Connect with us

News

ሰናይ ዜና ምዕራብ ትግራይ ቀፂሉ

Kulu Media

Published

on

ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ድማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክትግበር ድሌት ኸምዘለዎ ገሊፁ ኣሎ ።

ምዕባለታት ምይይጥ ምዕራብ ትግራይ ፅቡቅ ኣንፈት ከምዝሓዘ ተፈሊጡ ። እዚ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ምስ ፌደራል መንግስትን ዝተገበረ ልዝብ ፅቡቅ ፍረ ኸምዘፍረየ እዩ ዝግለፅ ዘሎ ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክትግበር ድሌት ኸምዘለዎ ኣንፀባሪቁ ኽብል ሪፖርተር ፀብፂቡ እዩ ።

እቲ ኽልል ነዚ ዝገለፀ
ኣብቲ ክልል ምስ ምፍራስ ጸጥታ ተተሓሒዙ፣ ቅትለት፣ ዝምታ፣ ዓመጽ፣ ምጭዋይ ሰባትን ካልእ ኣስካሕካሒ ገበናንትን ሳዕሪሩ ከምዘሎ’ዩ ብምምልካት ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ኣጽዋር ኣብ ዘሻቕል ደረጃ ከምዘሎ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ጠቂሱ ናይዚ ቂልፊ ፀገም ድማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብግቡእ ዘይምትግባሩ ምኳኑ ኣፍሊጡ ክብል ጋዜጣ ሪፖርተር ፀብፂቡ እዩ ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዛጊድ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ኸይትግበርን ግዝኣት ትግራይ ሓራ ኸይወፅእን ዓንቃፅ ቅዋም ሒዙ ምፅንሑ ይዝከር ። ሐዚ ግና ፀጥታ ክልሉ ከውሕስ ኣመና ዝተፀገመ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክትግበር ዘለዎ ድሌት ኸምዘንፀባረቀ እዩ ዝግለፅ ዘሎ ።

እዚ ካብ ወገን ምዕራብ ትግራይ ዝስማዕ ዘሎ ሰናይ ምዕባለ ድሕሪ እቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ናብ ወገን ምዕራብ ትግራይ ዘቅነዐ ኣኼባ ኣካይዶም ዝብል ሓበሬታ ምውፅኡ እዩ ዝኸውን ዘሎ ።
ምዕራብ ትግራይ ናብ ሰብ ዋናታቱ ንምምላስ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ጀነራላት ትግራይ ዘተ ከምዘካየደ ተፈሊጡ እዩ ።

ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ 30 ሰነ 2016 ዓ.ም ተመዛበልቲ እቲ ዞባን ምምሕዳሩን ናብቲ ቅድሚ ኩናት ዝነበሮ ኩነታት ንምምላስ ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ሌተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ምግላፁ ዝዝከር ኮይኑ ድሕሪ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ዝፀንሓ ወረዳታት ፀለምቲ ናብ ሰብዋናታቱ ምምላሱ ስዒቡ ምዕራብ ትግራይ ድማ ካብቲ ደቡብ ትግራይን ፀለምትን ዝተረኽበ ተሞክሮ ብምግባር ብዝተዋደደ ኣገባብ ከምዝምለስ ቃል ተኣትዩ እዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ትማሊ ዕለተ ሓሙስ ሓምለ 25/2016 ዓ/ም ኣብ እዋናዊ ኩነታትን ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲን ካልኦት ተዛመድቲ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ምስ አመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝዘተዩ ፀብፂብና ምንባርና ይዝከር።

እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ምስ መሪሕነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘካየድዎ ዘተ ድሕሪ እቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ወረርቲ ሓይሊታት ፀሓዮም እናዓረበት ኸምዝኾነት ዘመላክቱ ሓበሬታታት ምውፃእ ቀፂሎም ኣብ ዘለውሉ ወቅቲ እዩ ።

ምዕራብ ትግራይ ተስፋ ዘለዎ ምንቅስቃስ ምጅማሩ ኣቀዲምና ዝፀብፀብና እንትንኾን ድሕሪ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምዕራብ ትግራይ ንምምላስ ክንቀሳቐስ ምዃኑ ዕላዊ ምግባሩ ሓይሊ ዕማም ኸምዝተጣየሸ ተፈሊጡ ክንብል ምፅብፃብና ይዝከር ።

ድሕሪ እዚ ዜና
ናይ ምምላስ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ምይይጥ ምዕባለታት ፅቡቅ ይኸድ ኣሎ ስለዚ ኩለኹም ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ተበገስ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ጥራሕ ንክትጥቅዑ ንሕብር ምኽንያቱ ኣብ ትልሚ ዘሎ ጉዳይ ምጥቃዕ ሳዐሰቤኑ ካብ ዝሓለፈ ስለ ተዓዘብና ኣካይዳ ትዕግስትን ጥንቃቀን ዝተመለኦ ይኹን ዝብል ለበዋ ንተጋሩ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ቀሪቡ እዩ ።

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading