Connect with us

News

ፕሬዚዳንት ጌታቸው መልእኽቲ ሰዲዱ።

Kulu Media

Published

on

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ

በዓል ዒድ ኣልፈጥር ከምቲ ልሙድ እናተሓጋገዝና እነሕልፎ በዓል ክኸውን ይግባእ ክብል ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ገሊፁ።

ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብምኽንያት ሎሚ ዝበዓል ዘሎ መበል 1446 ዓመት ሂጅርያ በዓል ዒድ ኣልፈጥ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ X ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ሰናይ በዓል ትምኒት ኣብ ኩሎም ኩርናዓት ዓለም ንዘለኽን/ኹም ኣመንቲ እስልምና ዒድ ሙባረክ ኢሉ ።

ብፍላይ እዚ በዓል ንተኸተልቲ እምነት እስልምና ተጋሩ ድማ ብፍላይ ናይ ሰላምን ተስፋን ርሑስ ዒድ ይግበረልኩም ይግበረልና ዝበለ ኣይተ ጌታቸው ከምቲ ልሙድ እናተሓጋገዝና እነሕልፎ በዓል ይኹነልና ክብል መልእኽቱ ኣሕሊፉ

ብተመሳሳሊ ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤ ብወገኑ ኣብ ውሽጢ ዓድን መላእ ዓለምን ንእትነብር ተኸታሊ እምነት እስልምና ህዝብና፣ እንኳዕ ንመበል 1446 ዓመት በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና ክብል ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ

ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብተመሳሳሊ ሩሑስ ዒድ ኣልፈጥር ክኸውን ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፉ ።


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading