News
ፕ/ ጌታቸው ረዳ ካብ ስልጣን ክወርድ ከምዝኽእል ተገሊፁ።
ኣብይ ኣሕመድ ብሽም ሕጊ ምኽባር ናብ ትግራይ ክኣቱ ከምዝኽእል ይግለፅ ኣሎ ።
ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብይ ኣሕመድ ንፕረዚዳንት ጌታቸው ብኻሊእ ንምትካእ ክሰርሕ ከምዝኽእል እዩ ዝሕበር ዘሎ ።
እንተኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነዚ ንምዕፃው ዘኽእሎ ስጉምቲ ምውሳድ ይቅፅለሉ ኸምዘሎ እዩ ተመላኺቱ ዘሎ ።
እቲ ብዛዕባ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ ስርዓት ሎሚ ዝተሰመዐ ዜና
“ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ብስርቅን ካልኦት ገበናት ዋና ተሓተቲ ዝኾኑ ናብ ሕጊ እንተዘይኣቅሪቦም ስልጣኖም ብኻሊእ ሰብ ንምትካእ ምኽረ ሓሳብ ከምዝቀረበን ብሽም ሕጊ ምኽባር ናብ ትግራይ ንምእታው ድሌት ከምዘለዎን እዩ ተገሊፁ ዘሎ።
ኣብ YouTube ብምስሊ ይርኣዩ
እንተኾነ ሎሚ “ተዛሪብካ ምትራፍ ወይ ጀሚርካ ዘይምውዳእ ብደምቢ ዝገልፀና እናኾነ እዩ መፅዩ። ኾይኑ ግና እዚ ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎ ብዘይ ናይዝኾነ ኣካል ኢድ ኣእታውነት ሓላፍነት ዝተውሃቦ ኣካል ጥራሕ ዝመርሖ ስርዓት ናይ ምትሓዝ ስራሕ ጀሚርና ኣለና። እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ዝበፅሕን ለውጢ ዘርእን እዩ።” ክብል ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ካቤነ ሰክረታርያት ሰላምን ፀፅታን ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፁ ኣሎ ።
ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝተጀመረ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ኸምዝቅፅል እውን ኣፍሊጡ ።
ምስ ኩነታት ፀጥታ ትግራይ ተሓሒዙ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ብሂራዊ ዋዕላ ፓለቲካ ምሕደራ ትግራይ ኣብ ዘሐልፎ መልእኽቲ፥
ብሓፈሻ ኩነታት ፀጥታ ትግራይ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዘ ንላዕሊ ኣብ ዝኽፍኣ ኩነታት ስለዝርከብ እዚ ንምፍታሕ ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ስራሕ ይሳለጥ ኣሎ ክብል ብምሕባር
ዘይሕጋዊ ዕደና ተበራኺቱ ፣ ብሰንኪ እዙይ ዘይሕጋዊ ዕደና ብዝሃ ህይወትን ከባቢን ይጉዳእ ኣሎ። ጎቦታት ትግራይ ፣ ተሓራሲ መሬት፥ እፅዋት ይህሰ ኣሎ። ኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና ቻይናውያን፣ ሱዳናውያን ፣ ሴነጋላውያን ሓዊሱ ተሳትፎ ብርክት ዝበሉ ወፃእተኛታት ኣለዎ ኢሉ ኣሎ ።

ወሲኹ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሃፍቲ ተፈጥሮ መዓድን ክረኽቦ ዝግባእ ሕጋዊ ረብሓ ኣይረክብን ዘሎ ዝበለ ኾይኑ እቲ ዝወፅእ ዘሎ ወርቂ ናበይ ከምዝኸይድ ኣይፍለጥን ብፀሊም ዕዳጋ እዩ ዝሽየጥ ዘሎ ኢሉ ።
ብምቅፃል ውራ መሬት ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ፣ ክትራን ፣ ምድፍር ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ገበናትን ተበራኺቱ ኣሎ ድሕሪ ምባል ፀጥታ ትግራይ ውሑስ ንምግባር ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝተዋፈሩ ኣብ ቁፅፅር ምውዓልን፣ ሰራሕቲ ሕጊ ምኽባር ክሳለጥ እዩ ። እዚ ክትግብር ዝኽእል ሓይሊ ፀጥታ ኣለና ። ምስ እዙይ ተተሓሒዙ ዝስርሑ ስራሕቲ ሕጊ ምኽባር እምበር ምስ ካሊእ ዘተሓሕዝ ነገር የቡሉን። ኣብ ዝኾነ ይኹን ይሃልው ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝተሳተፈ ናብ ሕጊ ክቐርብ እዩ ክብሉ ኣጠንቂቁ።
ካብዚ ብተወሳኺ ምክትል ፕሬዚደንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝኸፍአ ፀገም ፀጥታ ምህላው ብምግላፅ ካብቶም ዓበይቲ ዕንቅፋታት ኢሎም ካብ ዘቀመጥዋም ድማ ልዕልነት ሕጊ ዘይምርግጋፅ፣ዘይሕጋዊ ነገራት ዝበዝሕሉ ብፍላይ ስርዓት ንግዲ ዝተናገዐሉ ዝውውር ደቂ ሰባት ዝበዘሐሉ ኩነታት ከምዝተፈጠረ ገሊፁ።
መዐወንቲ ዕፃትን መዓልቶም ዝሓለፎም ኣፋውስን ኣብ ዕዳጋ ይውዕሉን ንጥዕና ደቂ ሰባት ይሃስዮ ምህላዋም ዝገለፀ ምክትል ፕሬዚደንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ብኣንፃሩ ድማ ኣብ ትግራይ ሕፅረት ስሚንቶን ነዳድን እናሃለወ ንደገ ይሽየጥን ካብ ትግራይ ክወፅእን ይግበር ኣሎ ኢሉ።
ጀነራል ታደሰ ወረደ ወሲኩ ዘይሕጋዊ ዕደና መዓድን ብማሽናትን ኤክስካቫተራትን ተደጊፍ ይጓሓል ምህላው ምስ ገለፀ ኣብዚ ድማ ዜጋታት ወፃኢ እንተይተረፈ ይሳተፉ ምህላዋም እዩ ኣረዲኡ።
ወራር መሬት፣ስርቂ ሓፂነ መፂን ካሊእ ፀገም ትግራይ ኮይኑ ከምዘሎ ምስ ሓበሩ ከበድቲ ገበናት ተበራኺቶም ምህላዋምን ብፍላይ ድማ ንኽትዛረቦ ዝኸብድ ኣብ ልዕሊ ደቒ ኣንስትዮ ትግራይ ቅትለትን ዓመፅን እናተፈፀመ ከምዝርከብ ሓቢሩ።
ስለዚ ነዞም ኩሎም ፀገማት ምሕደራ ትግራይ ንምፍታሕ ቀዳማይ ነገር ልዕልነት ሕጊ ክረጋገፅ ከምዘሎዎ፣ርኡይ ስጉምቲ ምውሳድን ብዓብይኡ ድማ ፀገም ፓለቲካ ትግራይ ክፍታሕ ኣለዋ ኢሉ።
ስዓቡና
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.