ትግርኛ
ርኽክብ ማእከል ዲሞብላይዜሽን ዕዳጋ ሓሙስ ተፈፂሙ
ኣካል ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝኾነ ስራዊት ናይ ምምላስን እግሪ ናይ ምትካልን ስራሕቲ ብቀፃልነት ከምዝድግፍዋን ላዕላዋይ ሓላፊ ጉጅለ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪካ ጀነራል ስቴፌን ራዲናን እዮም።
ከም ፀብፃብ ቴሌቪዥን ትግራይ፣ እዚ ዝተገለፀ ርክክብ ማእከል ዲሞብላይዜሽን ዕዳጋ ሓሙስ እንትፍፀም እዩ ።
ተወከልቲ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣይተ ተመስገን ጥላሁን፣ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ብርጋዴር ጀነራል ደርቤ መኩርያ፣ ላዕላዋይ ሓላፊ ጉጅለ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪካ ጀነራል ስቴፌን ራዲናን ኢሉ ድማ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዝተረከብሉ ንኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ማእከል ዲሞብላይዜሽን ዕዳጋ ሓሙስ ርክክብ ተፈፂሙ።

ኣብቲ ርክክብ ማእከል ዲሞብላይዜሽን ዕዳጋ ሓሙስ ንመንግስቲ ወኪሎም ዝተረከቡ ተጋዳላይ ገብረ ገብረፃዲቅ ከምዝበልዋ ውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ብምግባርን ዘላቂ ሰላም ንምርግጋፅን ብቀፃልነት ተመለስቲ ስራዊት እኩል ስልጠና ረኪቦም ናብ ንቡር ሂወቶምን ማሕበረሰቦምን ዝምለሰሉ ኩነታት ዓሊሙ ዝግበር ዘሎ ርክክብ ኢዮ ኢሎም ።
ኮሚሽን ኮሚሽነር ብሄራዊ ተሃድሶ ኣይተ ተመስገን ጥላሁን፣ ብወገኖም ሐዚ ዘሎ ኩነታት ሰላም ኣብ ዝሓሸን ናብ ድሕሪት ኣብ ዘይምለሰሉን ኩነታት ከምዘሎ ብምሕባር እዚ ድማ ተጠናኪሩ ክቅፅል ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ግዝያዊ ሓላፊ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ጨንፈር ትግራይ ኮለኔል ኪሮስ ወልደስላሰ ኣብቲ ማእከል ዲሞብላይዜሽን ፈለማ ናይ ምዝገባ ስራሕቲ ከምዝስራሕ ምስ ገለፁ ንተመለስቲ ስራዊት ዝተፈላለዮ ስልጠናታት ብምሃብ ብዕሎም ሰሪሖም ዝነብርሉ ኩነታት ንምፉጣር ዝዓለመ ምካኑ እውን ኣፍሊጦም ይብል ፀብፃብ ቴሌቪዥን ትግራይ።
ስዓቡና
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.