Connect with us

News

ሓዱሽ መግለፂ ፕ/ ጌታቸው ረዳ

Kulu Media

Published

on

ዝሓለፉ ዕስራ ማዕልታት ኣብ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ፓለቲካዊ ሕምስምስ እቲ ስልጣን ወይ ሞት ኢሉ ዝተበገሰ ጉጅለ ድሕረት ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝፍሓሶ ውዲት ናብ መወዳእታ ምዕራፉ ዝበፅሐሉ: ስርዓት ክሕልው ትፅቢት ዝግበረሎም ገለ ገለ ዝሓሸ ታሪኽ ዝነበሮም ሰብ ዝና’ውን ከይተረፉ ኣብ ጭቃ ኣትዮም ክማራስሑ ዝገበረ ምዕባለ’ዩ ተፈጢሩ::

ድሕሪ ወፍሪ ምእራይ ማህተም ናይ መንግስቲ ኣብያተ ዕዮ ብሓይሊ ዝተቖፃፀረ ሓይሊ ምስ መጋበርያታቱ ክሳብ ሕዚ ዝገበረን ክልተ ነገራት’የን:: ክልተ ጥራይ::

ቀዳማይ ኣብተን ተቖፃፂረየን ዝበለን ዓበይቲ ከተማታት ዘሎ መሬት ንደገፍተይ ዝብሎም ምዕዳል: ንፍልፍል ኣታዊኡ ዝውዕል መሸጣ ግፍሕ ዝበለ ወፍሪ ምግባር:: ቀንዲ ትኹረት ኣብ መቐለ/ሓድነት: ሽረ/ታሕታይ ቆራሮ: ኣክሱም/ላዕላይ ማይጨውን ዓዲግራትን ከባብኡን ጌይሩ ኣብካልኦት ከባብታት ትግራይ- ብዘይካ ምዕራብ ትግራይ- ክቕፅል’ዩ::

ዝርካባ መሬት ክሽይጥን ክማቐልን’ምበር ዝጠፍአ ከምልስ ድሌት ይኹን ተበግሶ ዘይብሉ ሓይሊ ስለዝኾነ ብዝዓባ ምምላስ ተፈናቕልቲን ሉኣላዊ ግዝኣት መሬትን ካብ ጭርሖ ሓሊፉ ንፃት’ውን ከልዕል ኣይተሰምዐን:: መንእሰይ ትግራይ መሬትካ ካብ ሸፋቱ ሓሉ:: ብኣረይቲ ማህተም ዝተወሰኑ ውሳነታት ሕጋውነት ስለዘይብሎም ኣብ ምውራር መሬት ክትሳተፉ ትዕደሙ ዘለኹም ሰብ ሃፍቲ’ውን ገንዘብኩም ኣብ ማዓልኡ ምውዓሉ ኣረጋግፁ::

ካልኣይ ትኹረት እዚ ጉጅለ ድሕረት ስልጣን ይግብኣኒ’ዩ ሞ ኣፅድቑለይ እናብለ ኣዲስ ኣበባ እናተማላለሰ ደገ ምፅናዕ’ዩ:: ደለይቲ ሰላም ኢና: ውዕሊ ፕሪቶርያ ክንፍፅምኢና ጥራሕ ወንብርና ንርከብ እናበለ ኣብ ምህውታት ይርከብ:: ፕረዝደንት ምስያም ስልጣኑ ከምዘይኮነ’ውን እናተቐበለ ግን ድማ ንእገለ’የ ብፕረዝደንትነት ሓርየ እናበለ: ሕርያታተይ ዝብሎም’ውን በቢ ሳልስቱ እናቐየረ ዕድሉ ይፍትን’ሎ:: ሕዝ’ውን እንተኾነ ብዛዓባ ተፈናቐልቲ: ብዛዓባ ምዕራብ ትግራይ ስሕት ኢሉ’ውን ዘልዐለሉ ኣጋጣሚ የለን:: ኣይ’ጀንድኡን:: ምዕራብ ትግራይ እንትብሃል መሬት ሰሊጥ’ምበር ዝተፈናቐለ ህዝቢ: ኣብ ሕሰም ዝነብር ህዝቢ ኣይርኣዮን::

እዚ ጉጅለን ሓሻኽሩን ብሕልሞምስ ብውኒኦምስ ዘይለቁወን ክልተ ኣጀንዳታት እንተልየን መሬትን ስልጣንን ጥራይ እየን:: ንመላእ ህዝብና ሰላሙ: ንተፈናቕልትና ተስፍኦም: ንመንእሰይ ትግራይ ድማ ሕልሙን ፅባሑን ኣሕዲጎም እታ ክፋትሕዋ ዘይክኣሉ ኣመሎም ክዕንግሉ ናብ ካልእ ዙር ታሕሚስ ከእትውና ህር ዲግ ይብሉ’ለው:: ዓገብ ንበሎም::

ዓወት ናይ ህዝብና’ያ!


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading