Connect with us

News

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ጣልያን

Kulu Media

Published

on

ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንጸትን ትግራይ ደገፍ ክገብር ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሓቲቶም።

ኣብ ዓመታዊ ዋዕላ “ጉኣመ ዶክተርስ ዊዝ ኣፍሪካ ” ንምስታፍ ናብ ሊንጎቶ ቱሪን ጣልያን ዘምርሑ እቶም ፕረዚደንት፤ ጣልያን ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንጸትን ትግራይ ርኡይ ግደ ይፍጽማ ካብ ዘለዎ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ገሊጾም።

ጣልያን ትገብሮ ዘላ ሓገዝ ጠሚቱ ካብ ጋዜጣ ኣቬኔር ንዝቐረበሎም ሕቶ እንትምልሱ፣ ጣልያን ኣብ ዳግመ ህንጸት ሆስፒታልን ቀረብ ኣፋውስን ዑዙዝ ስራሕ ትሰርሕ ከምዘላ ብምግላጽ፤ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንጸትን ትግራይ ደገፍ ክገብር ከምኡ’ውን ፍትሕን ተሓታትነት ክረጋግጽ ክሰርሕ ሓቲቶም።

ፕሪቶርያ ድምጺ ጥይት ደው ከምዘበለ ዝገለጹ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፤ይኹንእምበር ጻዕራም ህዝብና ጽዒሩ ከይነብር ሐዚ’ውን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ መረበቶም ከምዘይተመለሱ፣ህዝቢ ትግራይ በቲ ኲናት ጽንታ ዝሃነጾም ትካላቱ ስለዝዓነው ጸገም ጥዕና፣ትምህርትን ጸጥታን ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።

በቲ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ሕርሻን ቁጠን ትግራይ ክዓኑ ከምዝተገበረ ዝሓበሩ እቶም ፕረዚደንት፤ እዚ ኩነታት ንኣብዘሓ ህዝቢ ተጸባይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝገበሮ ኣረዲኦም።

ሆስፒታላት፣ኣብያተ ትምህርቲ፣ህዝባዊ ግልጋሎት ዝህቡ ትካላትን ኮነ ተባሂሉ ክዓንው ከምዝተገበረን እዚ ‘ውን ነቲ ናይ ዳግመ ሕውየትን ህንጸትን ስራሕ ከቢድ ከምዝገብሮ ኣገንዚቦም።

ጥዕና ዝሰኣኑ ወገናት፣ኣዴታትን ህጻናትን ብሕጽረት ኣፋውስ ህይወቶም ይሓልፍ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፤ቁጥዐ ሕብረተሰብ እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ኣመላኺቶም።

ምስ መንግስቲ ፌደራል ብሓባር ንሰርሕ ኣለና ብምባል ፣ ትግራይ ምስ ኩሎም ኣብቲ ኲናት ጽንታ ኢድ ዝነበሮም ኣካላት ዘላቒ ሰላም ንምስፋን ይስራሕ ከምዘሎን ኣብ መንጎ ህዝብታት ርክብ ክህሉ ምስራሕ ከምዝግባእን ገሊጾም።

ስራዊት ኤርትራ ሐዚ’ውን መሬት ትግራይ ይቆጻጸር ከምዘሎ ዝገለጹ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፤መንግስቲ ፌደራል እዚ ደው ናይ ምባል ሓላፍነቱ ክፍጽም ከምዝግባእ ኣመላኺቶም።

ትግራይ ምስ ኤርትራ ሰላም ክትፈጥር ከምትደሊ ዘመላኸቱ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፤ኣብ ጎኒ ሓይሊ ምክልካል ኢትዮጵያን ካልኦትን ኮይኖም ንዝተፈጸሙ ግፍዕታት ግን ብዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ ትካል ተጻርዩ ገበነኛታት ክሕተቱን ተበደልቲ ፍትሒ ክረኽቡን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading