Connect with us

News

ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝገሸ ተገሊፁ።

Kulu Media

Published

on

ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ ምምላስ ሕጋውነት ውድብ ህወሓት ኣመልኪቱ ንምዝታይ ዳግም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸደን ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብልፅግናን መረፃ ቦርድን ከም ዝተዛተየን ተገሊፁ ኣሎ።

እቲ ዘተ ከም ዘይተዛዘመን ዛጊድ ብዘሎ ሓበሬታ ድማ ብዘይመዕለቢ ይቅፅል ኸምዘሎን ወሲኹ ገሊፁ ኣሎ እቲ ሓበሬታ ።
ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብዛዕባ ምምላስ ሕጋውነት ውድብ ህወሓት ንምዝታይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ ምንባሩን እቲ ዘተ ኸምዘይቀነዖን ኣብቲ እዋን ተገሊፁ ነይሩ።

ኣብ YouTube ይመልከቱ

ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ
“ውድብ ህወሓት ከምብሓዱሽ ክምዝገብ ዘይኮነስ ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለሰሉ እዩ ዘለዎ፡፡” ኢሎም ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው

ኣብ መፈለምታ ወርሒ ሓምለ 2016 ዓ/ም ኣብ መንጎ ውድባት ህወሓትን ብልፅግናን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ብውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተበፅሑ ስምምዓትን ኣፈፃፅምኦምን ብምፍታሽ መሊኦም ክትግበሩ ከምዝተረዳደአ፤ ምምላስ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ብዝምልከት ድማ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍፀም ዝነበሮ ይጓተት ከምዘሎ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ገሊፆም።

ኣብ ህልው ኩነታት ውዕሊ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣመልኪቶም ብፍሉይ ምስ ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ቃለ መሕትት ዝገበሩ ኣምባሳደር ወንድሙ ውዕሊ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሓደ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን እንተቑፀረ እውን ዛጊድ ግዝኣታዊ መሬት ትግራይ ከምዘይተመለሰ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘይወፁ ተጋሩ ከምዘለውን ውድብ ህወሓት እውን ሕጋዊ ሰብነት ክምለስ ከምዘይከኣለ ኣረዲኦም።

ኣምባሳደር ወንድሙ ኣብ ምምላስ ሕጋዊ ሰብነት ውድብ ህወሓት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ብመሰረቱ ሕቶ ክኸውን ዘይግበኦ ጉዳይ ሕቶ ምዃኑ ቅቡል ኣይኮነን፤” ምስ በሉ “ውድብ ህወሓት ከምብሓዱሽ ክምዝገብ ዘይኮነስ ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለሰሉ ይግባእ” ኢሎም። ፓርላማ ኢትዮጵያ ስያመ ውድብ ህወሓት ካብ ግብረ ራዕዲ ምስኣልዓለ ክውዳእ ዝነበሮ ጉዳይ ከምዝኾነ ዘዘኻኸሩ ኣምባሳደር ናይዚ ምኽንያት እንትገልፁ ድማ “ኣብ ስምምዕ ውዕሊ ፕሪቶርያ ውድብ ህወሓትን ብልፅግናን ሕድሕዶም ኣፍልጦ ክወሃሃቡ ኣብቲ ስምምዕ ተቐሚጡ ስለዘሎ እዩ” ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ነቲ ፅንተታዊ ኵናት ምኽንያት ዝኾኑ ፖለቲካዊ ፀገማት ተዛቲኻ ንምፍታሕ ፖለቲካዊ ዘተ (ፖነል) ክካየድ ከምዘለዎ ተነፂሩ ዝተቐመጠ ዋላእኳ እንተኾነ ድሕሪ ምፍርራም እቲ ስምምዕነት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክካየድ እናተገበኦ ብሰንኪ መንግስቲ ፌደራልን ውሽጣዊ ናይ ባዕሉ ፀገምን ይጓተት ምህላው ኣምባሳደር ወንድሙ ግልፂ ገይሮም።

‘ፖለቲካዊ ዘተ ኣየድልን’ ዝብል ቅዋም እንተሃለዎም እውን መንፈስ ስምምዕነት ውዕሊ ፕሪቶርያ ከምኡ ስለዘይብል ኣይተቐበልናዮን”

ንሳቶም፣ ፌደራል መንግስትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ይራኸቡ ብምህላዎም ‘ፖለቲካዊ ዘተ ኣየድልን’ ዝብል ቅዋም እንተሃለዎም እውን መንፈስ ስምምዕነት ውዕሊ ፕሪቶርያ ከምኡ ስለዘይብል ኣይተቐበልናዮን” ዝበሉ ኣምባሳደር ወንድሙ፤ “ፖለቲካዊ ዘተ ጉዳይ ውዕሊ ዝፈረሙ ውድባት ህወሓትን ብልፅግናን እምበር ውላድ ስምምዕ ፕሪቶርያ ናይ ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስለዘይኮነ ናይቲ ኩናት ፖለቲካዊ ምኽንያት ናይ ምዝታይ መሰል ክህልዎ ኣይክእልን፤ ኢሎም” ኣምባሳደር ወንድሙ፤ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከም በዓል ዋና ኮይኑ ክደራደር ስለዘይኽእል ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ክእቶ ከምዘለዎ፤ ብመሰረት ዝተኣተወ ስምምዕ ክሳብ ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ ዘይተመሓደረ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትና ተመሊሱ ክበሃል ከምዘይኽእል ሓቢሮም።

እንተኮነ
ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት፡ ሕጋዊ ሰብነቱ ዝተሰረዘ ህወሓት ቦርድ መረጻ እንተዘይመዝጊቡዎ ኣብ ሃገራዊ መረጻን ፖለቲካዊ መድረኻትን ክሳተፍ ከም ዘይክእል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

ህወሓት ብወገኑ፡ እቲ ብፖለቲካዊ ውሳነ ዝስኣኖ ሕጋዊ ሰብነት ንክምለስ እምበር ከም ብሓድሽ ንኽምዝገብ ከምዘይደሊ እዩ ገሊጹ።

ውድብ ህወሓት ንዝተወለዐ ፅንተታዊ ኩናት ስዒቡ ቦርድ መረጻ ኣብታ ሃገር ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ክንቀሳቐስ ዘኽእሎ ዝነበረ ሕጋዊ ኣፍልጦ ከም ዝሰረዞ ይፍለጥ። ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ መንጐ ሰልፊታት ብልጽግናን ህወሓትን ከምኡ’ውን መንግስቲ ፈደራልን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝተፈላለዩ መድረኻት ዘተ ክካየዱ ከም ዝጸንሑ ይዝከር።

መንግስቲ ከም ፈጻሚ ስራሕ ክሰርሖ ዝግባእ ስራሕ ምሉእ ብምሉእ ሰሪሕና ኢና ዝበለ ኣብይ ኣሕመድ፡ እቲ ሕጂ ዝተርፍ እቲ ሰልፊ ሰላምን ሕጋዊ መገድን ተኸቲሉ ኣብ ቦርድ መረጻ ምምዝጋብ ከም ዝዀነ ኣመልኪቱ።

“ህወሓት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ ሰሙን ካብኡ ትጽቢት ዝግበሩ ሰነዳት ኣማሊኡ ናብ ቦርድ መረጻ ብምኻድ ብሕጋዊ መገዲ ተመዝጊቡ ወይ ሕጋዊ ፍቓዱ ክምለስ ብምግባር እዩ ጉባኤ ከካይድ ዘለዎ” ይብል።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ፡ “ከምኡ እንተዘይገይሩ፡ ቦርድ መረጻ ንህወሓት እንተዘይተቐቢሉዎ፡ ሕጋዊ ሰልፊ’ዩ እንተዘይኢሉዎ ግን ኣብ መረጻ ክሳተፍ ኣይክእልን፤ መንግስቲ ክኸውን ኣይኽእልን” ኢሉ።

ሕወሓት ነዚ ሕጋዊ መስርሕ ከየካየደ ድማ፡ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ከምዘይግባእ ኣጠንቂቑ።

ይዅን’ምበር፡ ህወሓት እቲ ብፖለቲካዊ ውሳነ ዝሰኣኖ ሕጋዊ ሰብነት ንኽምለስ እምበር ከም ብሓድሽ ንኽምዝገብ ከም ዘይደሊ ወሃቢ ቃል እቲ ሰልፊ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።
ንሱ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተገብረ ምምሕያሽ፡ “ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ንምምላስ ዘኽእል ዘይኰነ፡ ከም ብሓድሽ ክምዝገብ ዘኽእል’ዩ” ኢሉ።

ኣምባሳደር ወንድሙ ኣብቲ ምስ ወይን ዝነበሮም ፃኒሒት ኣብ ጉዳይ ውሽጣዊ ፖለቲካ ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብሪሂ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ዓፀባ ርኢኻ ኣብ ክንዲ ሓሪንኻ ምኻድ ኣብ ናይ ባዕልኻ ውልቃውን ጉጅላውን ባህጊ ተፀሚድኻ ንረብሓን ድልየትን ህዝቢ ትግራይ ዝጎድኡ ነገራት ይረአ እዩ ብምህላዎም ሐዚ እውን ዘላቒ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ናይ ምግባር ጉዳይ መራሕትና ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከምዘየለ ፈሊጦም ብኣግባቡ ክመርሕዎ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ፅንተታዊ ኩናት ብዙሓት ሃገራት ተዋሳእቲ ዝነበርዎ ብምዃኑ ነቶም ኣብ ስምምዕነት ዝተበፅሐሎም ነጥብታት ብልቢ ናይ ዘይምቕባልን ዘይምትግባርን ኩነታት ከምዘሎ ዝጠቐሱ ኣምባሳደር እዚ ድማ ፀላእቲ ብኵናት ዘይረኸብዎ ዓወት ብኻልእ መንገዲ ናይ ምርካብ ባህጊ ዝፈጠሮ ምዃኑ ኣገንዚቦም። ካብዚ ብምብጋስ ነቲ ውዕሊ ኣብ ምትግባር ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ መሪሕነት ህወሓት ውሽጡ ኣዕርዩ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ከምዝግባእ ብኣፅንኦት ምዒዶም።

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading