Connect with us

News

ሓዱሽ መግለፂ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ

Kulu Media

Published

on

ከምዝፈለጥ ብናይ ውድብና ህንፃ መሰረት መበል 14 ዓመት ጉባኤና ክሳለጥ ዝነበሮ ኣብ 2013 ዓ/ም እዩ። ብወድዓዊን ባዕላዊን ምኽንያታት ክካየድ ኣይከኣለን። ስለዚ ጉባኤ ክካየድ ዘይደሊ ዝኾነ ይኹን ኣካል ክህሉ ኣይኽእል።

እንተኾነ ኣብ ታሪኽ ውድብና ህወሓት፣ ጉባኤታትና ገድሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ንፁር ስትራቴጂን ታክቲክን ተመስሪቱ፣ መላእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ኣዕሲሉ ሽትኡ ክወቅዕ ቁልፊ ተራ ተፃዊቶም እዮም።

A Statement by Getachew Reda

ብምዃኑ ጉባኤታት ውድብና ህወሓት፣ ንህልው ወድዓዊ ኩነታት ሳይንሳዊ ብዝኾነ ኣገባብ ብምግምጋምን ብምትንታንን፣ እቲ ቃልሲ ሽትኡ ክወቅዕ ዘኽእሉ፣ ወታደራዊ ጥበብ፣ ሳይንስን መስመርን ክነእንፍት ቁልፊ ተራ ዝፃወቱን ሓዱሽ ናይ ጉዕዞ ምዕራፍ ዝኸፈቱልናን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ሽትኡ ክወቅዕ ዕድል ዝሃቡናን እዮም ነይሮም፡፡

ስለዝኾ ጉባኤታትና ፣ ኣብዚ እዋን ትግራይን ህዝባን ኣንፀላሊዎም ካብዘሎ ዙርያ መለሽ ብድሆ ንምውፃእ ዘኽእል ኣንፈት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብምንፃር፣ ትግራይን ህዝባን ከሻግሩ ዝልእሉ ሓሳባትን ኣንፈታትን ክንሕንፅፀሉን ብቐፃልነት እናዓሞቐን እናማዕበለን ዝቕዕል ስትራቴጂ ክንውንን ዘኽእለና ክኸውን እዩ ዝግባእ።

እንተኾነ እዚ ብተብተብን ሓበራዊ ምርድዳእ ብዘይተገበረሉን፣ ብምድንጋርን መትከል ኣልባን ኣተኣኻኺብናዮ ኣለና ብዝበልዎ ኔትወርክ ይቃውሙና እዮም ንዝበሃሉ ውሱናት መሪሕነት ንምእላይን ጥራሕ፣ ንህዝቢ ትግራይን ትግራይን ናብ ሓደጋ ብዘውድቕ ኣገባብ ዝካየድ ጉባኤ ብትሪ ክኹነን ዝግበኦን ጥር ዝብል ጥቕሚ ዘይብሉን እዩ ።

ምስ ሕጋዊ ኣፍልጦ ውድብና ህወሓት ተዛሚዱ፣ ዝፀደቐ ኣዋጅ ከም ብሓዱሽ ክንምዝገብ ዝድርኽ፣ ወርቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘጉድፍ፣ ብቐፃሊ ክንቅርቀር ዝገብር ብምዃኑ፣ ዘላቂ ፍታሕ ዝርከብ ፖለቲካዊ ድርድር ብምክያድ ምዃኑ ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ብሙሉእ ድሚፂ ወሲኑ እዩ። ኣብቲ ላዕለዎት ካድረታት መድረኸ እውን እቲ ብማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ዝተቐመጠ ኣንፈት ትኽኸል ምዃኑ ሓበራዊ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐሉ ይፍለጥ።

ካብዚ ውሳነን ኣንፈትን ማ/ኮሚቴ ወፃእ፣ ምስ ፌዴራል ተኣማሚንና ኢና ብዝብል መደናገሪ ምስ ቦርድ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ብምዝርራብ፣ ካብ መላእ ማእኸላይ ኮሚቴን ካድረን ተኸዊሎም ብዝኸድዎ ከይዲ ናብ ዘይተደለየ መፃወድያ ሰተት ኢልና ክንኣቱ ተገይሩ ኣሎ።

በዚ ምኽንያት ንዝፍጠር ዝኾነ ዓይነት ጥፍኣት ከዓ፣ እቲ ተሓታቲ ንፀቢብ ጉጅለኣዊ ረብሓ ዝተንቀሳቀሰ ጉጀለ ዋላ ይኹን ናይ ህዝብና ሰላም ከይዝረግን ከይሕመስን ብዝሰልጠነ መንገዲ ምስ ህዝብናን መላእ ኣባልናን ኾይንና ክንቃለስ ኢና።

ኣብ መወዳእታ መላእ ህዝብናን ኩሎም ዓቕምታት ትግራይን ብምዕሳል፣ ዝተወደበ ቃልሲ ልዑል ፖለቲካዊ ድርድርን ብምክያድ ሕጋዊ ኣፍልጦ ውድብና ህወሓት ብምምላስ ፣ ካብቲ ሕዚ ኣንፀላልዩና ዘሎ ዙርያ መለሽ ፈተናታት ብምውፃእ ሙሉእ ሕውየትን ዕብየትን ትግራይ ከምነረጋግፅ ክገልፅ ይፈቱ።

ጌታቸው ረዳ

ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓት 07 ነሓሰ 2016 ዓ/ም

መቐለ


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading