Connect with us

News

ጀነራል ታደሰ ወረደ መጠንቀቕታ ቀሪብሉ

Kulu Media

Published

on

ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክቁጠብ መጠንቀቅታ ቀሪብሉ።


ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣመልኪቱ ካብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ኸምዘመላኽቶ
ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ “ምምሕዳራዊ ምትዕርራይ” ክገብርየ ብዝብል ፉሉይ ሓይሊ ፖሊስ ካብ መቐለ ብምልኣኽ ናይ ኣመሓደርቲ ለውጢ ብሓይሊ ንምፍፃም ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ህዝቢ ዓብይ ቑጠዐ ፈጢሩ እዩ ዝበለ ኮይኑ እቲ ስጉምቲ ብወታድራዊ ሓይሊ ዝተሓገዘ ናይ ህዝቢ ምምሕዳር ናይ ምፍራስ ተግባር ብምዃኑ፣ ዘምፅኦ ውፂኢትን ሓደገኛነትን ብምርዳእን ናይ ህዝቢ ድልየት ብምድጋፍን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ (GSTS)፣ ነቲ ብፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትእዛዝ ዝተወሰደን ዝዉሰድ ዘሎን፣ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ናብ ዝኸፈአ ዕግርግር ዘምርሕ ተግባር ብትረት እናኾነነ ብቕልጡፍ ጠጠዉ ክብል ድማ ብኣንክሮት ይፅዉዕ ኢሉ።

እዚ ብኣፈ-ሙዝ ድሌት ህዝቢ ምዕፋንን ብሓሳብ ዝተፈለየካ ትግራዋይ ምስዳድን ካብ የካቲት 2017 ዓ/ም ጀሚሩ አብ ኻልኦት ኸባብታት ትግራይ ብስፍሓት እናተተግበረ ዝመፀ ስልጣን ናይ ምብሓት ስትራቴጂን ተግባርን፣ ንትግራይ ናብ ዘይዛሪ ዕግርግር ዘእትዋ ተግባር ስለ ዝኾነ GSTS ብገንኡ ጠጠዉ ክብል ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ብዝተወሰኑ ንሓደ ፍንጫል ሕወሓት ዝወገኑ “ኮርን ልዕሊ ኮርን” ብዝብል ብዝፅውዑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ 15 ጥሪ 2017 ዓ/ም ዝወሰንዎ ዉሳነ ክስሕብዎ ህዝቢ ዝገበረሎም ፃዊዒትን ዝሃቦም ምኽርን ንጎድኒ ገዲፎም ናብ ተግባር ብምእታዎም እቱ ዝነበረ ግዚያዊ ምምሕዳር ክፈርስ፣ ኬላታት እናዓፀኻ ህዝቢ ክሽበር፣ ብሓይሊ ጠበንጃ ህዝቢ ካብ መረበቱ ክስደድ፣ ህዝቢ ብዘይመረፆ ክመሓደር፣ ልዕልና ሕግን ስርዓትን ሃደሽደሽ ክብል፣ ሓድነት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ክዳኸምን ምክፍፋል ክፍጠርን፣ ህዝቢ ነንባዕሉ ከይተኣማመንን ጥርጣረ ከሕድርን ኢሉ እዉን ሓድነት ተጋሩ ክሽርሸር ካብ ምግባር ሓሊፉ ግህሰት ሰበኣዊ መሰላት ዘስዐበ ኣብ ከክንዲ ደበስን ሕዉየትን ንህዝቢ ትግራይን ፈተዉቲ ህዝቢ ትግራይን ኣዕርዩ ዘሕዘነ ተግባር ተፈፂሙ እዩ ዝበለ GSTS ብድምር በቲ ናይ “ኮርን ልዕሊ ኮርን” ዉሳነ ብሓይሊ ጠበንጃ ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ተግባር ትግራይ ሕዚ ናብ ዘላቶ ብጣዓሚ ኣፀጋሚ ደረጃ መንቀራቕር ክትበፅሕ ናይ ኣንበሳ ብፅሒት ተፃዊቱ እዩ። እቲ ፍፃመ ዘስዕቦ ከቢድ ሓደጋ ብዕምቆት ብምግምጋም፣ GSTS እቲ “ኮርን ልዕሊ ኮርን” ውሳነ ትግራይ ናብ ዝኸፈአ ኣንፈት ዝወስድ ሓደገኛ ኣካይዳ ብምዃኑ ብገንኡ ጠጠው ክብልን ናብ ትግበራ ከይኸድን ብዕለት 18 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ዘዉፀኦ መግለፂ ብዕሊ ኣውጊዙን ምዒዱን እዩ ኢሉ።

ተዛማዲ ዛዕባ ፡ ውዕሎ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሑመራ

ድሕሪ ብኣፈ-ሙዝ ምፍራስ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብፕሬዝዳንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ሕሉፍ ተማሂሩ ትግራይ ናብ ዝሓሸ መንገዲ ሰላም፣ ሕዉየትን ተስፋን ክወስድ ተስፋ ተዋሂብዎ እኳ እንተነበረ ካብ ናይ መጀመሪያ ኣወዳድብኡ ጀሚሩ ዝተፈለየ ሓሳብን ዓቕምን ዘለዎም ናይ ካቢኔ፣ ዞባ፣ ቢሮታትን ክፍለ ከተማታትን ኣመራርሓ እናተባረሩ እቲ ናይ መንግስቲ መሓዉር ብናይ ሓደ ፍንጫል ጉጅለ ሕወሓት ዓብላላይነት ክዋቕርን ንናይ ሓደ ፖለቲካዊ ዉድብ ዕላማ መፈፀሚ ክኸዉን ብምግባሩ፣ ናይ መንግስቲ መሓዉር እናተዳኸመን መሳርሒ ፖለቲካ እናኾነን ትግራይ ናብ ዝኸፈአ ዓዘቕቲ እናእተዋ መፂኡን ይርከብን ዝበለ እቲ መግለፂ

ድሕሪ ናይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህይወት ዝበልዐ ኲናት፣ ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ሕዉየት፣ ተስፋ፣ ናብ ሰላማዊ ናብራ ምምላስ፣ ፍትሕን ተሓታትነትን ምንጋስ፣ ግዘኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅ፣ ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ ሙውቕ ገዝኦም ምምላስን ምጥያሽን ወዘተ እኳ እንተነበረ ኣብ ከክንድኡ ንናይ ህዝቢ ረብሓ ንጎድኒ ብምግዳፍ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ጉጅለ ፃምእ ስልጣንን ረብሓን ንምርግጋፅን ካብ ተሓታቲነት ንምድሓንን ክበሃል ህዝቢ ትግራይ ከም ጅሆ ተታሒዙ ሕዚ እዉን ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ራዕድን ይርከብ ኢሉ።

ስለ ዝኾነ ድማ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ ሕዝውን ትግራይ ንምድሓን እንትባሃል ስዒቦም ዘለዉ ፃዊዒታት ብግዚያዊ መንግስቲ ጀነራል ታደሰ ወረደ ትግራይ ብቕልጡፍ ክትግበሩ ይፅዉዕ።

  1. ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዞባ ደቡብ ይኹን ኣብ ኻልኦት ኸባቢታት ትግራይ ብኣፈ-ሙዝ ህዝቢ ንምብርኻኽ ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ትግራይ ናብ ዝበኣሰ ዕግርግርን ናይ ሕድሕድ ጎንፅን ዝወስድ ኢሉ እዉን ሓድነት ተጋሩ ናብ ሓደጋ ዘዉድቕ ተግባር ስለ ዝኾነ ብቕልጡፍ ጠጠዉ ከብሎ ንፅዉዕ፣
  2. ድሕሪ ዳግመ ‘ምትዕርራይ ግዚያዊ ምምሕዳር’ ትግራይ ኣብ ተጋሩ ሃዳናይን ተሃዳናይን፣ ኣሰዳድን ተሳዳድን፣ ሰዓራይን ተሳዓራይን ኣይህልውን ዝብል ተስፋ ዝተወሃበሉ ዘረባ ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ቃል ተዓፂፉ፣ ሓድነትን ብሄራዊ ረብሓን ተጋሩ ናብ ሓደጋ እናእተወ ዝርከብ ዘሎ ብሓሳቡ ንዝተፈለየ ትግራዋይ ናይ ምስዳድን ምህዳንን ኣዕናዊ ተግባር ብቕልጡፍ ጠጠዉ ክብል ነተሓሳስብ። እዚ ኣብ ዘይኾነሉ ግዜ ግን ኣብ ትግራይ ብምኽንያት ናይ ሓሳብን ፖለቲካን ኣፈላላያትን ካልኦትን ክሳብ ሕዚ ዝተፈፀሙን ዝፍፀሙ ዘለዉን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ናብ ተሓታቲነት ንምስግጋርን ነዚ ተግባር ዝፍፅሙን ዘፍፅሙን ተጠየቕቲ ንምግባርን GSTS ዕላዊ መስርሕ ከም ዝዝርግሕን ዝሰርሕን ብግልፂ ከተሓሳስብ ይፈቱ፣
  3. “ፅምዶ” ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ፣ ህዝቢ ትግራይ ፈፂሙ ናብ ዘብርስ ኣንፈት ዝወስድ፣ ሕልሞም ብውዕሊ ፕሬቶሪያ ተኾሊፍና ብዝብሉን ዝጣዓሱን ሓይልታት ዝምወል፣ ንትግራይ ናብ ዓብይ ሓደጋ ከዉድቕ ዝኽእል ኢሉ እዉን ትግራይ ናይ ፕሮክሲ/ውክልና ማእኸል ዓውደ ኩናት ክትኸውን በሪ ዝኸፈት ምንቕስቓስ ብቕልጡፍ ጠጠው ክብልን ጊዚያዊ ምምሕዳር ብሕፁፅ ስጉምቲ ክወስድን ንፅውዕ፣
  4. ከም ብሓዱሽ ዝተመዓራርየ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ሕሉፍ ተማሂሩ ዝሓሸ ክሰርሕ ኣብ ህዝብና ዓብይ ተስፋ እኳ እንተነበረ ሕዚ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ግን ካብ ዝሓመቐ ናብ ኣዕርዩ ዝኸፈአ መንገዲ ይኸይድ ስለ ዘሎ፣ ኩሉ መሓዉሩ ናብ ጓጓ ሓደ ፖለቲካ ፍንጫል ጉጅለ ሕወሓት ኣእትዩ ስርዓትን መንግስትን ምድኻም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሓዱሽ ናይ ጭቆና፣ ስእነት ፍትሒ፣ ፋሉልነት፣ ስእነት ሓድነት ወዘተ ባይታ ይከፍት ስለ ዘሎ፣ ኣብ ትግራይ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝባሃግናዮ ሰላምን ምርግጋዕን ምምፃእ ተሳኢንዎ ስለ ዘሎ፣ ዝነበረ ጭላንጭል ነፃነት ናይ ፍትሒ ትካላትን ሚዲያን ናብ ምዕፋን የምርሕ ስለ ዘሎ፣ ኩሎም መሓዉራት መንግስቲ ናይ አእዝዩ ዝሓመቐ ፖለቲካ ትግራይ መሳርሒን ወታድራዊ ምሕደራን ክኾን ኢሉ እዉን ትግራይ ኣብ ዝተናወሐ ዘይምርጋጋዕን ህዉከትን ክትነብር ዘኽእል መንገዲ ይኽተል ስለ ዘሎ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ሪኢዎ ናብ ዘይፈልጥ ናይ ሕድሕድ ጎንፂ በሪ እናኸፈተ ስለ ዝኾነ፣ እቲ ብወረርቲ ተታሒዙ ዘሎ መሬት ትግራይ ኣብ ክንዲ ዘውሕስን ተመዛበልትና ናብ መረበቶም ዝምልስን ናብ ኻልእ ናይ ዕንክሊል ኣጀንዳ የእትወና ስለ ዘሎ- ብህፁፅ ትግራይ መሰረት ዝገበሩ ኹሉም ናይ ፖለቲካ ዉድባትን ሓይልታትን፤ ንኹሎም ኸባቢታት ማሕበረሰብ ትግራይ፣ ብሓይሊ ብረት ንዝተሰደዱ መራሕቲ ነበር ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ብሓይሊ ጠበንጃ ካሊእ ሓይሊ ክፈጥሩ ዝተገደዱ ኣባላት ናይ ፀጥታ ሓይልታትን ሲቪል ማሕበራትን ዘሳትፍን ዘፅልልን ገፊሕ ዳስ ብሄራዊ ኮንፍረስ፣ ገለልተኛን ሓቓፊን ብዝኾነ ኣካል ብቕልጡፍ ክፅዋዕን ናይ ትግራይ መዋፀኦ ብዝርዝር ምይይጥ ተገይሩ እቲ ብሄራዊ ጉባኤ ብዘቕምጦ መፍትሒ ትግራይ ዉሕስና ናብ ዘለዎ ኣንፈት ክተምርሕን ብአፅንኦት ንፅዉዕ ክብል ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ GSTS ኣፍሊጡ።

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading