Connect with us

News

“ሰራዊት ኤርትራ ኣይወፀን ቁስልና ኣይትጥለሉና “ ነበርቲ ኢሮብ

Kulu Media

Published

on

ሰራዊት ኤርትራ  ብወረራ ካብ ዝሓዞም  ከባቢታት ዞባ ምብራቕ ወፂኡ ዝብል ወረ ሓሶት እዩ። 

ሕዚ እውን እንተኾነ ከተማ ዛላኣንበሳ ሓዊሱ ጣብያታት ጉሎመኸዳ ዝኾና ማርታ ኣዲስኣለም  :  ኣዲስ ተስፋ : ሰለስተ ሰፈራት ሰበያ :  ሓንቲ  ቁሸት ሸዊት ለምለም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ኤርትራ ኣለዋ። 

ከተማ ዓሊቴና ሓዊሱ ጣብያት ወረዳ ኢሮብ  ወርዓትለ : እዳልጌዳ ; ዓገረለኹማ ንዝሓለፉ 4 ዓመታት ሰራዊት ኤርትራ ብሓይሊ ሒዙወን ኣሎ። 

“ቁስልና ኣይትጥለሉና ” ዝበሉ ነበርቲ እተን ጣብያታት : ሰራዊት ኤርትራ ኣይወፀን : ብሓይሊ ካብ ዝሓዞ ግዝኣት ትግራይ ኢትዮጵያ ክወፁ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ : መንግስቲ ፌደራልን ማሕበረሰብ ዓለምን ግብእኹም ፈፅሙ ኢሎም።

ኩሉ_ሚድያ #kulunews #tigraynews


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading