Connect with us

News

ብርሃነ ገ/ገርግስ ( ‘ሰብ ዝሰኣነ ሰብ’ ) ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

Kulu Media

Published

on

ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ኣወል ስዒድ ዝተራኸበ ብርሃነ ገብረጊዮርጊስ ልፍዓተይ ተስፋ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።


ብርሃነ ገ/ገርግስ (‘ሰብ ዝሰኣነ ሰብ’) ብትእዛዝ መንግስቲ ፌደራል፣ ትማሊ ድሕሪ ሰዓት ብፖሊስ ክልል ትግራይ ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓለ ፍልፍላት ሓቢሮም።

ናብ ፌደራል [ኣዲስ ኣበባ] ይወሰድ፣ ኣይወሰድ ንምውሳን ኣብ ኽትዕ ኸምዘሎ ዝግለፅ ዘሎ ኮይኑ ካብቲ ተታሒዙ ዝዓረፈሉ ፖሊስ ጣብያ ክፍለ ከተማ፣ ናብ ኮሚሽን ኮሚሽን ከም ዝመሓላለፍ ‘ውን እቶም ፍልፍላት ሓቢሮም፡፡

ብምንታይ ምኽንያት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ከም ዝውዓለ  ዝተሓተቱ ፍልፍላት ሚዲያና፣ ናብ ኣስመራ ገይርዎ ምስ ዝተብሃለ ጉዕዞ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ነገር ግን ኣይተ ብርሃነ ገ/ገርግስ ኣብ ቀይዲ ንምእታው ፖሊስ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዝነበሮ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝበልዎ ነገር የለን።

ናብ ፌደራል ኣሕሊፍካ ክወስድ የብሉን ዝብል ክትዕ ዝቀርበሉ ዘሎ ኾይኑ ብኣንፃር እዚ ኽትዕ ደው ዝበሉ ተጋሩ ግና “ብቅትለት ንእስቲ ሓበን ን ዝተጠርጠረ ተጠርጣሪ፤ ፖሊስ ትግራይ ካብ ደሴ እዩ ኣምፂኡዎ። ብገበን ተጠርጣሪ ስለዝኾነ። ፖሊስ ትግራይ፣ ኣብ ትግራይ ገበን ሰሪሑ ናብ ካልኦት ክፋላት እዛ ዓዲ ዝተሰወረ ተጠርጣሪ ምሓዝ ዝኽእል እንተኾይኑ፤ ፖሊስ ፌደራል ብገበን እታ ዓዲ ዝጥርጦሮ ሰብ ምሓዝ ይኽእል ኣሎ ማለት እዩ ኽብሉ ሓሳቦም ይገልፁ ኣለዉ።
ኣስዒቦም ከኣ
“ቤት ፍርዲ ትግራይ ዝዳንዮም ገበናት ፍሉጣት እዮም። ቤትፍርዲ ትግራይ ዘይዳንዮም ገበናት ፌደራል እዩ ዝዳንዮም ዝበሉ እዞም ተጋሩ ልፍዓተይ ዝፈጸሞም ተግባራት ብብዙሕ ገበናት ከጠርጥዎን ከክስስዎም ዝክእሉ እዩም።ኣብ ዝቀርቡ መረዳእታታት ዝሙርኮዝ ዋላ እንተኾነ እዞም ዝስዕቡ ገመድ ገበናት ባዕሉ ኣብ ክሳዱ እዩ ጣጢኑ።

1) ብዘይሕጋዊ ኣግባብ ዶብ ምቁራጽ ዓንቀጽ 435
2) ዓንቀጽ 280 ሽበራ
3) ዝሃቦን ዘቀበሎን ሓበሬታ ኣሎ እዩ ተባሂሉ ተተወሲዱ ድማ ዓንቀጽ 278 ስለላ
4) ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ምንቅስቃስ ዓንቀጽ 281ብምባል ተገባር ልፍዓተይ ውጹእ ገበናት እዮም ክኾኑ።

እንተኾነ ፌደራል መንግስቲ ልዕልነት ሕጊ ከረጋግጽ ሽውሃት ሃልዩዎ ክሰርሕ እዩ ዝብል ዘጠራጥር እዩ ኢሎም ኣለዉ።

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading