ትግርኛ
ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ምድላዋቶም ወዲኦም።

መራሕቲ ትግራይ ንስንሳቶም ኣብ ዝጠማመትሉን ብስልጣን ኣብ ዝጠቃቀዕሉን ወቅቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ሓይሊታት ኣምሓራ ካብ ግዝኣት ትግራይ ምህርቲ ንምሕፋስ ምድላዋቶም ወዲኦም ።
ህዝብን መሬትን ትግራይ ተሃጊሩ ኣብ ዘለሉ ግዘ ነንበዕሎም ብስልጣን ኣብ ምጥልላፍን ምትንዃልን ዝተፀመዱ መራሕቲ ትግራይ ኣብዚ ኽረምቲ እውን እንተኾነ ቃል ብዝኣተውዎ መሰረት ተመዛበሊ ምዕራብ ትግራይ ኽምልስዎ ኣይከኣሉን ።
ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ ሓይሊ ኣምሓራ ድማ “559 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዘርኢ ከምዝተሸፈነን ዝሐሸ ምህርቲ ንምግሓጥ ዓሊሙ ምድላዋቱ ኸምዝወገነን ብሚድያታቱ ኽነግር ጀሚሩ ኣሎ ።
እቲ ሓይሊ “ዝልዓለ ልምዓት ዘርኢ ካብ ዝተረኣየሎም ኸባቢታት እቲ ሓደ ወልቃት ፀገዴ ሰቲት ሑመራ እዩ። እቲ ዞባ ንወፃኢ ዕዳጋ ዝቐርቡ ዘርኢታት ሓዊሱ ካልኦት ዘርኢታት ብስፍሓት ዝምረተሉ ኸባቢ እዩ” ኽብል ካብ ግዝኣት ትግራይ ምህርቲ ንምሕፋስ ኣብ ሃይሃይታ ስራሕ ተፀሚዱ ይርከብ።
“ካብ ዝተዘረአ ምዕራብ ትግራይ 12 ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ክርከብ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ዝገለፀ እቲ ሓይሊ እዚ ዜና እዚ ኣብ ተጋሩ ቁጠዐ ፈጢሩ ኣሎ ።
ኣብ ዝሓለፈ እውን ሓይሊ ኣምሓራ “ን2017 ዘበን ትምህርቲ ልዕሊ 200 ሽሕ ተምሃሮ ንምምዝጋብ ተሊሙ እናሰርሐ ምዃኑ ምምሕዳር ወልቃይት ፀገዴ ሰቲት ሑመራ ኣፍሊጡ” ክብል ብቀፃልነት መሬት ትግራይ ብሒቱ ንምንባር ዘለዎ ክቱር ባህጊ ገሊፁ ነይሩ ።
ስዓቡና
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.