News
“ዓወትና ተሓምሺሹ እዩ” – ፕ/ ጌታቸው ረዳ።
ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ዘይተሰተፈ ጉጅለ ህወሓት ኣብ መቐለ ህፁፅ ኣኼባ የካይድ ኣሎ ።

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ብፍሉይ ድማ ፓለቲካዊ ኩነታት ህወሓት መሰረት ዝገበረ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ ።
ኣብቲ ዋዕላ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት፣ ማእኾላይ ኮሚሽን ቁፅፅር ህወሓት ፣ ኣመራርሓ ክልል፣ ዞባ፣ወረዳን እቲ ውድብ ይሳተፉ ከምዘለው ተሓቢሩ ኣሎ።
ብሰንኪ ሕመቕ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ብሰራዊትና ዝተረኸበ ወርቃዊ ዓወት ናብ ረብሓ ምቕያር ተሳኢኑና ኢሉ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ
ኣብቲ ክልላዊ ዋዕላ ዝተረኸበ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብሰንኪ ሕመቕ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ብሰራዊትና ዝተረኸበ ወርቃዊ ዓወት ናብ ረብሓ ምቕያር ተሳኢኑና መኸተና ኣብ ዕንክሊል ኣትዩ ይርከብ ኢሉ።
ጉባኤ ይካየድ ኣይካየድ ዘይኮነስ ከመይ ይካየድ ኣብዝብል እዩ ዓብይ ኣፈላላይ ተፈጢሩ ዝበለ እቲ ፕረዚዳንት ጉዳይ ኣፍልጦ ሕወሓት ፓለቲካዊ ዘተ ክፈትሖ ተረዳዲእና ከለና ውልቀሰባት ብጎኒ ንብሄራዊ መረፃ ቦርድ ደብዳቤ ከምዝለኣኹን ተቐባልነት ከምዘይረኸቡን ገሊፁ።
በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴን ኣመራርሓን እቲ ውድብ ዓብይ ኣፈላላይ ከምዝተፈጠረ ብምግላፅ እቲ ዘሎ ኣመራርሓ ፀገሙ ተቐቢሉ ነቲ ውድብ ናብ ወለዶ ዘሰጋግር ዘይኮነስ ፣ባዕለይ ጀሚረ ባዕለይ ክውድኦ እየ ዝብል ሓይሊ እዩ ኢሉ።
እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይ ኣብ ውሽጥና ዝፈጥሮ ፀገም ከምዘሎ ኾይኑ፣ ፀላእትና ክጥቀሙሉ ዕድል ዝፈጥር እዩ ድሕሪ ምባል ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ግፍዕን በደልን ፀላእቲ ከምዘሎ ኮይኑ፣ ድኽመት ፖለቲካዊ ምሕደራ እውን ካሊእ ፀገም እዩ ኔሩ ክብል ገሊፁ።
ውድብ ክትድሕን ትኽእል ሓሳብ ብዘለዎ፣ ንፅባሕ ብዝሓስብን፣ ፀገማቱ ተቐቢሎ ቶሎ ብዘመዓራርን ኣካል እዩ ብምባል ድማ ሓቢሩ።

ብምኽንያት እቲ ኣብ መሪሕነቱ “ኣጓኒፉኒ” ዝበሎ ኣፈላላይ ብዝተሓላኸ ጉዕዞ ዝመፀ ውድብ ህወሓት ሕዚ ብቕላዕ ኣብ ክልተ ምኽፋሉ ዘመላኽት መድረኽ በፂሑ ኣሎ።
ብኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ዝምራሕ ክፋል እቲ ውድብ፡ ኣንፃር ካብ ቁፅፅር ኮምሽኑ፣ ምኽትል ኣቦ ወንበሩ፣ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ፌደራልን ቁጽሮም ዘይንዓቑ ጉባኤተኛታትን ከይዱ፡ “መበል 14” ዝበሎ ጉባኤ የካይድ ኣሎ።
ብካልእ ኩርናዕ፡ ብምኽትል ኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ዝምራሕ “ውድብ ንምፍራስ ዝሰርሕ ዘሎ ፅግዕተኛ ሓይሊ” እናተብሃለ ዝመፀ ሓይሊ፡ ሎሚ ጉሓት ኣብ ዝጀመረ መድረኽ ምኽክር ይርከብ። እዚ መድረኽ ምኽክር “ብስም ህወሓት ዝግበር ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ክልኩል እዩ” ንዝብል መግለፂ እቲ ሓደ ሓይሊ ዝነፀገ እዩ።
ትማሊ 11 ነሓሰ ካብቲ ናብ ጉባኤ ዝኣተወ ሓይሊ ክልተ ግዜ ካብቲ ዘይኣተወ ድማ ሓደ ግዜ መግለፂ ተዋሂቡ፡ ብቕላዕ ክልተ ህወሓት ምዃኑ ኣረግጊፁ ኣሎ።
“ናብ ሓምሳ ዓመቱ ዝተፀገዐ ውድብ ህወሓት ከምዚ ናይ ሕዚ ዓይነት ሓደገኛ ፖለቲካዊ ኩነታት ገጢምዎ ኣይፈልጥን” ርእይቶ ብዙሓት እዩ።
ኣፈላላይ መሪሕነትን ንሱ ዝፈጥሮ ዘሎ ናብ ህዝቢ ዝለሓዀ ስግኣታትን ብኲናትን ድኽነትን ንዝደቐቐ ህዝቢ ዘይምጥንን ዘይግባእን እኳ እንተዀነ ሓዱሽ ሓቂ ግን እዚ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
ሎሚ ዕለት እቲ ሓደ ህወሓት የካይዶ ንዘሎ መድረኽ ምኽክር ዝመርሕ ዘሎ ምኽትል ኣቦ ወንበር ህወሓት ጌታቸው ረዳ ሓይልታት ምክልኻል ፀጥታ ትግራይ ፃምእ ስልጣን ናይ ዘለዎም ኣካላት መሳርሒ ክኸውን ኣይብሉን፡ ምባሉ እውን ይዝከር።
ስዓቡና
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.