News
ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኣጠንቂቑ
ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ እንተተወሊዑ ካርታ ሃገራት ዝቕይር እዩ ክብል ጀነራል ፃድቃን ኣጠንቂቑ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝውላዕ ሓድሽ ኲናት ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከቢድ ሳዕቤናት ከምዝህልዎ እዩ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ገሊፁ ዘሎ።
ኣባል ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ፃድቃን ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ትግራይ ዳግማይ ናብ “ዓውደ-ውግእ” ከይትምለስ ዘለዎ ስግኣት’ውን ኣስፊሩ ኣሎ።
“ኣብ ዝኾነ ህሞት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኲናት ክውላዕ ይኽእል’ዩ” ይብል እቲ ብጀነራል ፃድቃን ኣብ ‘ኣፍሪቃ ሪፖርተር’ ዝወጸ ትንተና።

“ድሕሪ’ቲ ብክልተ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ምሕዝነት ቀስ ብቐስ ብምንቁልቋሉ ናብ ኲናት ምእታው ዘይተርፍ’ዩ ዝመስል” ክብል ዝገለፀ ኾይኑ፣ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝህሉ ሓድሽ ኲናት’ውን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕን ንካርታ ሃገራት ዝቕይርን ከምዝኸውን’ዩ ጀነራል ፃድቃን ኣጠንቂቑ ዘሎ።
“ዝኾነ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝህሉ ኲናት ነዊሕ ክወስድ ተኽእሎ ኣለዎ፡ ዋላ’ኳ ክልቲኦም ወገናት ሓጺርን ወሳንን ምዃኑ ክነግሩኻን ከእምኑኻን እንተፈተኑ ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድን በኸመይ ይካየድን ብዘየገድስ ግን ኣብቲ ዞባ ሓያለ ኣዕናዊ ውጽኢታት ክህልዎ ይኽእል’ዩ” ድማ ኢሉ።
ጀነራል ፃድቃን ኣብ ትንታኔኡ “እቲ ኲናት ደው ምስበለ፡ እዚ ሕጂ ንፈልጦ ጆኦግራፊ ሃገራት ብኸምኡ ኣይክቕጽልን’ዩ” ኽብል ገሊፁ።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.