News
ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ንጉባኤ ህወሓት ተቓዊሙ።
እቲ ፕረዚዳንት ኣብቲ “ዘይሕጋዊ ” ክብል ዝገለፆ ጉባኤ ኸምዘይሳተፍ እውን ኣፍሊጡ ኣሎ ።
ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ እቲ ሐዚ ብገለ ጉጅለ ዝበሎም ኣካላት ዝካየድ ዘሎ ምድላዎት ጉባኤ ኮነ ናብ ቦርዲ መረፃ ኢትዮጵያ ዝቀርብ ዘሎ ሕቶታት ንሱ ኮነ ዝበዝሕ ማእኸላይ ኮሚቴ ዘይፍልጦ ናይ ውሱናት ኣካላት ድሌትን ባህግን ምኳኑ ገሊፁ ።
እቲ
ናብ ብፃይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣቦ ወንበር ህወሓት
ናብ ብፃይ ተክለብርሃን ኣርኣያ ኣቦ ወንበር ማእኸላይ ቁፅፅር ኮሚሽን ብዝብል ዝፈለመ ደብዳቤ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ምክትል ኣቦወንበር ውድብ ህወሓትን ኣይተ ጌታቸው
“ውድብና ህወሓት ስሩዕ ጉባኤ ከካይድ ዝነበሮ ቅድሚ 3 ዓመታት እኳ እንተኾነ ብስንኪ ናይ መሪሕነትና ምዕንቃዕ ክሳዕ ሐዚ ከካይድ ኣይክኣለን ። ቅድሚ ኣዋርሕ ጉባኤ ንምስላጥ ዘጣየሽናዮ ኣሰናዳዊት ኮሚቴ እውን እቲ ከይዲ ካብ ኣሰራርሓን መትካላትን እቲ ውድብ ወፂኡ ብውሑዳት ሰባት ስለዝተጨወየ ማእኸላይ ቁፅፅር ኮሚሽን ከም ኣካል ንባዕሉ ኣግሊሉ ኣሎ፤ ብብርኪ ዞባን ወረዳን እውን ብተመሳሳሊ ብዙሓት ኣካላት ንባዕሎም የግልሉ ኣለው ዝበለ እንትኾን

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት እውን እንተኾነ እቲ ጉባኤ መዓዝን ብከመይ ኩነታት ይካየድ ኣብ ዝብል ሓደ ዓይነት ምርድዳእ የብሉን። ኣብ ባይታ ዘሎ ቅጥዒ ዝጎደሎ ምንቅስቓስ ኣብ መውዳእታ ውድብናን ህዝብናን ናብ ሓደጋ ዘእቱ ከም ዝኾነ ግልፂ ይኸውን ኣሎ። ሐዚ ዝግበር ዘሎ ቀይዲ በተኸ ምንቅስቓስ ድማ ማእኸላይ ኮሚቴ ይኹን ኣነ ዝፈልጦ ኣይኮነን ኢሉ ።
ብዛዕባ ከይዲ ዴሞክራሲያውነትን ሕጋውነትን ጉባኤ
እቲ ደብዳቤ
ብዛዕባ ከይዲ ዴሞክራሲያውነትን ሕጋውነትን ጉባኤ ናብ ሓደ ዓይነት ምርድዳእ ከይተበፀሐ እናሃለወ ሐዚ ድማ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ውሳነ ዘየዕረፈሉን ዘይፈልጦን ናይ ምዝገባ ምንቅስቓስ ዝገብር ኣካል ከምዘሎ ተረዲእና ኣለና፡፡ እዚ ኣካል ናይ ውድብና ህንፃን ኣሰራርሓን ሃደሽደሽ ኣቢሉ ብምጥሓስ ናይ ባዕሉ ፀቢብ ረብሓ ንምርግጋፅ ውድብና ክዋፅኦ ናብ ዘይኽእል ሓደጋ ብዘእቱ መንገዲ እዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ፡፡ ይመላእ ይፈፀም ከዓ ማእኸላይ ኮሚቴ ንምዝገባ ተባሂሉ ዘይፈረመሉ ዝተጭበርበረ ሰነድ ኣተሓሒዙ በቲ ሓዱሽ ኣዋጅ መሰረት ንብሄራዊ ቦርድ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ተራ ስሕተት ዘይኮነስ እቲ ውድብ ንምፍራስን መኸተ ህዝቢ ትግራይ ከንቱ ንምግባርን ኮነ ተባሂሉ ዝስራሕ ዘሎ ጉጅላዊ ምንቅስቓስ እዩ ድሕሪ ምባል

ስለዝኾነ እቲ ናይ ውድብ ኣፍልጦ ንምርካብ ናብ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ናይ ኣፍልጦ ሕቶ ይኹን ብሽም ህወሓት ዝግበር ዘሎ ናይ ጉባኤ ምንቅስቓስ ኩሎም ንውድብ ህወሓት ዘይወክሉ ናይ ሓደ ጉጅለ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ስለዝኾነ ፈፂመ ከምዘይቕበሎ የፍልጥ። ኣይቕበሎን ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዝግበር ዘሎ ቀይዲ በተኽ ምንቅስቓስ ውድብ ዘፍርስ ስለዝኾነ ብፅንዓት እውን ክቃለሶ እየ ክብል ተቋውምኡ ገሊፁ ኣሎ ።
ጉዳይ ምድሓን ህወሓት
በዚ ኣጋጣሚ ህወሓት ዝድሕን ንሕና ኣባላት ውድብናን ህዝብናን ብንገብሮ ምዕሩይ ምንቅስቓስ እምበር ናይቲ ውድብ ናይ ኣሰራርሓ መምርሕታት መትካላትን እናጣሓሰ ብዝንቀሳቐስ ዘሎ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከምዘይኮነ ከስምረሉ ይደሊ። ብውሑድ ብማእኸላይ ቁፅፅር ኮሚሽን ዘልዐሎምን ኣነ ኾንኩ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት መሪሕነት ውድብናን ዘልዐልዎም ሕቶታት ክሳብ ብኣግባቡ ዝምለሱ ብሓደ ጉጅለ ኣብ ዝተዳለወ ጉባኤ ይኹን ናይ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብና ውሳነ ዝጠሓሰ ናይ ምዝገባ ከይዲ ዘይሳተፍ ምዃነይ የፍልጥ ይብል ትማሊ 02 ነሓሰ 2016 ዓ/ምዝተፅሓፈ ደብዳቤ ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓትጌታቸው ረዳ ።
ህወሓት ኣብ መንጎ ጉባኤ ይካየድን ኣይካየድን ዝብል ክልተ ጉጅለ ተገሚዑ ከምዘሎን ገለ ወረዳታት ከይተረፈ ንጉባኤ ህወሓት ኸምዝተቋወማን ኽግለፅ ዝፀነሐ ኾይኑ እቲ ሐዚ ብፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዝተፅሓፈ ደብዳቤ ድማ ኩናትታት ምግምማዕ ህወሓት ናብ ዝኸፈአ መልክዑ የምርሕ ኸምዘሎን ዘመላኸተ ኮይኑ ኣሎ ።
ስዓቡና
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.