News
“ሰራዊት ኤርትራ ኣይወፀን ቁስልና ኣይትጥለሉና “ ነበርቲ ኢሮብ

ሰራዊት ኤርትራ ብወረራ ካብ ዝሓዞም ከባቢታት ዞባ ምብራቕ ወፂኡ ዝብል ወረ ሓሶት እዩ።
ሕዚ እውን እንተኾነ ከተማ ዛላኣንበሳ ሓዊሱ ጣብያታት ጉሎመኸዳ ዝኾና ማርታ ኣዲስኣለም : ኣዲስ ተስፋ : ሰለስተ ሰፈራት ሰበያ : ሓንቲ ቁሸት ሸዊት ለምለም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ኤርትራ ኣለዋ።
ከተማ ዓሊቴና ሓዊሱ ጣብያት ወረዳ ኢሮብ ወርዓትለ : እዳልጌዳ ; ዓገረለኹማ ንዝሓለፉ 4 ዓመታት ሰራዊት ኤርትራ ብሓይሊ ሒዙወን ኣሎ።

“ቁስልና ኣይትጥለሉና ” ዝበሉ ነበርቲ እተን ጣብያታት : ሰራዊት ኤርትራ ኣይወፀን : ብሓይሊ ካብ ዝሓዞ ግዝኣት ትግራይ ኢትዮጵያ ክወፁ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ : መንግስቲ ፌደራልን ማሕበረሰብ ዓለምን ግብእኹም ፈፅሙ ኢሎም።
ኩሉ_ሚድያ #kulunews #tigraynews
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.