Connect with us

ትግርኛ

ፕሬዘዳንት ጌታቸው ረዳ ንጉዳይ ኣለማጣ ዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

Kulu Media

Published

on

እቲ ፕሬዘዳንት መፍትሒ ኸሉ ነገር ሰላም እዩ ክብል ኣስሚርሉ።

ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሒሳቡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ደቡብ ትግራይን ካልኦት ብሓይሊ ተታሒዘን ዘለዋ ክፋላት ትግራይን ዝረአ ዘሎ ፍጻመ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን፣ ወይ ኣብ መንጎ ህወሓትን ኢሉ ድማ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝተፈጠረ ጎንፂ ኣይኮነን ክብል ኣመላኺቱ።

ሰበር ዜና – መግለፂ ፕ/ ጌታቸው ኣብ ጉዳይ ኣላማጣ | ውግእ ደቡብ ትግራይ | መራሕቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ| Kulu Media – ኩሉ ሚድያ

ፕረዚዳንት ጌታቸው ኣብ ፅሕፉ እቲ ፍጻመ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንምትግባር ዝገብርዎ ዘለዉ ኣወንታዊ ዝምድና ክዘርጉ ዝደልዩ ነቲ ስምምዕ ዝጻረሩ ሓይልታት ዝፈጠርዎ ምዃኑ ኣመላኺቱ።

. መራሕቲ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

. ትግራይ ንክልል ኣምሓራ ኣጠንቂቓ

ካብ ርሑቕን ቀረባን ኣንጻር ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ዝኾኑ ሓይልታት ኩናት ይሰብኩ ከምዘለዉ ዝጠቀሰ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ እንተኾነ ግን እቲ እንኮ መዋፅኢ ዝኾነ መንገዲ ሰላም ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ክልቲኦም ኣካላት ማለት እውን ኣመራርሓ ትግራይን ፌደራልን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ፀገማት ንምፍታሕን ዝሰማምዕሉ ጉዳያት ንምምዕባልን ኣብዚ እዋን ይዝትዩ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።

”ውዕሊ ፕሪቶሪያ ግዝያዊ መማረፂ ዘይኮነስ ስትራተጂክ ሕርያና እዩ”- ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ

ሓዱሽ መግለፂ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ እዋናዊ ኩነታት

ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ፀጥታን ሰላምን ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ እዋናዊ ኲነታት ኣድሂቦም ንመራኸብቲ ማዕኸን መግለፂ ይህቡ ኣሎው።

ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ መግለፂኦም ብሓይሊ ኣብ ዝተወረሩ ከባቢታት ምዕራብ ፣ ፀለምትን ደቡብ ትግራይን ተጣይሾም ዝነበሩ ምሕደራታት ወረርቲ ሓይሊታት ክፈርሱ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ እዩ ኢሎም።


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading