Connect with us

News

ሰራዊት ትግራይ ዝምልከት ሓዱሽ ውሳነ ተወሲኑ።

Kulu Media

Published

on

“75 ሽሕ ዕጡቓት ሰራዊት ትግራይ ነበር ናብ ህዝቢ ክፅምበሩ እዮም እዚ ንምግባር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ይውገን ኣሎ ” ኢሉ ምክትል ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ።

ምክትል ፕሬዜዳንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓምለ 27/2016 ብሄራዊ ተሃድሶ ኮሚሽን ምስ USAID ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ” ኣብ ከይድን ኣፈፃፅማን ዕጡቓት ሰራዊት ትግራይ ነበር ኣመልኪቱ ” ኣብ ዘሰናድኦ መድረኽ ከምዝበሎ ኣብ 2015 ዓ.ም ናብ ሕብረተሰብ ዝተፀምበሩ 50 ሽሕ ዕጡቓት ነበር ብውሽጣዊ ዓቕሚ ካብ ዝተገበረ ውሱን ሓገዝ ወፃኢ ዝረኸብዎ ካሊእ እግሪ መትከሊ የለን ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ስድራ ኣወሃሃዲ ሙዚቃ ግርማይ ወ/ሰንበት ( Hello G ) ዝበፅሐ መጥቃዕቲ

በቲ ዝሓለፈ ኲናት ብዙሕ ነገር ተዛቢዑ እዩ። ዝተሰወአ ኣካሉ ዝጎደለ ንብረቱን ጥሪቱን ዓንዩዎ ካብ ሃፍቲ ናብ ድኽነት ዝወረደ ብዙሕ እዩ ዝበለ ጀነራል ታደሰ ወረደ እቲ ናብ ህዝቢ ዝፅምበር ዕጡቕ ነበር ብዙሕ ፀገም ዝበፅሖ ስለዝኾነ ካብ ሕውየት ኣእምሮ ሓዊሱ ከንብሮ ዘኽእል ኩለመዳያዊ እግሪ መትከሊ የድልዮ ኢሉ ።

እቲ ዕጡቕ ነበር እቲ ተመላሳይ ናብ ህዝቢ ተፀምቢሩ ዝግበኦ ኣስተወፅኦ ክገብር እንተኾይኑ ዝግበኦ ሓገዝ ኣፍልጦን ክብርን የድልዮ ዝበለ ጀነራል ታደሰ ወረደ በዚ መንገዲ ብጠቕላላ 75 ዕጡቓት ነበር ናብ ሕብረተሰብ ንምፅምባር ቅድም ምድላው ይገበር ኣሎ ክብሉ ገሊፁ።
ኣብ’ቲ ንፈለማ ጊዜ ዝካየድ ዘሎ ዕጡቓት ነበር ናብ ሕብረተሰብ ምፅምባርን ኣፈፃፅምኡን ዝጠመተ መድረኽ ዘተ እቶም ናብ ሕብረተሰብ ዝፅምበሩ ዕጡቓት ኣባላት ሰራዊት ነበር ካብ ህዝቢ መንግስቲ ትግራይን ፌደራልን ዝምልከቶም ለገስቲ ኣካላትን ካብ ሕውየት ስነ-ኣእምሮ ጀሚሩ ኩሉ ኣድላዪ ሓገዝ ክግበረሎም ዝዓለመ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ


ተጋዳላይ ትግራይ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ንዝፈፀሞ ወርቃዊ ታሪኽ እናተኸበረን ናብ ወለዶታት እናተመሓላለፈ ክነብር እዩ ኽብል ዝገለፀ ምክትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ፅንተት ዓመታት ተገዲዱ ምእንተ ህልውናኡ ክብር መስዋእቲ ከፊሉ እዩ እቲ ኩናት ብውዕ ሊ ፕሪቶርያ ናብ ሰላማዊ ፓለቲካዊ ቃልሲ ከምዝተኣተወ ገሊፁ።

ሰላም ስትራቲጂካዊ ሕርያና እዩ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ንክትግበር ሰላማዊ ፓለቲካዊ ቃልስና ኣጠናኺርና ንክትግብር ንሰርሕ ኣለና ድሕሪ ምባል

ሰራዊትና እንምልሶ ዘለና ናብ ሰላም ንምለስ ስለዘለና እዩ ዝግበር ዘሎ እምበር እቲ ቃልሲ ጌጋ ስለዝነበረ ኣይኮነን ኢሉ ኣሎ ጀነራል ታደሰ ወረደ ።

ተዛማዲ ዛዕባ፡ሰናይ ዜና ምዕራብ ትግራይ ቀፂሉ

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading