News
ሓዱሽ መግለፂ ፕ/ ጌታቸው ረዳ
ዝሓለፉ ዕስራ ማዕልታት ኣብ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ፓለቲካዊ ሕምስምስ እቲ ስልጣን ወይ ሞት ኢሉ ዝተበገሰ ጉጅለ ድሕረት ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝፍሓሶ ውዲት ናብ መወዳእታ ምዕራፉ ዝበፅሐሉ: ስርዓት ክሕልው ትፅቢት ዝግበረሎም ገለ ገለ ዝሓሸ ታሪኽ ዝነበሮም ሰብ ዝና’ውን ከይተረፉ ኣብ ጭቃ ኣትዮም ክማራስሑ ዝገበረ ምዕባለ’ዩ ተፈጢሩ::
ድሕሪ ወፍሪ ምእራይ ማህተም ናይ መንግስቲ ኣብያተ ዕዮ ብሓይሊ ዝተቖፃፀረ ሓይሊ ምስ መጋበርያታቱ ክሳብ ሕዚ ዝገበረን ክልተ ነገራት’የን:: ክልተ ጥራይ::
ቀዳማይ ኣብተን ተቖፃፂረየን ዝበለን ዓበይቲ ከተማታት ዘሎ መሬት ንደገፍተይ ዝብሎም ምዕዳል: ንፍልፍል ኣታዊኡ ዝውዕል መሸጣ ግፍሕ ዝበለ ወፍሪ ምግባር:: ቀንዲ ትኹረት ኣብ መቐለ/ሓድነት: ሽረ/ታሕታይ ቆራሮ: ኣክሱም/ላዕላይ ማይጨውን ዓዲግራትን ከባብኡን ጌይሩ ኣብካልኦት ከባብታት ትግራይ- ብዘይካ ምዕራብ ትግራይ- ክቕፅል’ዩ::
ዝርካባ መሬት ክሽይጥን ክማቐልን’ምበር ዝጠፍአ ከምልስ ድሌት ይኹን ተበግሶ ዘይብሉ ሓይሊ ስለዝኾነ ብዝዓባ ምምላስ ተፈናቕልቲን ሉኣላዊ ግዝኣት መሬትን ካብ ጭርሖ ሓሊፉ ንፃት’ውን ከልዕል ኣይተሰምዐን:: መንእሰይ ትግራይ መሬትካ ካብ ሸፋቱ ሓሉ:: ብኣረይቲ ማህተም ዝተወሰኑ ውሳነታት ሕጋውነት ስለዘይብሎም ኣብ ምውራር መሬት ክትሳተፉ ትዕደሙ ዘለኹም ሰብ ሃፍቲ’ውን ገንዘብኩም ኣብ ማዓልኡ ምውዓሉ ኣረጋግፁ::
ካልኣይ ትኹረት እዚ ጉጅለ ድሕረት ስልጣን ይግብኣኒ’ዩ ሞ ኣፅድቑለይ እናብለ ኣዲስ ኣበባ እናተማላለሰ ደገ ምፅናዕ’ዩ:: ደለይቲ ሰላም ኢና: ውዕሊ ፕሪቶርያ ክንፍፅምኢና ጥራሕ ወንብርና ንርከብ እናበለ ኣብ ምህውታት ይርከብ:: ፕረዝደንት ምስያም ስልጣኑ ከምዘይኮነ’ውን እናተቐበለ ግን ድማ ንእገለ’የ ብፕረዝደንትነት ሓርየ እናበለ: ሕርያታተይ ዝብሎም’ውን በቢ ሳልስቱ እናቐየረ ዕድሉ ይፍትን’ሎ:: ሕዝ’ውን እንተኾነ ብዛዓባ ተፈናቐልቲ: ብዛዓባ ምዕራብ ትግራይ ስሕት ኢሉ’ውን ዘልዐለሉ ኣጋጣሚ የለን:: ኣይ’ጀንድኡን:: ምዕራብ ትግራይ እንትብሃል መሬት ሰሊጥ’ምበር ዝተፈናቐለ ህዝቢ: ኣብ ሕሰም ዝነብር ህዝቢ ኣይርኣዮን::
እዚ ጉጅለን ሓሻኽሩን ብሕልሞምስ ብውኒኦምስ ዘይለቁወን ክልተ ኣጀንዳታት እንተልየን መሬትን ስልጣንን ጥራይ እየን:: ንመላእ ህዝብና ሰላሙ: ንተፈናቕልትና ተስፍኦም: ንመንእሰይ ትግራይ ድማ ሕልሙን ፅባሑን ኣሕዲጎም እታ ክፋትሕዋ ዘይክኣሉ ኣመሎም ክዕንግሉ ናብ ካልእ ዙር ታሕሚስ ከእትውና ህር ዲግ ይብሉ’ለው:: ዓገብ ንበሎም::
ዓወት ናይ ህዝብና’ያ!
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.