Connect with us

News

ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝተውሃቦ ዕማም ከምዝፍፅም ዘለዎ እምነት ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ገሊፁ

Kulu Media

Published

on

ንሱ ንሽመት ጀነራል ታደሰ ኣመልኪቱ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ
ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ከባቢ ንሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ውዕሊ ፕሪቶሪያን ምኽሪ ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብን ብምሕዋስ ሰፋሕቲ ምይይጣት እናተኻየዱ ፀኒሖም ‘ዮም ዝበለ ኮይኑ ዘመን ስልጣን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ እንትውዳእ ዝተረፉ ቑልፊ ጉዳያት ዝሰርሕ ኣካል፣ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ክቕፅል ኣለዎ ዝብል ድምዳመ ድሕሪ ምትሓዙ፣ ነዚ ስግግር መን መሪሑ ኣብ ሽቶ ከብፅሕ ይኽእል? ዝብሉ ምይይጣት እናካየድና ፀኒሕና ብምባል ኣዘኻኺሩ።

Kulu-News-2025-04-08-ኩሉ-ሚድያ

ብምቅፃል ድማ
ሎማዓንቲ ብሰላማዊ መገዲ ብሓዱሽ ባህሊ ነቲ ስግግርን ቕብብልን ስልጣን ንምግባር ዝተዳለወ ፕሮግራም ኣሳሊጥና ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር

ጀነራል ታደሰ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምኽትል ኣይተ ጌታቸው ኾይኖም ዘገልገሉ ሰብ ‘ዮም። ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ዝነበሩ ድኽመታትን ጥንካረታትን ብግልፂ ዝግንዘቡ ሰብ ‘ዮም።

ሕዚ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ንዘሎ ኽፍተት መሊኦም ንቕድሚት ክወስዱ ዝኽእሉ ‘ዮም ዝብል እምነት ብብዙሓት ኣካላት ዝእመን ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ዝፀምኦ ሰላምን ልምዓትን፣ ከም ኻልኦት ኣሕዋቱ ወፂኡ ናይ ምእታው ድሌት እንትነሳኽዕ፣ ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ‘ውን ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኾነ ነገር ሰሪሖም ንምሕላፍ ታሪኽ ዝሃቦም ዕድል ከምዝጥቀሙሉ ተስፋ ይገብር ኢሉ

ንክልተ ዓመታት ምክትል ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ካቢኔ ሰክሬተሪያት ሰላምን ፀጥታን ኮይኑ እናሰርሐ ዝፀንሐ ጀነራል ታደሰ ወረደ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ 30 መጋቢት 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ተሸይሙ ኣሎ።

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading