ትግርኛ
ፕሬዘዳንት ጌታቸው ረዳ ንጉዳይ ኣለማጣ ዝምልከት መብርሂ ሂቡ።
እቲ ፕሬዘዳንት መፍትሒ ኸሉ ነገር ሰላም እዩ ክብል ኣስሚርሉ።
ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሒሳቡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ደቡብ ትግራይን ካልኦት ብሓይሊ ተታሒዘን ዘለዋ ክፋላት ትግራይን ዝረአ ዘሎ ፍጻመ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን፣ ወይ ኣብ መንጎ ህወሓትን ኢሉ ድማ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝተፈጠረ ጎንፂ ኣይኮነን ክብል ኣመላኺቱ።
ፕረዚዳንት ጌታቸው ኣብ ፅሕፉ እቲ ፍጻመ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንምትግባር ዝገብርዎ ዘለዉ ኣወንታዊ ዝምድና ክዘርጉ ዝደልዩ ነቲ ስምምዕ ዝጻረሩ ሓይልታት ዝፈጠርዎ ምዃኑ ኣመላኺቱ።
. መራሕቲ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ
. ትግራይ ንክልል ኣምሓራ ኣጠንቂቓ
ካብ ርሑቕን ቀረባን ኣንጻር ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ዝኾኑ ሓይልታት ኩናት ይሰብኩ ከምዘለዉ ዝጠቀሰ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ እንተኾነ ግን እቲ እንኮ መዋፅኢ ዝኾነ መንገዲ ሰላም ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ክልቲኦም ኣካላት ማለት እውን ኣመራርሓ ትግራይን ፌደራልን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ፀገማት ንምፍታሕን ዝሰማምዕሉ ጉዳያት ንምምዕባልን ኣብዚ እዋን ይዝትዩ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።
”ውዕሊ ፕሪቶሪያ ግዝያዊ መማረፂ ዘይኮነስ ስትራተጂክ ሕርያና እዩ”- ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ

ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ፀጥታን ሰላምን ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ እዋናዊ ኲነታት ኣድሂቦም ንመራኸብቲ ማዕኸን መግለፂ ይህቡ ኣሎው።
ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ መግለፂኦም ብሓይሊ ኣብ ዝተወረሩ ከባቢታት ምዕራብ ፣ ፀለምትን ደቡብ ትግራይን ተጣይሾም ዝነበሩ ምሕደራታት ወረርቲ ሓይሊታት ክፈርሱ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ እዩ ኢሎም።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.