News
ምቁርራፅ ኢንተርኔት ኣብ ኢትዮጵያ
ፀገም ምቁርራፅን ምድኻምን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንምፍታሕ ይሰርሕ ኣለኹ ክብል ኢትዮ–ቴሌኮም ገሊፁ

ኢትዮ–ቴሌኮም ፀገም ምዝሕሓል ፍጥነትን ምቁርራፅን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንምፍታሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ሐዚ ኣማሽዩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ብሰንኪ ምቁራጽ ናይቲ ብቐይሕ ባሕሪ ዝሓልፍ ልዑል መጠን ዘለዎ ተሸካሚ ኢንተርኔት ብሰንኪ ዘጋጠሞ ምቁርራፅ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብኣማራጺ መስመራት ጥራይ ይህብ ምህላው ገሊጹ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣገልግሎት ኢንተርነት ምዝሕሓልን ምቁራጽን ከጋጥሞ ከምዝጸንሐ ኣመልኪቱ።
እቲ መግለፂ ወሲኩ እቲ ግልጋሎት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ንቡር ንምምላስ ምስ ወሃብቲ ኣገልግሎት ፅዑቅ ልዝብ ይግበር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ኢትዮ–ቴሌኮም ብዘጋጠመ ምዝባዕ ኣገልግሎት ንዓማዊሉ ይቕሬታ ብምሕታት፣ ትዕግስቲ ክገብሩ ተላብዩ።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.