Connect with us

ፖለቲካ

ሰበር ዜና: ህወሓት ተወሲኑላ

Kulu Media

Published

on

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ህወሓት ናብ ሕጋዊ ሰውነቱ ንምምላስ ዘኽእል ኣዋጅ ኣፅዲቁ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ህወሓት ኣብ ቦርዲ መረፃ ኢትዮጵያ ከም እንደገና ተመዝጊቡ ኣብ መረፃ ንኽወዳደር ዘኽእሎ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ሎሚ 27 ግንቦት 2016 ዓም ኣብ ዝነበሮ ስሩዕ ኣኼብኡ እዩ ነዚ ውሳነ ዘሕለፈ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ ውድብ ህወሓት ተነቢሩ ዝፀንሐ ክልከላ ሕጋዊ ሰውነት ተላዒሉ ኣሎ።

ናብ መስርሕ ሰላም ዝተመለሰ ሓደ ውድብን ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝፀደቐን ሃገራዊ መረፃ ቦርድ ንዘይምምዝጋብ ናይ ምንፃግ መስርሑ ዝግድብን ክምዝግብ ዘገድድን ሓድሽ ዝተመሓየሸ ረቂቕ ኣዋጅ ሎሚ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፀዲቁ ኣሎ ።

ሃገራዊ መረፃ ቦርድ ንሓደ ናብ መስርሕ ሰላም ንዝኣተወ ፖለቲካዊ ውድብ ሕጋዊ ኣፍልጦ ንኽወሃቦ ካብ ዘመልከተላ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልትታት መዝጊቡ ከፅድቕ ዘገድድ ሓድሽ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ሎሚ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ንኽፀድቕ ከምዝገበረ ተመላኺቱ ኣሎ ።

እቲ ሎሚ ናብ ባይቶ ወከልቲ ቀሪቡ ንኽፀድቕ ተገይሩ ዘሎ ሓድሽ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ሓደ ናብ መስርሕ ሰላም ንዝኣተወ ውድብ ኣፍልጦ ንኽወሃቦ ዝድንግግ እዩ።እዚ ድማ ካብ ዝሓተተሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልትታት ከፅድቕ ፤ ክኽልክል ንዝነበሮ ስልጣን ዝእግድ ግን ድማ ንቲ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ውድብ ንኽልተ ዓመታት ናይ ምክትታል ስልጣን ከምዘለዎ ዝድንግግ  ከምዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ኣርእዩ ንዝተብሃለን ናብ ሰለማዊ መስርሕ ንዝኣተወን ጉዳዩ ፈለማ ናብ ባይቶ ወከልቲ ክቐርብ ኣለዎ። ጉዳዩ ተራእዩ ባይቶ ወከልቲ ምስ ኣፅደቐሉ ብድሕሪ’ዚ ሃገራዊ መረፃ ቦርድ ካብታ መመልከቲ ዝቐረበላ ዕለት ኣብ ውሽጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልትታት ምምዝጋብ’ምበር ምንፃግ ከምዘይኽእልን ዝግድብን ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ከምዝኾነ ተሓቢሩ’ሎ።


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading