News
ዕጡቓት ደመቀ ዘውዱ ኣብ ክልተ ከምዝተኸፈሉ ተገሊፁ።
ዕጡቓት ደመቀ ዘውዱ ኣብ ክልተ ከምዝተኸፈሉ ተገሊፁ ።ደመቀ ዘውዱ ድማ ንሓይሊ ኣምሓራ ከምዝኸሓደን ውግንንኡ ከምዘፍለጠን ተፈሊጡ ኣሎ ።እቲ ሎሚ ዕለት 27 ሓምለ 2016 ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተሰመዐ ሓዱሽ ሓበሬታ ጀነራል ወርቁ ምምላስ ተመዛበልቲ መሰረት ጌሩ ፣ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዘይስሩዕ ዕጡቅ ናብ ምክልኻል ሃገር ክፅምበር ወይ ዕጥቁ ከርግፍ መምርሒ ምውራዲ ስዒቡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ኮነሬል ደመቀ ዝነበሩ ዕጡቃት ገሊኦም ምስ ፋኖ ኢና ኢሎም በቢከባቢኡ ሸፊቶም ሓዱሽ ውዳበ እንትምስርቱ ፥ገሊኦም ምስ ምክልኻል ሃገር ኢና ኢሎም ኣብ ጎኒ እቲ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተፀምቢሮም ኣለው ዝብል እዩ ።
ኮነሬል ደመቀ ዛጊድ ድሓር ዝወስዶ መርገፂ እኳ እንተዘይተፈልጠ ሕዚ ግና ኣብ ጎኒ ምክልኻል ሃገር ከምዘሎን ሰራዊቱ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ኣብ ጥበራ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ ዝብል እቲ ሓበሬታ፣
እቲ ኣብ መስመር ዓዲ ጎሹ እድሪስን ተከዘን ብሓይሊ ተቖፃፂሩ ዘሎ ፋኖ እየ ዝብል ሓይሊ ካብቲ ከባቢ ካብ ኮነሬል ደመቀ ዘፈንገጠ ግን ክሳዕ ጎንደር ምትሓሓዝ ዘለዎ ዝሸፈተ ሓይሊ ከምዝኾነ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም ።
እዚ ካብ ደመቀ ዘውዱ ዘፈንገጠ ምኳኑ ዝተነገረሉ ፋኖ እየ ዝብል ሓይሊ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ዓዲ ጎሹ መስመር እድራስን ተከዘን ተቆፃፂርዎም ኸምዘሎን ምልሻ እተን ከባቢ ገሊኡ ንበረኻ ወፂኡ ከምዝኸደን እውን ተመላኺቱ እዩ ።
ስዓቡና
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.