Connect with us

ትግርኛ

ርኽክብ ማእከል ዲሞብላይዜሽን ዕዳጋ ሓሙስ ተፈፂሙ

Kulu Media

Published

on

ኣካል ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝኾነ ስራዊት ናይ ምምላስን እግሪ ናይ ምትካልን ስራሕቲ ብቀፃልነት ከምዝድግፍዋን ላዕላዋይ ሓላፊ ጉጅለ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪካ ጀነራል ስቴፌን ራዲናን እዮም።

ከም ፀብፃብ ቴሌቪዥን ትግራይ፣ እዚ ዝተገለፀ ርክክብ ማእከል ዲሞብላይዜሽን ዕዳጋ ሓሙስ እንትፍፀም እዩ ።

ተወከልቲ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣይተ ተመስገን ጥላሁን፣ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ብርጋዴር ጀነራል ደርቤ መኩርያ፣ ላዕላዋይ ሓላፊ ጉጅለ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪካ ጀነራል ስቴፌን ራዲናን ኢሉ ድማ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዝተረከብሉ ንኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ማእከል ዲሞብላይዜሽን ዕዳጋ ሓሙስ ርክክብ ተፈፂሙ።

ኣብቲ ርክክብ ማእከል ዲሞብላይዜሽን ዕዳጋ ሓሙስ ንመንግስቲ ወኪሎም ዝተረከቡ ተጋዳላይ ገብረ ገብረፃዲቅ ከምዝበልዋ ውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ብምግባርን ዘላቂ ሰላም ንምርግጋፅን ብቀፃልነት ተመለስቲ ስራዊት እኩል ስልጠና ረኪቦም ናብ ንቡር ሂወቶምን ማሕበረሰቦምን ዝምለሰሉ ኩነታት ዓሊሙ ዝግበር ዘሎ ርክክብ ኢዮ ኢሎም ።

ኮሚሽን ኮሚሽነር ብሄራዊ ተሃድሶ ኣይተ ተመስገን ጥላሁን፣ ብወገኖም ሐዚ ዘሎ ኩነታት ሰላም ኣብ ዝሓሸን ናብ ድሕሪት ኣብ ዘይምለሰሉን ኩነታት ከምዘሎ ብምሕባር እዚ ድማ ተጠናኪሩ ክቅፅል ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ግዝያዊ ሓላፊ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ጨንፈር ትግራይ ኮለኔል ኪሮስ ወልደስላሰ ኣብቲ ማእከል ዲሞብላይዜሽን ፈለማ ናይ ምዝገባ ስራሕቲ ከምዝስራሕ ምስ ገለፁ ንተመለስቲ ስራዊት ዝተፈላለዮ ስልጠናታት ብምሃብ ብዕሎም ሰሪሖም ዝነብርሉ ኩነታት ንምፉጣር ዝዓለመ ምካኑ እውን ኣፍሊጦም ይብል ፀብፃብ ቴሌቪዥን ትግራይ።

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading