ፖለቲካ
ተሰፋ ዘለዎ ዜና ምዕራብ ትግራይ
ተሰፋ ዘለዎ ዜና ምዕራብ ትግራይ ጀነራል ወዲ ወረደ ኣበሲሮም ።
ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ እውን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ መረበቶም ንምምላስ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም ጀነራል ታደሰ ወረደ።
ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ሰነ 30 ናብ መረበቶም ንምምላስ ተታሒዙ ዝነበረ ሓበራዊ መደብ ምድንጓዩ ብወገን ትግራይ ዝተፈጠረ ፀገም ከምዘይኮነ እውን ገሊፆም።
ምክትል ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ህልው እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ መረበቶም ንምምላስ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።
ጀነራል ታደሰ ወረደ ፣ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ሰነ 30 ናብ መረበቶም ንምምላስ ተታሒዙ ዝነበረ ሓበራዊ መደብ ምድንጓዩ ብወገን ትግራይ ዝተፈጠረ ፀገም ከምዘይኮነን እቲ ምድንጓይ ከምዝግምገምን ብምሕባር፤ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ድሕንነትን ውሕስናን ተመዛባሊና ብዘውሕስ መንገዲ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ መረበቶም ንምምላስ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለው ተመዛበልቲ ኮነ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣጋጢምዎም ካብ ዘለው ኩለ መዳያዊ ፀገማትን ሓደጋ ፀጥታን ንምፍታሕ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ መረቶም ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
ከይዲ ምምላስ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ካብ ራያን ፀለምትን ዝተረኸበ ተሞክሮ መሰረት ተገይሩ ከምዝፍፀም ዘመላኸቱ ጀነራል ታደሰ ወረደ ፤ምምላስ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ደው ከምዘይብል ሓቢሮም።
ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ካብ ካልኦት ከባብታት ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝኣተው ሰፈርቲ ኮነ ዑጡቃት ክወፁ ከምዝስራሕን ቅድሚ 2013 ዓ/ም ዕጥቂ ዝነበሮም ተመዛበልቲ ትግራይ ምስ ዕጥቆም ናብ መረበቶም ከምዝምለሱ፣ ከጋጥም ዝኽእል ዕንቅፋታት ብምፍታሕ ድሕንነት ተመዛበልቲ ብዘውሕስ መንገዲ ምምላስ ተመዛበልቲ ምዕራብ ከምዝፍፀምን ኣመላኺቶም።
ብሰፈራ ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝመፁ ዑጡቓት ከም ዘለው እውን ገሊፆም
ቁጠባን በዝሒ ህዝብን ምዕራብ ትግራይ ንምዕብላል ዝዓለመ ሰፈራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከምዝተኻየደ ዝገለፁ ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ብሰፈራ ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝመፁ ዑጡቓት ከምዝወፁ ድማ ኣመላኺቶም።
ኣብ ቀረባ ናብ ፀለምቲ ዝተመለሱ ተመዛበልቲ ድሕንነቶም ንምሕላውን ዝነበረ ዘይሕጋዊ ምሕደራን መሓውራቱን ካብቲ ከባቢ ንምውፃእ ምስ ሓይሊ ምክልኻል ይስራሕ ከምዘሎ እውን ገሊፆም
Watch On YouTube
ጀነራል ታደሰ ወረደ ወዲ ወረደ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂቦም ኣብ ዝህብዎ ዘለው መግለፂ ከምዝገለፅዎ ተመዛበልቲ ኣብ ዝተጠቐሰ እዋን ንምምላስ ምስ መንግስታት ፌደራልን ኣምሓራን ናይ ሓባር ውሳነን ምርድዳእን እኳ እንተነበረ ብሰንኪ ትሑት ድልውነት መንግስቲ ኣምሓራ ኣብ እዋኑ ንኸይፍፀም ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።
ሓዱሽ ስጉምቲ ምዕራብ ትግራይ
ኣብ ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲ መንግስቲ ፌደራልን ኣምሓራን ዝተሰማመዑሉ ተመዛበልቲ ዞባ ዶቡብን ፀለምትን ግንቦት 30 ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ድማ ሰነ 30 ናብ መረበቶም ንምምላስ እኹል ምርድዳእ ተገይሩ ከምዝነበረን ዝሓበሩ ጀነራል ታደሰ ወረደ በቲ ዝተቐመጠሉ ጊዜ እዋን ከይትግበር መንግስቲ ኣምሓራ ዘርኣዮ ትሑት ድልውነት ኣብ እዋኑ ክፍፀም ከምዘይከኣለ ኣብሪሆም።
ኣብዚ ተግባራዊ መስርሕ ብወገን መንግስቲ ትግራይ እዚ ዝበሃል ጉድለት ዝተርኣየ ነገር የለን ድሕሪ ምባል ሐዚ’ውን ኣብ ሞንጎ ከተምቲ ውዕል ሰላም ፅቡቕ ምርድዳእ ከምዘሎን ንዚ ንምትግባር ይስራሕ ከምዘሎን ወሲኾም ገሊፆም።
ድሕንነት ተመዛበልቲ ብዝተሓለወ መንገዲ
ድሕንነት ተመዛበልቲ ብዝተሓለወ መንገዲ ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ስራሕ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ተዋሂብዎ ይስረሐሉ ከምዘሎ’ውን ወሲኾም ገሊፆም’ለው።
ኣብ ትግራይ ኣብ ኩለ መዳይ ዝተፈፀሙን ዝፍፀሙ ዘለውን ገበናት ናብ መስርሕ ተሓታትነት ክሰጋገር ስራሕ ከምዝተጀመረ ድማ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።
ኣብ ትግራይ ካብ ቀለልቲ ክሳብ ከበድቲ ገበናት ይፍፀም ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክዝረበሉ ዝፀንሐ ጉዳይ’ዩ ዝበሉ ጀነራል ቲፈታደሰ ወረደ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ተሓታትነት ንምስግጋር ዘኽእል ስራሕ ተጀሚሩ ከምዘሎን ህዝቢ ምትሕግጋዙ ከዕዝዝን ፀዊዖም።
እቶም ናብ ተሓታትነት ዝሰጋገሩ ዘለው ካብ ውራ መሬት ክሳብ ሓፂነ መፂንን ዘይሕጋዊ ዕደናን ከምዘካትት ወሲኾም ገሊፆም።
ኣብ ጉዳይ ፀፅታ ትግራይ ብፍላይ ድማ ስርቂ ሓፂነ-መፂን
“ኣብ ጉዳይ ፀፅታ ትግራይ ብፍላይ ድማ ስርቂ ሓፂነ-መፂን፣ ውራ መሬት፣ ስርቂ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት፣ ዘይሕጋዊ ዕደናን ምጥቃም ሓደገኛ ኬሚካልን፣ ኮንትሮባንድ ወዘተ ዝተጀመረ ወፍሪ ናብ ዘበለ የብል፣ ዝተሓተተ ይተሓተት ጠጠው ከይበለ ክቕፅል እዩ።” እዩ ድማ ኢሎም ጀነራል ታደሰ ወረደ።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.