News
ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ስጉምቲ ክወስድ ከምዝተሓተተ ተሓቢሩ።
ህወሓት ብሕታዊ ዕጡቅ ውድብ ኣብዛ ሃገር ኮይኑ ሰላም ትግራይን ኢትዮጵያን ይዘርግ ኣሎ ዝብል ክሲ ከምዝቀረበሉ እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ብመሰረት እቲ ዝወፀ ኣዋጅ ኣፈፃፅማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝምልከት ፀብፃብ ስራሕ ብዘይምቕራቡ ሕቶታት ኣበጊሱ።
እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ እማመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ንቡር ሕጋዊ ስርዓት ንምእታው ዝሕግዝ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።
ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝፀንሐት ትግራይ ቅድም ክብል ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣካላት ብሕጊ ከይተሓተቱ ምትራፎም ብዝምልከት ቅሬታ ምቅራቡ ሪፖርተር ፀብፂቡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ኣፈፃፅማ ግዝያዊ ምምሕዳር ብዝምልከት ፀብፃብ ናብ ባይቶ ፈደረሽን ከይቀረበ፣ ዕድመ ግዝያዊ ምምሕዳር ምንዋሕ ኣድላዪ ከምዘይኮነ ኣብ ባይቶ ኢትዮጵያ ቅሬታ ቀሪቡ ኢሉ።
እቲ ቅሬታ ብሰሉስ 23 መጋቢት 2017 ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ኣብ መበል 21 ስሩዕ ኣኼባኡ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልላዊ ጉዳያት ጣልቃ ክኣቱ ዘኽእል እማመ ምምሕያሻት ኣዋጅ ቁጽሪ 359/1995፡ ቅድሚ ብብዝሒ ድምጺ ምጽዳቑ ንኣስታት 25 ደቓይቕ ተዘትዩሉ እዩ ይብል ሓበሬታ ሪፖርተር ።
ኣብዚ ሕጂ ኣብ ስራሕ ዘሎ ኣዋጅ ዓንቀጽ 15 ንኡስ ዓንቀጽ 3 እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብቲ ክልል ንኽልተ ዓመት ክጸንሕ ምዃኑን፡ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ድማ ኣድላዪ እንተኾይኑ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ዘይበዝሕ ግዜ ጻንሒቱ ከናውሖ ከምዝኽእልን ይድንግግ። ይኹን እምበር ኣብቲ ክልል ፌደራል መንግስቲ ምትእትታው ዘድሊ ዝተሓላለኸ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ኣድላዪ ኮይኑ እንተተረኺቡ ዕድመ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሳብ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ክውስን ከምዝኽእል እቲ ዝቐረበ እማመ ይድንግግ።

ብተወሳኺ ብኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ዕድመ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምንዋሕ ዝወሃብ ውሳነ ንኻልኣይ ግዜ ክናዋሕ እንተድኣ ኣድልዩዎ፡ ኣፈ ጉባኤ ካብ ሓደ ዓመት ዘይበዝሕ ግዜ ከናውሖ ከምዝኽእል እውን ተቐሚጡ ኣሎ።
ኣብዚ ሕዚ ዘሎ ኣዋጅ 359/1995 ዓንቀፅ 15 ንኡስ ዓንቀፅ 1 ግዝያዊ ምምሕዳር ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት ንምውጋድ ስጉምቲ ክወስድ ከምዘለዎ ተቐሚጡ ኣሎ።
ብተመሳሳሊ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሕግን ስርዓትን ክኽበርን ብመሰረት ዝምልከቶ ሕጊ ኣብቲ ክልል መረፃ ዝካየደሉ ሃዋህው ክፈጥርን ኣለዎ ዝብል ኣዋጅ ምኳኑ ይሕብር።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ብዛዕባ ኩነታት እቲ ክልል ፀብፃብ ናብ ባይቶ ፌደሬሽን ከቕርብ ከምዘለዎ ተነፂሩ ኣሎ።
ኣብቲ ኣዋጅ ዓንቀፅ 17 ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ቀዳማይ ሚኒስትርን ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት፣ ውሳነታት ባይቶ ፌዴሬሽንን ህልው ኩነታት እቲ ክልልን ብግልፂ መግለፂ ክህቡ ኸምዘለዎም ይገልፅ።
እቲ እማመ ኣብ ክልል ትግራይ ንውሱን እዋን ዝፀንሐ ናይ ክልተ ዓመት ግዝያዊ ምምሕዳር ዘናውሕ ኮይኑ እቲ ክልል ናብ ንቡር ሕጋዊ ስርዓት ንምስግጋር ተወሳኺ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ ዝህብ ምዃኑ ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርኣያ ስላሴ ኣብቲ ባይቶ ምግላፃ ዘሪፖርተር ፀብፂቡ።
መንግስትን ቤት ምኽርን ትግራይ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ፈቲኖም ብዝብል ካብ ስራሕ ተኣጊዶም ምፅነሖም ብምግላፅ ፣ በዚ መሰረት ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ነቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ዝፈተኑ ንምንታይ ናብ ሕጊ ዘየቕረቦም ዝብል ተቋውሞ ኣብቲ ኣኼባ ኸምዝተልዓለ እቲ ፀብፃብ የመልክት።
ዶክተር ኣወቀ ዝበሃል ኣባል እቲ ባይቶ ነቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ይሰርሕ ኣሎ ዝበሎ ህወሓት ብምጥቃስ “ክሳብ መዓስ ኢና ህወሓት ከም ውዳበ እናቀባጠርና ክንቅጽል ” ክብል ሓቲቱ።
ብተመሳሳሊ ካልእ ወኪል ባይቶ ኢዜማ ኣብርሃም በርታ ህወሓት ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ እኳ ዕጥቁ ኽፈትሕ ዝግባእ እንተነበረ ዕጥቁ ክፈትሕ ብዘይምኽኣሉ ግን እቲ እንኮ ዕጡቕ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጹ። እዚ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ክዘርግ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብታ ሃገር ንሰላም ስግኣት ኮይኑ ከምዘሎ እውን ኣመልኪቱ
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝብታት ኣቶ ታገሰ ጫፎ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ባይቶ ቀሪቡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብዝምልከት መልሲ ከምዝሃበን፡ ኣብ ቀጻሊ ዝለዓሉ ጉዳያት እንተሃልዮም ድማ ዘተ ክካየድ ከምዝኽእልን ገሊጹ።
ይኹን እምበር ኣተገባብራ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝምልከት ጉዳይ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ምዃኑ፣ ጉዳይ ሕጋዊ ተሓታትነት ብመሰጋገሪ ፍትሒ ከምዝፍታሕ ኣብሪሁ።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.