News
ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ናብ ኣኼባ ኣትዮም።
ብዕለት 13 ሓምለ 2016 ዓም መግለፂ ዘውፀአ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተጀመረ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ክቅፅል እዩ ። እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ምንቅስቓስ ዘባህረሮም ዘይሕጋውያን ኣካላት ነቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ መልክዕ ከትሕዙዎ ይፍትኑ ኣለዉ። ነዊሕ ግዘ ተዓጊስና ፀኒሕና ኢና ፣ካብዙይ ንደሓር ግን ኩሉ ብሕግን ስርዓትን መልክዕ ክሕዝ ናይ ምግባር ከይዲ ኣጠናኺርና ክንከደሉ ኢና ክብል ዕላዊ ገይሩ ነይሩ ።
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብቲ እዋን ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣትኩሩ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ “ኣብ ምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊ ብሓፈሻ ከም ዘሎ ኮይኑ ኣብ ጉሕለት ሓፂነ መፂን ተጀሚሩ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ድማ ብፍላይ ከም መበገሲ ወሲድና ኣብ ካልኦት ዘይሕጋዊ ተግባራት ከም ውራ ወርቂ፣መኣድንን መሬትን፤ ክትራ፣ስርቂ፣ ጭውያ፣ዝውውር ሰባትን ካልኦት ተዛመድቲ ገበናትን እውን ስርዓት ናይ ምትሓዝ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ዩ።” ክብል ነቲ ኣብ ዝቅንያት ብወፍሪ ዝተጀመረ ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ኸምዝቅፅለሉ ብምሕባር፣
ተዛማዲ ዛዕባ፡ ሰራዊት ትግራይ ዝምልከት ሓዱሽ ውሳነ ተወሲኑ።

እቲ ቢሮ ኣስዒቡ ድማ:
“እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ምንቅስቓስ ዘባህረሮም ዘይሕጋውያን ኣካላት ነቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ መልክዕ ከትሕዙዎ ይፍትኑ ኣለዉ። መሓውር ፀጥታ ትግራይ ጉዳይ ምርግጋፅ ልዕነት ሕግን ምውሓስ ሰላምን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይን ጥራሕ ውራዩ ዝገበረ ክነሱ ብናይ ብዕራይ ወለደ ሓሶት ስሙ ንምጥፋእ፤ስብእንኡ ንምውራድ፤ንህዝቢ ዝኸፍሎ ዘሎ መስዋእቲ ንምርኻስ፣ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ካብ ምርግጋፅ ክስኮን፣ኣሰላልፍኡ ክቅይር ዘግብር ናይ ሓሶትን ፀለመን ወፍሪ ማሕበራዊ ሚድያ ንርኢ ኣለና ” ክብል ገሊፁ ነይሩ።
ሐዚ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ድማ ብ 29/11/2016 ዓ.ም ዝጀመረ ሃንደበታዊ ኣኼባ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ክሳብ ሐዚ ፅቡቕ ብዝበሃል ዘተ ይካየድ ምህላው ዘመልክት እዩ።
እቲ ዘተ ኣብ እዋናዊ ፀጥታ ትግራይ ፣ምምላስ ተመዛበልቲ ትግራይን ቐፃሊ ኣንፈታትን ፣ጉዳይ DDRን ኣፈፃፅምኡን ዘለው ጉዳያት ተነፂሮም ይኸዱ ከምዘለው እቲ ዝተረኸበ እዋናዊ ሓበሬታ የመላኽት።
ስዓቡና
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.