባዊተቓውሞወረዳደጉዓተምቤንንከተማሃገረሰላምን

ነበርቲ ወረዳ ደጉዓ ተምቤንን ከተማ ሃገረ ሰላምንን ከባቢኣን ንብሽም ላዕለዋይ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ዝተወሰነ ውሳነ ህዝባዊነት ተቃውሞ ገይሮም።

ነበርቲ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ከተማ ሃገረ ሰላምን ከባቢኣን
ኣብ ዝሓለፈ ብሽም መሪሕነት ሓይልታት ፀጥታ ዝተወሰነ ውሳነ ንምቅዋም ሎሚ 27 ጥሪ 2017 ዓ.ም ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብምሓዝ ተቃውምኦም የስምዑ ኣለው።


እቶም ነበርቲ ብሽም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተወሰነ ውሳነ ጉጅለኣዊ ውሳነ ብምዃኑ ቕቡልነት የብሉን ፣ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዘብዒ ህዝቢ እምበር ከለላ ዝኾነ ጉጅለ ኣይኮኑን ፣ ይኣክል ንኵናት፣እምቢ ንመስዋእቲ ፣ሰብ ፍሉይ ረብሓ ንመንበር መናእሰይ ን ዊልቸር ኣይንቃለስን፣ ውዕሊ ፕሪቶርያ ይተግበር ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ይመለስ፣ ደው ዝብል ቃልስን ለውጥን የለን ፣መንእሰይ ንሰላምን ልምዓትን እምበር ንኵናት ኣይስለፍን ፣ መንግስትነት ንምትካል ግደ መናእሰይ ዕዙዝ እዩ፣ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ስሩዕ መንግስትነት ከሳግረና ዝኽእል ብሕታዊ ሕጋዊ ትካል ስለ ዝኾነ ምስ ጉድለታቱ ንቕበሎ፣ ምስ ደመኛታት ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ፋኖን ሻዕብያን ዝግበር ፅንተታዊ ርክብ ኣይንቕበሎን፣ ፕሪቶርያ ክትግበር እምበር ክፈርስ ኣይንደልን ዝብሉን ኻልኦት ጭርሖታት ብምሓዝ ሎሚ 27 ጥሪ 2017 ዓ.ም ናይ ተቃውሞ ድምፆም የስምዑ ኣለው።


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading