Connect with us

News

ኣባላት ካብኔ መድረኽ ረጊፆም

Kulu Media

Published

on

ኣባላት ካብኔ ዞባ ደቡብ ትግራይ ንሎሚ 4 ግንቦት 2017 ዓ/ም ንካልኣይ ጊዜ ምስ ፕረዝዳንት ታደሰ ኣብ ማይጨው ተረኺቦም መድረኽ ዘተ ንምግባር መደብ ሒዚም ነይሮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣዛዚ ግንባር ደቡብ ዮሃንስ ወ/ጊዮርጊስን (መዲድ) ናይ ኣርሚ 24ን 43 ካብ ኮር ንላዕሊ ኣዘዝቲ ስለዝተረኸቡ እዩ እቲ ኣኼባ ብዕሊ ዝተበተነ።

ኣባላት ካብኔ ዞባ ደቡብ ምስ እዚኦም ኣይንእከብን ብምብል እቲ ኣኼባ ረጊጾም ወጺኦም ኣለው።

ትማሊ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዘላቂ ሰላምን ዘተኣማምን ድሕንነትን ከረጋግፅ ስለዘይኽእል ንኹሎም ፀገማት ብሰላማዊን ፖለቲካዊን ጥራሕ ክፍታሕ ከምዘለዎ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓቢሩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ነዚ ዝሓበረ ትማሊ 03 ጉንበት 2017 ዓ/ም ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ምስ ዘለው ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ዛዕባታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ መድረኽ ዘተ እዩ ።

ተዛማዲ ዛዕባ፡ እዋናዊ መግለፂ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዘላቂ ሰላምን ዘተኣማምን ድሕንነትን ትግራይ ንምርግጋፅ ከምዘይከኣል ዝሓበረ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፤ ንኹሎም ፀገማት ብሰላማዊን ፖለቲካዊን ኣገባብ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

“እቲ ዘለና እንኮ ዕድል ተደጋጊፍናን ተሓጋግዝናን ውሽጣዊ ፀገማትና ምፍታሕ እዩ”

ኣብዚ እዋን’ዚ ነንርእስና እናተሓላለኽናን እናተወጣጠርናን ክንከይድ ኣብ ዘይንኽእለሉ ብርኪ በፂሕና ኢና ዝበለ ፕረዚደንት ታደሰ፤ እቲ ዘለና እንኮ ዕድል ተደጋጊፍናን ተሓጋግዝናን ውሽጣዊ ፀገማትና ምፍታሕ ምዃኑ ገሊፁ።

ዝኾነ ዓይነት ደጋዊ ርክብ ብመንግስቲ ዝምእኸል፣ ፋይድኡ ዝምዘንን ስትራቴጂ ዘለዎን ክኸውን ከምዝግባእ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ብምግላፅ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዝጠፍኣና ኩሉ ዘኽብሮ ማእኸል ግድን ክህልወና ክንገብር ኣለና ኢሉ።

ብሓፈሻ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ፖለቲካዊ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ነባሪ ሰላምን ዘላቂ ፍታሕን ክረጋገፅ ዝኽእል ብሰላማዊን ፖለቲካዊን ጥራሕ ምዃኑ ተሰሚሩሉ እዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ሓቢሩ ።

እንተኾነ ሐዚ እውን ብወገን ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዘሎ ድሌት ስዒቡ ስግኣቶ ዝገልፁ ዘለዉ ተጋሩ ኣብ ራያ ሓይሊ ዝተሓወሶ ስጉምቲ እንተድኣ ተወሲዱ ትግራይ ሓደ ናብ ዘይትኾነሉ ፍፁም ዝበታትን መድረኽ ኽትኣቱ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ እዮም ዝገልፁ ዘለዉ።

ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ምስ ጀነራል ታደሰ ኣብ ዝነበሮ ቅንያት ኣኼባ ዛዚሙ’ሎ። ትማሊ ሰንበት ድማ ምስቶም ሰራዊት እዩ ኣኼባ ተገይሩ ዘሎ።

ብሓፈሻ ናይቲ ዝነበረ ቅንያት ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ዕላዊ መግለጺ ክህብ ትጽቢት ዝግበረሉ ጀነራል ታደሰ ብፍላይ ናብ ዞባ ደቡብ ”ብሓይሊ ክንኣትው ኢና” ተባሂሉ ዝተገለጸ ዘይሓላፍነታዊ ናይዕልዋ ዘረባ’ውን ብዕሊ ኩኹነንን ከም ህዝቢ ዞባ ደቡብ ቅዋም እውን ምስቲ ምዃኑን ክግለጽ ኣለዎ ክብሉ ገለ ተጋሩ ርኢተኦም ይህቡ ኣለዉ።

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading