Connect with us

ትግርኛ

ወ/ሮ ልያ ካሳ ንብረት መንግስቲ ከረክባ ተኣዚዘን።

Kulu Media

Published

on

ነበር ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡብ ምብራቅ ትግራይ ወ/ሮ ልያ ካሳ መሓውር ከይእዝዛን ክሳዕ ዕለት 01/07/16 ዓ/ም ንብረት መንግስቲ ከረክባን ተኣዚዘን ኣለዋ።

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ን4 ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ካብ መንግስታዊ ሓላፍነቶም ኸምዝተኣለዩ ይፍለጥ ።

እቶም ብ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ስልጣን ዝተኣለዩ ኣርባዕተ ላዕለዎት መራሕቲ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ህወሓትን ዋና ኣባል ፖሊትቢሮን ብመዓርግ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ኣማኻሪ ጉዳያት ህዝቢ ምልዕዓል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣይተ ኣለም ገ/ዋህድ – ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ዋና ኣመሓዳሪት ደቡብ ምብራቕን ወ/ሮ ሊያ ካሳ- ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብን ኣይተ ተኽላይ ገ/መድህን – ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ዋና ሓላፊ ካቢነ ሰክረታርያት ግዝያዊ ምምሕዳርን ኣይተ ኣማኒኤል ኣሰፋ ምዃኖም ካብቲ በቲ እዋን ዝወፀ መሰናበቲ ደብዳቤ ምርዳእ ተኻኢሉ ነይሩ ።

ብመሰረት እቲ ብፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተፅሓፈን ቁፅሪን፣ ማሕተምን ዝተገበረሉን ደብዳበ፣ እቶም ኣርባዕተ ላዕለዎት መራሕቲ ካብ ዕለት 14ን 15ን ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ መንግስታዊ ሓላፍነቶም ከም ዝተልዓሉ ብዕሊ ኣብ ዝፀሓፍሎም ደብዳቤ ተሓቢሩ ነይሩ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ቁጽሪ ካብ ስልጣን ዝኣለይዎም ላዕለዎት ኣመራር 10 ከምዝበጽሐ ኣመልኪትና ምፅብፃብና ድማ ኣይርሳዕን ።

ብፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዞባታትን ወረዳታትን እግሩ ክተክል ከም ዘይከኣለን፡ ገለ ወረዳታት’ውን ንርእሰን ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ገይረን ከይቖፅራ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ይግበር ከም ዝነበረን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣፍሊጡ ነይሩ ።ዝዀነ ይዅን ምምሕዳር ዞባን ወረዳን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይመርሐንን ምባል ከብቅዕ ከም ዘለዎ” ‘ውን ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ “ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ” ኣብ ከተማ መቐለ ኣኼባ ንምክያድ ብለይቲ ኣኼባ ፀዊዖም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ሓለፍቲ ዞባታት ስጉምቲ ብምውሳድ፡ እቲ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ምግላፁ ይዝከር።

እንተኾነ ግና እቶም በቲ እዋን ካብ መዝነቶም ዝተኣለዩ ሰብ መዚ ነበር ዛጊድ ንብረት መንግስቲ ኣብ ኢዶም ከምዝነበረን ናብ ታሕቲ እናወረዱ መሓውር ይውድቡ ምንባሮምን እዩ እቲ ሎሚ ዝወፀ ደብዳበ ዘመላኽት ።
ስለዝኾነ ድማ ነበር ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡብ ምብራቅ ትግራይ ወይዘሮ ልያ ካሳ መሓውር ከይእዝዛን ክሳዕ ዕለት 01/07/16 ዓ/ም ንብረት መንግስቲ ከረክባን ተኣዚዘን ኣለዋ።ብተመሳሳሊ አይተ ወልደ ኣብርሃ ገብረፃዲቅ እውን ተመሳሳሊ ደብዳበ ተፃሒፉሎም ኣሎ።
ኣብ ትግራይኣስታት 600 መዛግብቲ ብሓፂን መፂንን ሰብኣዊ ሓገዝ ስርቆት ዝተጠርጠሩ ናብ ዝምልከቶ ከምዝተመርሑ ይዝከር እንተኾነ ግና ኣዋርሕ ሓሊፎም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝተነፀረ ነገር የለን ።


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading