News
ህፁፅ መልእኽቲ ፕ/ ጌታቸው ረዳ ናብ ኩሉ ትግራዋይ
እቲ ደብዳቤ ቃል ብቃል ከምዚ ዝስዕብ ተፃሒፉ ኣሎ
ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘለኻ ህዝቢ ትግራይ
ዝኸበርኩም ኣባላት ውድብ ህወሓት
ኣብዚ እዋን ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ዘይፈልጦ ህወሓት ከም ብሓዲስ ናይ ምምዝጋብ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ተረዲእና ኣለና።በዚ መሰረት ማእኸላይ ኮሚቴ ዘይፈልጦ፣ብዕሊ ተመያይጡ ምርድዳእ ዘይገበረሉን ኣንፈንት ዘየነፀረሉን ውድብና ከም ብሓዲስ ይመዝገበልና ዝብል ሕቶ ብውልቀ ሰባት ናብ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ቀሪቡ ኣሎ።እቲ ቦርድ ድማ 3 ነሓሰ 2016ዓ.ም ኣዋጅ መረፃ፣ ምዝገባን ስነምግባርን ውድባት ፖለቲካ ንምምሕያሽ ብዝወፅአ እዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 መሰረት ንህወሓት ብፍሉይ ኩነታት ከም ብሓዲስ መዝጊቡ ኣፍልጦ ሂብዎምኣሎ።
ተዛማዲ ዛዕባ፡ ደብዳቤ ተቓውሞ ፕ/ ጌታቸው ረዳ ናብ ቦርድ መረፃ
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ነዚ ምዝገባ መበገሲ ገይሩ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ድማ እቶም ሕቶ ዘቕረቡ ውልቀሰባት ናይ ውድብና ኣመራርሓ ማለት እውን ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ ሽም ዝርዝርን ፊርማን ኣተሓሕዞም ከምዘቕረቡ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።ይኹን እምበር እቲ ናብ ቦርድ መረፃ ዝቐረበ ሕቶ ፊርማና ክነዕርፈሉስ ይትረፍ ፈፂምና ንፈልጦ እውን ኣይኮነን።እዚ ከይዲ ንውሳነ ማእኸላይ ኮሚቴ ዝፃረርን ናይ ውድብና ህንፃን ኣሰራርሓን ሃደሽደሽ ኣቢሉ ብምጥሓስ ናይቲ ሕቶ ዘቕረበ ኣካል ፀቢብ ረብሓ ንምርግጋፅ ተባሂሉ ውድብና ክወፅኦ ናብ ዘይክእል ከቢድ ሓደጋዘእቱ እዩ።ብኣውርኡ ድማ ንመኸተ ህዝቢ ትግራይ ዝጠለመን ንመስዋእቲ ህዝብና ዘራኽስን ስለዝኾነ ፈፂምና ኣይንቕበሎን፤ ብፅንዓት ድማ ክንቃለሶ ኢና።

ስለዝኾነ እቲ ብሽም ውድብና ዝግበር ዘሎ ከም ብሓዲስ ናይ ምምዝጋብ ተግባር ከምዘይንፈልጦን ፈፂምና ድማ ከምዘይንቕበሎን እናገለፅና እዚ ምንቅስቓስ እዚ ብህፁፅ ደው ንክብል ኣጥብቕና ንሓቲት።እዚ ከይኮነ እንተተሪፉ ግን ነዚ ምንቅስቓስ ዝመርሕን ዘተሓባብርን ዘሎ ኣካል ነዚ ጥፍኣት እዚ ስዒቡ ንዝመፅእ ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ሙሉእ ብሙሉእ ተሓታቲ ክኾን ከምዘለዎ ነፍልጥ። መላእ ኣባላት፣ ኣመራርሓን ደገፍትን ውድብና ድማ እዚ ብሽም ህወሓት ዝግበር ዘሎ ናይ ውልቀሰባት ቀይዲ በተኸ ምንቅስቓስ ብህፁፅ ደው ብምባል ውድብኩም ኣብ ምድሓን እጃምኩም ንክተወፍዩ ፃውዒትና ነቕርብ።
ል.በ
ሽም ዝርዝርን ፊርማን ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ቀፂልና ከምነስዕብ ነፍልጥ።
ምስ ሰላምታ
ጌታቸው ረዳ
ስዓቡና
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.