Connect with us

News

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት 2 ኣባላቱ ኣልዩ።

Kulu Media

Published

on

እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ንፀላኢ ምስጥር ኣቃሊዖም ብዝብል ምዃኑ ተፈሊጡ ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ኣብ እዋን ኲናት ኣብ ኢድ ፀላኢ ወዲቖም ናይ ዝነበሩ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ትማሊ 14 ለካቲት 2016 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ እቶም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ብፀላኢ ዝተትሓዝሉን ድሕሪ ኣብ ኢድ ፀላኢ ምእታዎም ዝነበሮም ኩነታትን ብዕምቆት ብምግምጋም ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እዚ ዶ/ር ኣዲሳለም ባሌማን ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተን ኣባል ፈፃሚት ሰራሕ፣ ዶ/ር ሰሎሞን ኪዳነ፣ ተጋዳላይ ኣፅበሃ ኣረጋዊ፣ ወ/ሮ ኪሮስ ሓጎስን ዶ/ር ረዳኢ በርሀን ድማ ማእኸላይ ኮሚቴ ኮይኖም ኽቕፅሉ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ ኣሎ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት 2 ኣባላቱ ኣባሪሩ ።

ኬርያ ኢብራሂምን ሙሉ ገብረእግዚኣብሄርን ኢደን ንፀለኢ ብምሃብን ንፀላኢ ምሽጥር ኣሕሊፈን ብምሃብን ገምጊመ ብመሰረት ሕገ ደንቢ ውድብ ካብ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ይኹን ካብ ኣባልነት ህወሓት ኣባሪሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ትማሊ ከም ዝተኻየደ ዝተገልጸ ኣኼባ ህወሓት፡ ነቶም ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ መንግስቲ ፈደራል ተታሒዞም ዝነበሩ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣባላቱ “ብጸላኢ ዝተትሓዝሉን ድሕሪ ኣብ ኢድ ጸላኢ ምእታዎም ዝነበሮም ኵነታትን” ብዕምቈት ገምጊሙ ውሳነ ከምዝወሰደ ኣቓሊሑ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ኬርያ ኢብራሂምን ሙሉ ገብረእግዚኣብሄርን ኢደን ንጸላኢ ብምሃብን ምስጢር ኣሕሊፈን ብምሃብን ካብቲ ውድብ ከምዘባረረን ኣፍሊጡ።

እዘን ክልተ ሰባት እንታይ ዓይነት ምስጢር ኣሕሊፈን ከምዝሃባ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።

ኬርያ ኢብራሂም ኣብ 2020 ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቍጽጻሩ ኢዳ ከምዝሃበት ይፍለጥ።ንሳ፡ ኣብ መጋቢት 2021 ድማ ካብ ማእሰርቲ ብዋሕስ ተፈቲሓ።

ኣብ ትግራይ ኲናት ምስተወልዐ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ዝነበሩ መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ይዝከር።

ዝቐረበሎም ክስታት ድማ ንህወሓት ብላዕለዋይነት ምምራሕ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ክሕደት ሃገር፡ ከምኡ ድማ ኣባላት ፖሊስን ምክልኻልን ምዕጋት ዝብል እዩ። ህወሓት ግን ነቲ ክሲ ይነጽጎ።ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፈደረሽን ነበር ኬርያ ኢብራሂም፡ ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብቶም ዝለዓሉ ሓላፍነት ዝነበራ ሰብ እያ።

ኬርያ፡ መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብጉዳይ መረጻ ምስተሰሓሐቡ፡ ኣብ ሰነ 2020፡ “ሕገ መንግስቲ ይጠሓስ ኣሎ” ብዝብል ብገዛእ ፈቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ወይዘሮ ሙሉ ገብረእግዚኣብሄር ድማ ምክትል ሚኒሰትር መጓዓዝያ ኮይና ሰሪሓ ምንባራ ይፍለጥ።

ህወሓት ኣብዚ እዋን ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከምዝርከብን፡ ካብኡ ንምውጻእ ይቃለስ ከምዘሎን ተንተንቲ ይሕብሩ።

ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂምን ሙሉ ገብረእግዚኣብሔርን ከቢድ ጣዕሳ ከምዝተሰመዐን ብምግላፅ ሙሉእ ዓርሰ ነቐፌታ ብምግባር ኣብ ዝተዋፈራሉ ዓውደ ስራሕ ህዝበን ንምኽሓስ ከምዝሰርሓ ቃል ኣትየን ኣለዋ ኢሉ ውድብ ህወሓት ሐዚ ኣብ ዕላዊ ገፁ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና።

ማእኸላይ ኮሜቴ ውድብ ህወሓት ኣብቲ ናይ ትማሊ ኣኼብኡ ንመበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ኮይኖም ዝሰርሑ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/ሔር፣ ተጋዳላይ ኢሳያስ ታደሰን ወ/ሮ ኣልማዝ ገብረፃድቕን ከምዝመረፀ ኣፍሊጡ’ሎ።

ሎሚ 15 ለካቲት 2016 ዓ/ም ድማ ሓበራዊ መድረኽ ማእኸላይ ኮሚቴን ቁፅፅር ኮሚሽንን ውድብብ ህወሓት ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ ኣጀንዳን እዋንን መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ዝምልከት ተመያይጦም ክውስኑ እዮም ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Continue Reading

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading