News
ፃውዒት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን
”መራሕትና ኣፈላላይኩም ብዘተ ክትፈትሑን ኣፈላላይ ዘጋድዱ መግለፅታት ካብ ምሃብ ክትቁጠቡን ንፅውዕ” – መንብረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን።
ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳትን ኣካየድቲ ስራሕን መንበረ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣብ ህልው ኵነታት ትግራይ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።
ኣቦታት መንበረ ሰላማ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ሊቃውንትን መላእ ተኸተልቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይን ኣብዚ ወቕቲ እዙይ ፈፂሙ ክፍጠር ዘይነበሮ ናይ መራሕትና ምክፍፋል ሰሚዕና ከይወዓልና ከይሓደርና ካብ ነሓሰ 18 እስካብ ነሓሰ 22 እቲ ኣፈላላይ ንምርዳእ ንዝምልከቶም ኣካላት ረኺብና ኣዘራሪብናዮም ኢና። ንዝሃቡና ዕድል ድማ ነመስግን ኢሎም።
ህዝብና ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ናይ መራሕቱ ምክፍፋል ክሰምዕ ኣይምተገቦኦን ምክንያቱ ድማ ህዝብና ኣብ ዝኸፍአ ፀገም እዩ ዘሎ፤ ዝተፈናቐለ ህዝብና ብውሕጅ፣ ብቝሪ፣ ብሙቐት፣ ብጭቃን ብጥሜትን ብዙሕ መከራ እዩ ዘሕልፍ ዘሎ።
ዳርጋ ፍርቂ መሬት ትግራይ ኣይተመለሰን መንእሰይ ፈቖዶ ስደት ኣደዳ ሸፋቱን ቀለብ ዓሳን ይኸውን ኣሎ ፣ ግፍዐኛታት ናብ ፍርዲ ኣይቐረቡን።
ጕዱኣት ኣካላት ካብ ዝበፅሖም መቝሰልትን ማህሰይትን ኣይተፈወሱን፤ መሊኦምውን ኣይሓወዩን።
ደቂ ኣንስትዮ ደቅና ካብ ዝበፅሐን ኵለ መዳያዊ ፀገም መሊኣን ኣይሓወያን።
እዚ ዅሉ ናይ ህዝብና መከራ ኣብ ክንዲ ብሓደ ልቢ ኮይንካ መፍትሒ ምግባር ናብ ዘየድሊ ኣፈላላይ ምእታው ኣሕዚኑና እዩ።
ነዚ ኣመልኪትና ምስ መራሕቲ ትግራይ ሰፊሕ ምይይጥ ጌርና፤ ኵሎም ካብ ፍቓድ ወለድና ኣይንወፅእን ዝብል ቃል ኣቲዮምልና እዮም። ካብዚ ተላዒልና ዝስዕብ መግለፂ ሂብና ኣለና።
1. መራሕትና በቲ ዝኣተኹምልና ቃል መሰረት ኣቦታትና ኣይትስግኡ ናብ ግጭት ኣይንኣትውን ኣፈላላይና ብልዝብ ክንፈትሖ ኢና ብዝበልኩምና ቃልኩም ክተፅንዑ ሓደራ እናበልና ነቲ ኣፈላላይ ዘጋድድ መግለፂታት ካብ ምሃብ ንክትቑጠቡ ፃውዒትና ነቅርብ።
2. ኵላትኩም ኣብ መሪሕነት ዘለኹም ሓደ ልቢ ኾይንኩም ነቲ ተፈናቒሉ ዘሎ ወገናትኩም ማለት ንኣርባዕተ ዓመታት ዝኣክል ብውሕጅ፣ ብቝሪ፣ ብሙቐት፣ ብጭቃን ብጥሜትን ኣብ ዝተቐደደ ኬንዳ ብዙሕ መከራ ዘሕልፍ ዘሎ ህዝብኹም ናብ ቦቱኡ ክትመልስዎ ንፅውዕ።
3. ውዕል ፕሪቶርያ ክሳብ ሐዚ ከባቢ ክልተ ዓመታት ዝኣክል ኣቝፂሩ ብምሉእነት ኣይተፈፀመን፤ እቲ ውዕል ከይተሸራረፈ ንክፍፀም ዝምልከተኩም ኣካላት ክፍፀም ክትገብሩ ፃውዒትና ነቕርብ።
4. መሬት ትግራይ ናብቲ ቅድሚ ዂናት ዝነበሮ ንክምለስ ዝምልከተኩም ኣካላት ብዕቱብ ንክትሰርሑ ፃውዒትና ነቅርብ።
5. ኵሉኹም ሚድያታትን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያን ናይ ሓንቲ ዓዲ ዕብየትን ምዕባለን ዝረጋገፅ ሰላም እንተሃልዩ ጥራሕ ምዃኑ ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ስለዙይ እቲ ኣብ መራሕቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይ ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥንን ሰላም ዝዘርግን ስለ ዝኾነ ምስ ዝኾነ ኣካል ከይወገንኩም ኵሎም መራሕቲ ትግራይ ናብ ሓደ ክመፅኡ ዝገብር ስራሕ ንክትሰርሑ ንፅውዕ።
6. ዝኸበርኩም ናይ ትግራይ ኣካላት ፀጥታ ምስ ኣካል ከይወገንኩም ክሳብ ሕዚ ሰላማን ውሕስንኣን ዝሓለወት ትግራይ ንክትህልው ትገብርዎ ዘለኹም ፃዕሪ እናድነቕናን እናመስገንናን በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ መራሕቲ ዘይምስምዕማዕ ምስ ዝኾነ ከይወገንኩም ንህዝብኹምን ንረብሓ ትግራይን ጠጠው ክትብሉ ንፅውዕ።
7. ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ እዞም መራሕቲ እዚኦም ካብ ኣብራኽካ ዝተፈጠሩ ባዕልኻ ዘዕበኻዮምን ዘምሃርካዮምን ቀንዲ ስርሖም ሰላምካ ክሕልዉ እዩ፤ ስለዙይ ኣብ ዝኸብካዮ ኣጋጣሚ ናብ ሓደ ክመፁ ክትመክር ክትግስፅ ሓጋዚ ክትኸውን ንላቦ።
8. መላእ ተኸተልቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ እግዚአብሔር ኣምላክ ንመራሕትና ጥበብ ልቦና ኣእምሮ ክህቦም፣ ዝተፈናቐሉ ወገናትና ናብ ቦታኦም ክምለሱ፣ ዝተዘርኡ ኣዝርእቲ ብሰላም ክኣትዉ፣ ስደት ጠጠው ክብል፣ መናእሰይ ኣብ ዓዶም ክሰርሑን ክመሃሩን እግዚአብሔር ኵሉ ከመቻችወልና ካብ ዕለት 29 እስካብ ጳጕሜን 5 ብጸሎት ብፆም መላእ ህዝብና ንፈጣሪኡ ክልምን ንፅውዕ።

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.