Connect with us

News

“እቲ ፃዕሪ ኣይተዓወተን” ጀነራል ታደሰ ወረደ

Kulu Media

Published

on

ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘጋጠመ ምክፍፋል ናብ ናይ ፀጥታን ድሕንነትን ፀገም ከይዓብን እቲ ፀገም ሰዓርን ተሳዓርን ብዘይብሉ መንገዲ ንምፍታሕ ዝተፈተነ ድርድር ከምዘይተዓወተ ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬተርያት ሰላምን ፀጥታት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጾም።

ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬተርያት ሰላምን ፀጥታት ጀነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ) ነዚ ዝበሉ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዘድሃበ መግለጺ ንጋዜጠኛታት ይህቡ ኣብ ዘለውሉ እዩ።

እቲ ፃዕሪ ኣይተዓወተን ዝበሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ፣እቱ ድርድር ድሌት ብምንኣስ፣ሓደ ነቲ ሓደ ሙሉእ ብሙሉእ ብምጽራግ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ካብ ዝብገስ ድሌትን ዝግባእ ፀቅጢ ብዘይምዕራፉን ምዃኑ ገሊጾም።

ህወሓት እውን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝፈረመን 50 ዓመት ዝገበረ ውድብ ብምዃኑ ቀፃልነት ክህልዎን ክጠናኸርን ምግባር እውን ኣድላይ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ እንኮ መፍትሒ እቲ ውጥጥ ደው ክብልን ብፖለቲካዊ መንገዲ ፍታሕ ክረክብ ምግባርን እዩ ኢሎም።

ደው ክብል እንተኾይኑ ግን ኩሉ ሕብረተሰብ እውን ፅዕንቶ ክፈጥር ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ናይ ቀረባ ጊዜ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዙሕ ዓመታት እንዳተኣከቡ ዝፀንሑ ፀገማት እዮም ኢሎም።

ኣብቲ ውድብ ዝፍጠሩ ሽግራት ብእዋኑ እንዳተፈትሑ ብዘይ ምምፀኦም እዮም ክብሉ ገሊፆም።

ምስ ዝተፈላላዩ ኣካላት ምዝርራብ እንዳተገበረ ፀኒሑ እዩ ብዋናነት ድማ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፀጥታ ትግራይ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ።

ዝተፈጠረ ሽግር ኣብ መንጎ ተጋሩ እዩ ስለዝኾነ ብተጋሩ እዩ ክፍታሕ ዘለዎ ዝብል መርገፂ እዩ ተታሒዙ።

ብምንም መንገዲ ትግራዋይ ኣፈላላይ ክፈጥረሎም ዘይግባእ ብሄራዊ ረብሓታት ብምቕማጥ ፃዕሪ ክግበር ፀኒሑ እዩ ኢሎም።

ይኹን እምበር እቲ ዝተገበረ ፃዕሪ ድማ ዛጊድ ክሰምር ከምዘይከኣለ ኣፍሊጦም።

እቲ ፃዕሪ ዘይሰመረሉ ምኽንያት ድማ እቲ ኣፈላላይ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክረክብ ኣብ ክንዲ ምፅዓር እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ፀሪጉ ብምጥፋእ እዩ ፍታሕ ዝመፅእ ዝብል ኣተሓሳስባ ብምህላዉ እዩ ኢሎም።

ምስ ሓይልታት ፀጥታ ብዕምቖተ ዘተ ተገይርሉ እዩ፤ ስለዝኾነ እቲ ሽግር ፖለቲካዊ እዩ መፍትሒኡ እውን ፖለቲካዊ እዩ፤ ናይ ሓይሊ መፍትሒ ኣይፈትሖን ኢሎም።

ዋና መንቀሊ እቲ ኣፈላላይ ኣብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣብ ዘሎ እዩ ስለዝኾነ ክፍታሕ ዘለዎ እውን ኣብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ፀገማት ብሓይሊ ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣረዲኦም።

“ሕዚ እውን ብተደጋጋሚ ነተሓሳስቦ ዘሎ ኣፈላላይ ሓይሊ መሰረት ዝገበረ ከይኾውን ምግባር እዩ”

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ንመኸተ ዝከፈልናዮ መስዋእቲ ኣብ ግምት ብምእታው ብሄራዊ ረብሓ ትግራይን ሓድነትን ማእኸል ገይሩ ንክሰርሕ እዩ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኢሎም።

https://t.me/KuluMedia


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading