Connect with us

News

ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣስመራ ከምዝኣተው ተገሊፁ

Kulu Media

Published

on

ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሃትን ነበር ሓላፊ ደሕንነት ኢትዮጵያን ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣስመራ ኣትዮም ተባሂሉ።

መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ንውድብ ህወሓት ካብ ምዝገባ ንሓዋሩ ሰሪዘዮ ኣለኹ ንብረቱውን ተወሪሱ ንመኽፈሊ ዕዳ እቲ ውድብን ዝተረፎ ተሃልዩውን ንመምሀሪ ሲቨክን ዛዕባ መረፃን ክውዕል ወሲነ ኣለኹ ኢሉ ብዕሊ ኣብ ዘፍለጠሉ ትማሊ ግንቦት 6 2017 ዓም ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣባል ማዕከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣስመራ ከም ዝኣተዉ ፍልፍላት ዩኤምዲ ሚዲያ ሓቢሮም።

ዝርዝር ኣታኣታትወኦም ዝምልከት ዝሓተሓተቱ ፍልፍላት ትማሊ ሰዓት ኣርባዕተ ንጉሆ ብራማ ገይሮም ብመኪና ከምዝኸዱን ንሕክምና ከምዝኸዱ ዘለዉ ከምዝተዛረቡን ነጊሮምና ይብል እቲ ሓበሬታ። ምስኦም ክንደይን ንበዓል መን ነይሮም ኢልና ንዝሓተትናዮም ሕቶ ግን መልሲ ኣይሃቡናን ይብል ዩኤምዲ ሚድያ።

ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ነበር ሓላፊ ደሕንነት ኢትዮጵያ እንትኾኑ ካብ ዝተወሰና ፎቶግራፋት ወፃኢ ብመብዛሕቲኡ ህዝቢ ዘይፍለጡ ኣብ ሚዲያ’ውን ዘይርኣዩ ኾይኖም ንኣስመራ ምኻዶም ዘይፈልጡ ካልኦት ፍልፍላት ዝሓለፈ ሶኒ ኣብ መቐለ ከምዝተርኣዩ ንዩኤምዲ ሚዲያ ኣረጋጊፆም።

ብመሰረት ንኣስመራ ከመዝኣተዉ ዝገለፁ ፍልፍላት ግን ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ እስካብ ትማሊ ንጉሆ መቐለ ነይሮም እዮም።
ብወገን ዩኤምዲ ሚዲያ ብሳልሳይ ወገን ንምርግጋፅን ብዛዕባ ጉዕዞ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ዝፈልጥዎ ነገር እንተሃልዩ ንምሕታት ንኣባላት ፖሊት ቢሮ ህወሓትን ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሰብ ስልጣናትን ንምርካብ ኣብ ዝተገበረ ፈተነ ፍልፍል ፖሊት ቢሮ ህወሓት “ኣይኣተወን ጌጋ ሓበሬታ እዩ። ሎሚ ኣይኮነን ዋላ ፅባሕ’ውን ጌታቸው ኣሰፋ ናብ ኤርትራ መሬት ክአቱ ፍፁም ኣይኽእልን።” ክብል ገሊፁ።

ኣቀዲሙ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ “ዕላማን ስትራተጂን ስልትን ዘይፍለጥ ዝዀነ ዓይነት ደጋዊ ርክባት ምግባር፡” ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ሓቢሩ ነይሩ።

“ምስ መንግስቲ ፈደራል ጥራሕ ዘይኰነስ ምስ ዝዀነ ሓይሊ ኣፈላላያትና ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ንምፍታሕ ዝከኣል ኵሉ ፃዕሪ ምግባር ግቡእ እዩ፡” ይብል እቲ መግለፂ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘይፈልጦ፣ ዝተሓንገጦ ዕላማን ስትራተጂን ስልትን ዘይፍለጥ ዝዀነ ዓይነት ደጋዊ ርክባት ምግባር ኣይትኽክልን ጥራሕ እንተይኰነስ መንግስቲ ኣልባ ኴንና ፋሉልነት ክነግስ ትግራይ ሓደ ማእኸል ከይህሉዋ ዝገብር ሓደገኛ ተግባር እዩ። “ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ኵነታት ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ፡” ይብል እቲ ቢሮ ጉዳያት ኮምዩኒከይሽን ዘውጽኦ መግለጺ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ መዝገብ ፖለቲካዊ ሰልፊታት እታ ሃገር ከም ዝሰረዞ ኣፍሊጡ እዩ።

እቲ ቦርድ ትማሊ ብወግዓዊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብጽሑፍ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቲ ልዕሊ 50 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ውድብ ህወሓት ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት፡ ብፍሉይ ከም ሰልፊ ብምምዝጋብ “ዝተዋህቦ ግቡእ” ኣይፈጸመን ብምባል እቲ ሰልፊ ክስረዝ ከም ዝወሰነ ጠቒሱ።

ምጅማር ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ ‘ኣብ ጐነጻዊ ምንቅስቓስ ተሳቲፉ’ ብዝብል ካብ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ተሰሪዙ ዝጸንሐ ህወሓት፡ ብመሰረት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣብ ነሓሰ 2016 ዓ.ም (ግእዝ) ዳግም ከም ሕጋዊ ሰልፊ ተመዝጊቡ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ብፍሉይ ኵነታት ወግዓዊ ምስክር ወረቐት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ እቲ ኮሚሽን ነቲ ሰልፊ ከም ብሓድሽ ከም ዝመዝገቦ ብምግላጽ፡ ነቲ ብህወሓት ቀሪቡ ዝነበረ ‘ዝጸንሐ ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለስ’ ዝጠልብ ሕቶ ከም ዘይተቐበሎ ይዝከር።

ህወሓት’ዉን ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሰልፊ ቅድሚ ሕጂ በቲ ቦርድ ዝተዋህቦ ሕጋዊ ሰብነት ከም ዘይተቐበሎ ብምግላጽ “ነባር ሕጋዊ ናይ ኣፍልጦ ሰርተፊኬት እንከይተመልሰ ሰሪዘ’የ ማለት ትጕም የብሉን” ኢሉ ነይሩ።

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading