News
ሓደሽቲ ምዕባለታት ኣኼባ መቐለ

ውድብ ህወሓት ሐዚ ሃገራዊ፣ ዞባዊን ዓለማውን ኩነታት ዝርዳእ፣ ዝትንትንን ኢሉ እውን መፍትሒታት ዘቐምጥን ስትራተጂካዊ መሪሕነት ስኢኑ ኣብ ዕንይንይ ኣትዩ ኣሎ” ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ
ውድብ ህወሓት ንምድሓንን ኩነታት ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስን ድማ እዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ዘተ ወሳኒ ምዃኑ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓቢሮም። .
ኣብ ዝሓለፋ 50 ዓመታት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ዓብይ ታሪኽ ዝሰርሐ ውድብ ህወሓት ሐዚ ሃገራዊ፣ ዞባዊን ዓለማውን ኩነታት ዝርዳእ፣ ዝትንትንን መፍትሒታት ዘቐምጥን ስትራተጂካዊ መሪሕነት ስኢኑ እዩ።
ላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ውድብ ፀገማቱ ገምጊሙ መፍትሒታት ምቕማጥ ዘይደፍር፣ ክስርሖ ዝግባእ ስራሕ ብዘይምስርሑ ህዝቢን ሰራዊትን ትግራይ ዘመዝገቡዎ ዓወታት ናብ ሙሉእ ረብሓ ከይልወጥ ዕንቅፋት ኮይኑ እዩ ኢሎም።
ፀገማት ገምጊምካ መፍትሒ ኣብ ክንዲ ምቕማጥ ብስምዒትን ድሌት ውሑዳትን ውሳነታት እናተወሰነ ህዝብን ዉድብን ናብ ተወሳኺ ሓደጋ ክኣቱ ዝሰርሕ ጉጅለ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው እዚ ጉጅለ ይኣክል ክበሃል ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።
ዝተፈለየ ሓሳብ ንዘቕርቡ ኣባላት እቲ ውድብ ሽማሽም ኣብ ምውፅእ ዝተፀመደን ብፍላይ ኣባላት ኮሚሽን ቁፅፅር ውድብ ህወሓት ጥንክር ዝበለ ሕቶታት ስለዘቕረቡ በቲ ፀቢብ ጉጅለ ካሊእ ሽም ይወሃቦም ኣሎ ኢሎም ኣይተ ጌታቸው።
ላዕለዋይ መሪሕነት ስትራጂካሊ ምምራሕ ካብ ዝሰእን ፀኒሑ እዪ።እቲ ሐዚ ዘሎ መሪሕነት ኦፕረሽናል ይኩን ታክቲካል ክመረሕ አይኽእልን።ዝተፈለየ ሓሳብ ዘየተአናግድ እዪ።
ሐዚ ዝተጀመረ ጉባኤ ብ4 ሰብ ዝተካየደ ወይ ስልጣን ንምፅናዕ ዝካየድ ዘሎ ንውዕሊ ሰላም ሐደጋ ዘምፅእ ታሪኽ ህወሓት ዝዘርግብኣውርኡ ድማ ህዝብና ጥር ትብል ረብሓ ዘይብሉ የግዳስ በኔትወርክ ዝተፀኸዐ፤ ነቲ ብፅንዓት ቃልሲ ህዝብናን ሰራዊትናን ዝረከብናዮ ሰላም ፕሪቶርያ ዝጎድእ ንፁራትን ንቅድሚት ዝወሰዱን ፓሊስታትን ስትራተጅታትን ንምሕንፃፅ ዘየኽእል እዪ።
ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝምልከት ብ4ሰባት ዝተወሰደ እዪ እቲ ፊርማ ጉባኤ ንምክያድ 29ሰነ ተባሂሉ ነይሩ ኣነ ካብ ናይ ፈደራል ኣኸላት ሰሚዐዮ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ብሕወሓት እዩ ሕጋዊ ፓለቲካው ድርድር ገይረና ነባር ሕጋዊነት ውድብና ክንምልስ ኢና። ወዘተ ሐዚ ሓሳባት ይወሃብ አሎ ቀፃሊ እዩ ክብል ጋዜጠኛ ደስዬ ኣሸናፊ ገሊፁ።
ስዓቡና
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.