News
ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ኮይኑ ተመሪፁ

ርኽክብ ፕረዚዳንትነት ሎሚ ንጉሆ ኣብ ኣዲስ_ኣበባ ቢሮ ቀዳማይ ሚኒስትር ኸምዝተሳለጠ ተገሊፁ ። ኣብቲ ርኽክብ ሓለፍቲ፣ ሰብ ሃፍትን ዕድመ ዝተገበረሎምን እውን ተረኺቦም።ድሕሪ ዕላዊ ምስጋና ስንብት ጌታቸው ረዳ ስዒቡ ጀነራል ታደሰ ተረኪቡ ኣሎ ተባሂሉ።
ነዚ ስዒቡ ርኢተኦም ዝህቡ ዘለዉ ተጋሩ ካብቲ ዝሓለፈ ዓብይ ትምህርቲ ብምዉሳድ ግዚያዊ መንግስቲ ከም ብሓዱሽ ዝምስረተሉ መንገዲ ምስትኻኻል የድሊ እዩ።

ስለዚ እቲ ብተለምዶ 50+1 ይበሃል ዝነበረ ናይ ጉጅለ ቤት ፅሕፈት ህወሓት መንገዲ ጥፍኣት ብምስትኽኻል ኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ዝግበኦም ብፅሒት ንኽወስዱ ብምግባር እቲ ዝተሓሰበ ለውጢ ቀፃሊ ንክኸዉን ዝምልከቶም ኣካላት ሓላፍነቲም ክዋፅህኡ ይግባእ ክብሉ ይገልፁ ኣለዉ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጌታቸው ካብ መዝነቱ ከም ዝወረደ ዝእምት መግለጺ ሂቡ ነይሩ።
“ብፍላይ ድማ ዝተረኽበ ሰላም ክዕቀብ ንዝነበሮም ልዑል ጥንቃቐን ኣመራርሓን መንግስቲ ፈደራል ኣፍልጦ ከም ዘለዎን ኣብ ቀጻሊ ስራሕቲ እውን ብሓባር ተቐራሪብና ከም እንስራሕን እናረጋገጽኩ፡ ንዝነበሮም ጻንሒት አመስግን፡” ክብል ናይ ክልቲኦም ስእሊ ብምስናይ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.