Connect with us

Consulting

ቅድመ ምድላው ሪፈረንደም ይካየድ ኣሎ ተባሂሉ።

Kulu Media

Published

on

ተመዛበልቲ ብዘይ ናይ ትግራይ ጸጥታ መሓውር ናብ መረበቶም ክምለሱ ብምግባር ሪፈረንደም ከካይዱ ቅድመ ምድላዋት ይግበር ኣሎ ተባሂሉ።

እቶም  ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ዝርከብሉ ወረዳታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ተመዛበልቲ ናብቶም ናይ መኸላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ደምቢ ኽዳን ዝለበሱ  ሰራዊት ኣብዘለውሉ ተመዛበልቲ ናብቲ ኸባቢ ክምለሱ ንምግባር ዝዓለመ ስራሕቲ ይውገን ከምዘሎ እቲ ብወገን ክልቲኡ ክልል ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝምራሕ ኮሚቴ ስርሑ ከምዝጀመረ ዘፍለጠ ኾይኑ ገለ ነዚ ተግባር ዝተዓዘቡ ወገናት ድማ ስግኣቶም ክገልፁ ይረኣዩ ኣለው። 

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ክፍለ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብሓዱሽ ክቕየርን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ናይ መከላከያ ኣመራርሓን ኣባላትን ካብ ሓደ ብሄር ዝተዋፃፅኡ  ከም ምዃኖም መጠን ምስ ወረርቲ ሓይልታት ብገንዘብን ዕርክነትን ስጡም ርክብ ዘለዎም ስለዝኾኑ ተመዛበልቲ ክምለሱ ከለው መጥቓዕቲ ክፍፀሞም ስለዝኽእልን በዚ ምኽንያት ኣብኡ ዘሎ መከላከያ ድሕንነትን ሓለዋትን ተፈናቐልቲ ክሕልው ስለዘይኽእል ከምብሓዱሽ እቲ ሰራዊት ክዋቐርን ኣብቲ ከባቢ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዝተተኸለ ምሕደራ ክፈርስ ተሎ እቶም ንክመዛበሉን ክፀንቱን ዝገበርዎም ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ብሕጊ ክጥየቁ ምግባር ፣

እቶም ወረርቲ ሓይልታት ሙሉእ ንሙሉእ ዕጥቆም ምፍታሖምን ካብቲ ከባቢ ምውጻኦምን ብሓይልታት ትግራይን ፌደራልን  ክረጋገጽ ከምዘለዎ እዩ ዝምበር ዘሎ። ምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ተመዲቦም ዝነበሩ ብዙሓት ሲቪል ዝተኸደኑ ብረቶም ዘሓብኡ  ኣባላት ወረርቲ ሓይልታት ኣብቲ ብሓይሊ ዘሓዝዎ  ከባቢ ሕዚ’ውን ሲቪል ተኺዲኖም ከም ድሌየቶም  ይንቐሳቐሱ ስለዘለው ብልዑል ጥንቃቀ ክረአን እቲ ዝጣየሽ ኮሚቴ እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል አምሓራ ዝመጹ ሰፈርቲ ወይ ድማ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝሰፈሩ ሓደሽቲ ወረርቲ ካብቲ ከባቢ ብቁልጡፍ ክወጹ ብምግባር ናብ ዓዶም ክምለሱ ክገብርን ሰፈርቲ ንብረት ተመዛበልቲ ኣብሪሶምን ወሪሶም ስለዝርከቡ ምስቲ ዝምለስ ወዲ ዓዲ ጎንጺ ከይፍጠር ናብ ከባቢኦም ክምለሱ ምግባር ኣገዳሲ እዩ ኢሎም ኣለው።

ዝተመዛበሉ ዳያኑ፣ ፈፀምቲ ስራሕ ናብ ቦታኦም ክምልሱ ፣ ካብ ሕጊ ወጻኢ  ዝተመደቡ ከእለዩ፣ ቀዲሙ ዝነበረ ቋንቋ ስራሕ ናብ ቦታኡ ምምላስ፣ስራሕ ክጅምር ምግባር ግድን ክብል ምዃኑ ሓቢሮም ኣለው


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Continue Reading

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading