News
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንህወሓት ‘ናይ ስርቂ ትካል’ ክብል ገሊፅዎ።
ነበር ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ምስ ፋና ተሌቪዥን ኣብ ዝነበሮ ፃኒሒት ቀዳማይ ክፋል ኣመራርሓ ፀጥታን ገለ መሪሕነት ህወሓትን ኣብ ገበን ስርቂ ተዋፊሮም ኸምዘለው ኸሲሱ።
ኣብ ፃኒሒቱ…
“ኣመራርሓ ጸጥታ ኣዕናዊን ዘይዕንወትን ናይ ምዃን ባህሪ ኣለዎ። ኣብ ንግዲ ወርቂ ኣትዩ ሕጂ ንሓርነት ትግራይ ኩሉ ክስውእ እየ’ ኢሉ ዝምካሕ ጀነራል ኣሎ፤ ‘ንስኻትኩም ኣብ ንግዲ ወርቂ ኣለኹም’ ክበሃሉ ይግባእ”። እቲ ጀነራል ምግቤይ ዝፈጸሞ ጅግንነት ኣብ መስዋእቲ መንእሰያት ዝተመስረተ ጅግንነት እዩ እቶም መናእሰይ ናብ ስደት ብዘብጽሕ ደረጃ ናብ ተራ ንግዲ ወርቂ ክኣትዉ ከለዉ፤ ካብ ኮምቦልቻን ካልኦት ባንክታትን ኣብ ግዜ ኲናት ሃይለስላሴ ወዲ እምበይተይ ዝበሃል ዝተሰርቀ ብር፡ ካብ ካዝና ዝተወሰደ ገንዘብ ኣማኢት ሚልዮናት ብር ዝሰረቑ ሰባት ሕዚ ብስም ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ይነግዱ ኣለዉ መንእሰይ ትግራይ ናብ ነዳዲ ሓዊ ክንቕይሮ ኢና እናበሉ ይጅሃሩ ኣሎዉ ኽብል ገሊፁ።
“ብቕንዕና ንህዝቦም ከገልግሉ ዝደልዩ፡ ሰላም ዝደልዩ መኮንናት ኣለዉ”
“ብቕንዕና ንህዝቦም ከገልግሉ ዝደልዩ፡ ሰላም ዝደልዩ መኮንናት ኣለዉ። እቶም ከም በዓል ምግቤይን ሃይለስላሴን ዝኣመሰሉ፡ ብገበን ተመራሲሖም ዘለዉ፡ ሃንደበት ሰላም እንተመጺኡ ኣብ ሓደጋ ክወድቁን ተሓተትቲ ክኾኑን እዩ ዝመስሎም፡ ስለዚ ሰላም ክሰፍን ፈጺሞም ኣይደልዩን። ናብ ኤርትራ ክንከይድ ኢና እዮም ይብሉ።”ዝበለ ኣይተ ጌታቸው ረዳ
“መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኣጀንዳ ወደብ ዝኾነ ይኹን ኩናት ከይገጥሞ ብምስጋእ ኣብ ትግራይ ክፍፀም ብስትራተጂ ይሰርሕ ኣሎ። እንተኾነ ሰራዊት ፌደራል መንግስቲ ድኹም ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ክንስዋእ ኢና ዝብል ሓሳብ ኣለዎም። ሰላም ክፍጠር ኣለዎ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኩናት ክህሉ የብሉን።” ክብል ገሊፁ።
“ህወሓት ብሽም ህዝቢ እናመሓለ ንናይ ህዝቢ ረብሓ ጥር ትብል ፋይዳ ከይገበረ ዝፀንሐ ናይ ምጭብርባር ባህሪ ዘለዎ ፓርቲ እዩ። ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓደ እዮም ዝብል ንምጭብርባር ዝፈጠሮ እምበር ኩሉ ነገር ተቖፃፂሩ ህዝቢ ንኽሰግደሉ ዝደሊ እዩ” ነበር ፕረዚደንት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ፋና ቲቪ ኣብ ዝነበሮም ፃኒሒት ገሊፁ ዘሎ።
“ኣብ ዂናት ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራ ዝተደፈራ ደቂ ኣንስትዮ 76% እንትኾና ብናይ ኢ/ያ ሰራዊት ዝተደፈራ ድማ 24% እየን።” ዝበለ ኣይተ ጌታቸው ረዳ “ጀነራል ምግበይ ዝረኸቦ ጅግንነት ብናይ መንእሰይ ሞት ዝረከብዎ ጀነራልነት እዩ። እኒ ጀነ. ምግበይ፤ ሃይለስላሴ ኣብ ምዝራፍ ወርቂ ዝወፈሩ ዘረፍቲ እዮም።” ኢሉ።
“ናይ ድያስፖራ ትግራይ ገንዘብ ብደላላ ተበሊዑ እዩ።”
“ኣብቲ ኸቢድ ናይ ዂናት እዋን ድፋዕ ንምፍሓር ዝኣክብናየን እሳቫተራት ሓደ ሓደ ጀነራላት ወርቂ ንምውፃእ ዝወሰወን ኔሮም።” ድሕሪ ምባል”ናይ ድያስፖራ ትግራይ ገንዘብ ብደላላ ተበሊዑ እዩ።” ገሊፁ።
“ንኣማን ቴክ ዝተብሃለ ድርጅት ኣስታት 1 ቢልዮን ቅርሺ ብምሽጥር ተዋፂኡ። ከምዚ ዝበለ ናይ ሌብነት ኢንተርፕራይዝ ኔትዎርክ ብዙሕ እዩ። “ዝበለ ጌታቸው ረዳ “ኤትራዊ ዝሸጡ ጀነራላት ኔሮም። ኤርትራዊ ምሻጥ ‘ንብረት’ እዩ ዝበሃል። እንተንኣሰ 4ሺሕ ዶላር ብናይ ወፃኢ ኣካውንት ዝእክቡ ኔሮም።” ክብል ገሊፁ።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.