News
ኣብ ትግራይ ሓላፊ ተባሪሩ።
ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ስጉምቲ ወሲዱ።
ፕረዚዳንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ን4 ላዕለዎት ሰብ መዚ ጊዝያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ትግራይ ካብ ዕለት 15 ጥቅምቲ ጀሚሮም ካብ ሓላፍነቶም ከምዝለዓሉ ዝፍለጥ እንትኾን
ኣብቲ እዋን ካብ መዝነት ዝተባረሩ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ፣ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ፣ ኣይተ ተኽላይ ገ/መድህንን ኣይተ ኣማንኤል ኣሰፋ ምኳኖም ይፍለጥ።
ካብዚ ብምቅፃል ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ንሓለፍቲ ምልዕዓል ህዝቢ ዞባታት ትግራይ ካብ መንግስታዊ መዝነት ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ከምዘልዓልዎም ውን ዝዝከር ኮይኑ እቲ ሕዚ ወፂኡ ዘሎ ሓበሬታ ድማ ጡረታ ዕድሚኦም ኣኺሉ ብውድባዊ ሹመት መሃያ እናተኸፈሎም ዝጸንሑ ምክትል ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ኣይተ ገብረ ካሕሳይ (ገብረ ኢሮብ) ካብ ሎሚ ነሓሰ-1 ጀሚሩ ንልዕሊ ክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ክኽፈሎም ዝጸንሐ መሃያን ጥቕማ ጥቕምን ደው ንክብል ተወሲኑ ኣሎ። ብቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ዝተወሰነ ውሳነ ስዒቡ ዞባታት እውን ተግባራዊ ምግባር ምጅማረን እዩ ዝግለፅ ዘሎ።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ቅድሚ መዓልትታት ምስ ድወት ኣብ ዝገበሩዎ ቃለመሕተት ” ኣብ ትግራይ ብሕመቅን ካልኦት ፀገማትን ተገምጊሙ ግን ድማ ኣብ ሸሞንተ ወረዳታት እናተቐያየረ ዝሰርሐ በዓል መዚ እፈልጥ እየ ምባሎም ዝዝከር ኮይኑ እዚ ድማ ትግራይ ሰበሰ ከምዝሰኣነት መዐንደሪት ውሑዳት ኮይና ዝብል ቁጠዐ ፈጢሩ ምቅናዩ ይፍለጥ ።
ፕ/ ጌታቸው ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ኣብ መድረኽ ፖለቲካዊ መሪሕነት፡
ካብዚ ብተወሳኺ ፕረዚዳንት ጌታቸው ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ኣብ መድረኽ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝተሰመየ መድረኽ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚዳንትትግራይ መዝነቶም ዘይፍለጥ ግን ድማ ስሩዕ መሃያን ጥቅማጥቅምን ዝወስዱ ልዕሊ 16 ኣማኽርቲ ኣለው ኢሎም ብምዝራብ እዚ ድማ ኸምኡ ኢሉ ኸምዘይቅፅልን ስጉምቲ ኸምዝውሰድን ምግላፆም ዝዝከር እዩ ።
ተዛማዲ ዛዕባ፡ ወ/ሮ ልያ ካሳ ንብረት መንግስቲ ከረክባ ተኣዚዘን።
ብግዝያዊ ምምሕዳር ዝምራሕ ኮሚሽን ስቪል ሰርቪስ ትግራይ ኣብዚ ቅንያት ናብ ኣብያተ ፅሕፈታት ትግራይ ኣብ ዝበተኖ ደብዳቤ ዕድሚኦም ንጡሮታ ዝኣኸሉ ዝኽፈል ስሩዕ ጥቅማ ጥቅምን ደው ይበል ዝብል እንትኾን ኣብ ልዕሊ ኣይተ ገብረ ኢሮብ ዝተወሰደ ስጉምቲ እውን እንተኾነ ብመሰረት ሓዱሽ መምርሒ ስቪል ሰርቪስ ምኳኑ እዩ ተገሊፁ ዘሎ ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ “ጠመተ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንመስርሕ ሰላም ብምጥንኻር ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ምግባር እንትኾን ኣብዚ እዋን ናይ ትግራይ ሰላም ዝህውኽ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ክህሉ ኣይፈቅድን። ኣብ ትግራይ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ኩሎም ሕጋውን ሰላማውን ብዝኾነ ኣገባብ ጥራሕ ክፍፀሙ ከምዘለዎም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከስምረሉ ይደሊ። ካብዚ ሓሊፉ ሰላም ዝህውኽን ሕጋውነት ዘይተላበሰን ምንቅስቓስ እንትህሉ ግን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክዕገስ ኣይኽእልን ምባሉ ዝዝከርዩ’።
ስዓቡና
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.